ሚስጥር ናይቶም ኣብ ኬንያ ዝጠፍኡ ክልተ ህንዳውያን

ዙልፊቃር ኣሕመድ ካን ኣብ ኬንያ ማሳይ ማራ ቅድሚ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምጥፋኡ

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK

መግለጺ ስእሊ, ዙልፊቃር ኣሕመድ ካን ኣብ ኬንያ ማሳይ ማራ ቅድሚ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምጥፋኡ

ዙልፊቃር ኣሕመድ ካን ቅድሚ ምጥፋኡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብቲ ንዕረፍቲ ዝጸንሐሉ መዕቆቢ ጸወታታት ማሳይ ማራ ኬንያ፡ ሓደ ኣንበሳ ዝጉህር ቪድዮ ኣካፊሉ ነይሩ።

"ስሕበት ዝመልኦ ንግሆታት ኣብ ማሳይ ማራ። በቃ ምስ ሲምባ ትራኸቡሉ ናይ መጀመርታ ህሞት ሕሰብዎ። ቁርሲ ንቐደም በሉ?" ዝብል ሕጉስ ጽሑፍ ጽሒፉ።

እዚ ወዲ 48 ዓመት ህንዳዊ በዓል ሞያ፡ ዋና ኦፕሬቲንግ ኦፊሰር ናይቲ ኣብ ሙምባይ ዝመደበሩ ኩባንያ ቲቪ ባላጂ ቴሌፊልምስ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።

ካን ኣብ ሊንክድኢን ፕሮፋይሉ "ኣብ ውጽኢት ዝመርሖ፡ ኣብ ሰባት ዘተኮረ መራሒ ንግዲ" ይብል፡ ኣብ ኩባንያታት ፈነወን ዲጂታላዊ ሚድያን ንልዕሊ 19 ዓመታት ተመኩሮ ዘለዎ፤ ከምኡ'ውን "ልዑል ጸዓት፡ ብብቕዓት ዝምራሕ ኣሰልጣኒ፡ መምህርን ኣካያዲ ስራሕን" ከምዝኾነ ይገልጽ።

ካን ኣብ ወርሒ ሰነ ስራሑ ድሕሪ ምቁራጹ፡ ንሓደ ወርሒ ናብ ኬንያ ተጓዒዙ። ናይ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ፕሮፋይሉ ኣብታ ሃገር ብዝሰኣሎም ቪድዮታትን መሊኡ ነይሩ።

ቅድሚ ምጥፋኡ ኣርባዕተ መዓልቲ ናብ ኣዕሩኽቱ ክድውል ከሎ ብዛዕባ ኬንያ ምፍላጡ ሕጉስ ይመስል ነይሩ።

ካንን ኪድዋይን (ድሕሪት) ቅድሚ ምጥፋኦም ክልተ መዓልቲ ኣብ ናይሮቢ

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK

መግለጺ ስእሊ, ካንን ኪድዋይን (ድሕሪት) ቅድሚ ምጥፋኦም ክልተ መዓልቲ ኣብ ናይሮቢ

ሓደ ካብኣቶም ኣዕሩኽቱ፡ እቲ ን24 ዓመታት ዝፋለጡ ኣብ ደልሂ ዝሰርሕ ሞያ ራጂቭ ዱቤይ እዩ። "ኣዝዩ ሕጉስ ይመስል ነይሩ። ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ምስ ገለ ኣዕሩኽቱ ብዛዕባ እንስሳ ዘገዳም ነዊሕ ኣዋጊዑ ነይሩ፡ ነታ 'ውቅብቲ' ሃገር ክበጽሕዋ ድማ መኺርዎም" ይብል ራጂቭ ዱቤይ።

ካን ንኣዕሩኽቱ፡ ኣብ ዕለት 24 ሓምለ ናብ ሃገሩ ከም ዝምለስን፡ ኮይኑ ግን ኣብቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን እንስሳታት ዘገዳም ናብ ማሳይ ማራ ዝስደዱሉ እዋን ናብ ኬንያ ተመሊሱ ክመጽእ ከም ዝደሊ ሓቢሩ።

ኣብ ዕለት 22 ሓምለ ምሸት ግን ካን፡ ካልእ ህንዳዊ ሰብኣይን ሓደ ኬንያዊ መራሒ መኪናን ኣብ ዝኣተውዎ ጠፊኦም።

እቲ ካልእ ህንዳዊ ወዲ 36 ዓመት መሓመድ ዛይድ ሳሚ ኪድዋይ'ውን ብናይ በጻሕቲ ቪዛ ናብ ናይሮቢ ዝመጸ ኮይኑ ብዛዕብኡ ዘሎ ሓበሬታ ክንድዚ ንጹር ኣይኮነን።

ኣብ ኬንያ ዝወጹ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና፡ "ናይ ብሕቲ ህይወት" ዝመርሕ ዝነበረ "ክኢላ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን" ኢሎም ይገልጽዎ።

