ሬሳ ጓሎም ብሳንጣ ከምዝደርበዩ ዝተጠርጠሩ ወለዲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ፖሊስ ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, ANI

ፖሊስ ህንዲ ንሓንቲ መንእሰይ ቀቲሎም ሬሳኣ ኣብ ጥቓ ጽርግያ ደርብዮም ዝበሎም ወለዲ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም።

ሬሳ እታ ጓል ኣንስተይቲ፡ ብዓርቢ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ ኣብ ጥቓ ከተማ ማቱራ ብፕላስቲክ ተጠቕሊሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ቀይሕ ባልጃ'ዩ ተረኺቡ።

እቶም ተኸሰስቲ፡ ኣቦ እታ ግዳይ ኒተሽ ኩማር ያዳቭን ኣዲኣ ብራጅባላን ክኾኑ እንከለዉ፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ዝሃብዎ ዝኾነ ርእይቶ የለን።

ፖሊስ፡ ነቲ ጉዳይ "ቅትለት ክብሪ" ክኸውን ይኽእል'ዩ ብዝብል ጥርጣረ መርመራ የካይድ ከምዘሎ ይገልጽ።

ቅትለት ክብሪ - ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ንዘመናት ዝጸንሐ ልምድታት ዝሰብሩ ተባሂሎም ዝግመቱ ሰባት ዝፍጸም ገበናት - ኣብ ህንዲ ብቐጻሊ ዘጋጠም ከምዝኾነ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቶም ግዳያት ብቐንዱ ካብ ዓሌቶም ወጻኢ ወይ ኣብ ውሽጢ ንኡስ ዓሌቶም ምስ ዝርከብ ሰብ ኣብ ፍቕሪ ዝወድቑ ወይ ኣንጻር ድሌት ስድራቤቶም ዝምርዓዉ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እዮም።

እታ ኣዩሺ ቻውዳሪ ዝተባህለት ግዳይ ኣብ ደልሂ ኣብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ኮሌጅ ትመሃር ከምዝነበረት ፖሊስ ይገልጽ።

ፖሊስ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ዝርዝር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣቦ እታ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ፡ ምስ ካልእ ዓሌት ብዝገበረቶ ሓዳር ድሕሪ ምጭቕጫቕ፡ ብ17 ሕዳር ከም ዝቐተላ ይኸስስ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ወለዲ ነቲ ሬሳ ኣብ ሻንጣ ዓሺጎም ብለይቲ ኣብ ጥቓ ጽርግያ ከም ዝደርበይዎ ፖሊስ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ ጠቒሱ'ሎ።

ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እቲ ሬሳ ምስተረኸበ፡ መርመራ ሞት ከምዝተኻየደን፡ ኣብ ርእሳ፡ ገጻን ካልእ ክፍሊ ኣካላታን ምልክት ጉድኣት ከምዝተረኸበ ፖሊስ ሓቢሩ።

"ኣብ ኣፍልባ ክልተ ግዜ ብጥይት" ምስተተወቐዐት ከምዝሞተት’ውን ገሊጹ።

ናይቲ ኣቦ ፍቓድ ዘለዎ ጠበንጃ፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ገበን ተጠቒሞምሉ ዝተባህለ መኪናን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።