ኢንዶነዥያ ቅድሚ መርዓ ንዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ብማእሰርቲ ዘቅጽዕ ሕጊ ከተጽድቕ'ያ

ምንጪ ስእሊ, HOTLI SIMANJUNTAK/EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK
ባይቶ ኢንዶነዥያ ኣብዚ ወርሒ ሓድሽ ገበናዊ ሕጊ ከጽድቕ ትጽቢት ይግበር፡ እዚ ሕጊ ካብ ሓዳር ወጻኢ ንዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ክሳብ ሓደ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ዝቕጽዕ እዩ።
ኣብቲ ረቂቕ ዝተሳተፈ ፖለቲከኛ ባምባንግ ዉርያንቶ፡ እቲ ሕጊ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።
እቲ ሕጊ እንተጸዲቑ፡ ንዜጋታት ኢንዶነዥያንን ወጻእተኛታትን ብማዕረ ዝምልከት እዩ።
ንዝሙት ዝወሃብ መቕጻዕቲ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል ናብ ሰበስልጣን ጥርዓን ዘቕርቡ ወገናት ምስ ዝህልዉ ጥራይ እዩ።
ነቶም ዝተመርዓዉ ድማ ጥርዓን ከቕርብ መሰል ዘለዎ ወገን በዓል ቤት ወይ በዓልቲ ቤት እቲ ገበነኛ እዮም።
እቲ ሕጊ፡ ወለዲ ዘይተመርዓዉ ሰባት ጾታዊ ርክብ ፈጺሞም ኢሎም ክሕብሩ እውን ይፈቅድ።
ቅድሚ መርዓ ሓባራዊ ምንባር እውን ክእገድ ምዃኑን እቶም ዝተፈርዱ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ክቕጽዑ ከምዝኽእሉን ተገሊጹ።
ጉጅለታት ንግዲ፡ እቲ ሕግታት ኣብ ስም ኢንዶነዥያ ከም መዕረፊት በዓላትን ወፍርን ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ስክፍታኦም ገሊጾም ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።
ምክትል ኣቦ መንበር ማሕበር ኣስራሕቲ ኢንዶነዥያ (APINDO) ሺንታ ዊድጃጃ ሱካምዳኒ፡ "ንዓውዲ ንግዲ፡ ምትግባር እዚ ባህላዊ ሕጊ ሕጋዊ ዘይርጉጽነት ክፈጥርን ኣውፈርቲ ኣብ ኢንዶነዥያ ብዛዕባ ወፍሪ መሊሶም ክሓስቡ ክገብርን'ዩ" ኢላ።
እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ረቂቕ እቲ ሕጊ ኣብ 2019 ክጸድቕ ተሓሲቡ እኳ እንተነበረ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ሰልፍታት ብምስታፍ ብደረጃ ሃገር ተቓውሞታት ኣስዒቡ እዩ።
እቲ ቀንዲ ግጭት ኣብ ርእሰ ከተማ ጃካርታ ብዙሓት ተማሃሮ ሓዊሱ ኣብ መላእ ኢንዶነዥያ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ናብ ጎደናታት ኣብ ዝወጹሉ እዩ ተፈጺሙ።
ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዝደርበዩ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝን መዳፍዕ ማይን ተጠቒሞም።
ከምዚ ዝኣመሰለ ጽኑዕ ሕግታት ጾታን ዝምድናን ኣብ ገለ ክፋል ናይታ ዝበዝሐ ኣስላም ዘለዉዋ ኢንዶነዥያ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ኣይኮነን።
ኣውራጃ ኣቸ፡ ተሪር እስላማዊ ሕጊ ብምትግባር፡ ቁማር፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይን ምስ ኣባላት ኣንጻር ጾታ ብምርኻብን ቀጺዓ እያ።
ኣብ ሓደ ጉዳይ ኣብ 2021፡ ጎረባብቲ ንኽልተ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ፈጺሞም ብምባል ኮኒኖም። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብሓደ ኣባል ፖሊስ 77 ግዜ ተገሪፎም።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ተቐራሪቦም ዝተተሓዙ ሓንቲ ሰበይትን ሰብኣይን ነፍሲ ወከፎም 20 ግዜ ክግረፉ እንከለዉ፡ ክልተ ሰብኡት ድማ ሰኺሮም ነፍሲ ወከፎም 40 ግዜ ተገሪፎም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