በዓልቲ ቤቱ ኣምብሪን ኪድዋይ ናብ ኣብ ናይሮቢ ላዕለዋይ ኮሚሽን ህንዲ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ በዓል ቤታ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ንቱሪዝም ኣብ ኬንያ ከምዝነበረን ገሊጻ።

ንሳ፡ ካን ዓርኪ በዓል ቤታ ከምዝኾነን ክልቲኦም ኣብ ዕለት 22 ሓምለ 22፡45 ካብቲ ዝሓድሩሉ ዝነበሩ ሆቴል ወጺኦም ናብ ሓደ ቤት መስተ ከም ዘምርሑ ገሊጻ።

ወሲኻ፡ ኣብ ኣጋ ፍርቂ ለይቲ በዓል ቤታ መዓስ ከም ዝምለስ ዝሓትት ናይ ጽሑፍ "መልእኽቲ" ከም ዝሰደደትሉ ትሕብር። በዓል ቤታ ድማ ድሕሪ "15 ደቓይቕ" ካብቲ ቤት መስተ ክወጽእ ምዃኑ ዝገልጽ ጽሑፍ ልኢኹላ።

ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐት ድቃስ ወሲድዋ። ሰዓት ሰለስተ 03፡00 ምስ ተበራበረት ግን በዓል ቤታ ከምዘይተመልሰ ፈሊጣ።

ናብ በዓል ቤታ ቴሌፎን ደዊላ። ቴሌፎኑ ዕጽው እዩ። ናብ ናይቲ መራሒ መኪና’ውን እንተደወለት፡ ናቱ’ውን ዕጽው እዩ። ኣብ ናይሮቢ ዝርከቡ "ናይ ሓባር ኣዕሩኽ" እንተሓተተት፡ ምሳና የለዉን ኢሎማ።

ንጽባሒቱ ወይዘሮ ኪድዋይ ናብ ፖሊስ ከይዳ በዓል ቤታን ካንን ከምዝጠፍኡ ሓቢራ።

ብተወሳኺ ናብቲ ቤት መስተ ከይዳ ነቲ ናይ ድሕነት መቆጻጸሪ (ሲሲቲቪ ተንቀሳቓሲ ስእሊ) መርሚራ፤ ኣብኡ እቶም ክልተ ህንዳውያን ኣጋ ሰዓት ሓደ ካብቲ ቤት መስተ ወጺኦም ኣብ ሓንቲ ቶዮታ መኪና ክሳፈሩ ርእያ።

ብተወሳኺ ፖሊስ ዝረኸባ ሓንቲ ዝተጠንጠነት መኪና፡ እታ በዓል ቤታን ካንን ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ምዃና ኣለልያ።

ኣብ ሙምባይ ዘለዉ ኣዕሩኽ ካን ብዛዕባኡ ተጨኒቖም ኣለዉ።

ድሕሪ 21 ሓምለ "ምሉእ ስቕታ" ከምዝነበረ - ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓድሽ ሓበሬታ የለን፡ ቴሌፎን ኣይደወለን፡ ከምኡ'ውን ኣዕሩኽቱ "ዝያዳ ዘሻቐሎም - ዋትስኣፕና [መልእኽትታት] ከም ዝበጽሖ ኣይርአን" ኢሎም።

ኣዕሩኽ ካን፡ 70 መዓልታት ተጸብዮም ፖሊስ ኬንያ ዝኾነ ምዕባለ ከምዘይረኽበ ምስፈለጡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ናሬንድራ ሞዲ ሓገዝ ንምርካብ ዝሓትት ጥርዓን ኣበጊሶም። እቲ ጥርዓን ክሳብ ሕጂ ብልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ተፈሪሙ ኣሎ።

ካን፡ "ንሓንቲ ሃገር ምብጻሕ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሰሙናት ወሲዱ ነቲ ከባቢ ይድህስስ፡ ብታሪኽን ባህልን እቲ ከባቢ ይወሓጥ" ክብሉ ኣዕሩኽቱ ኣብቲ ጥርዓን ይገልጽዎ።

እንታይ ኣጋጢምዎም?

እዞም ክልተ ህንዳውያን ኣብ ጎስጓስ መረጻ ናይቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ሓሙሻይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ቃለ መሓላ ዝፈጸመ ዊልያም ሩቶ ንምሕጋዝ ኣብ ኬንያ ከምዝነበሩ፡ ንሰበስልጣን ዝጠቐሱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብሩ።

እቶም ህንዳውያን ኣብ ናይሮቢ ብፖሊስ ድሕሪ ምትሓዞም ነዊሕ ከይጸንሑ ምስቲ መራሒ መኪና ኒኮዲሞስ ምዋንያ ብሓባር ከም ዝጠፍኡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ፕረዚደንት ሩቶ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዘይፍርዲ ቅትለታት ብምፍጻም ዝውቀሱ ፖሊስ ኣሃዱ ፍሉይ ኣገልግሎት በቲኑ እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ሩቶ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዘይፍርዲ ቅትለታት ብምፍጻም ዝውቀሱ ፖሊስ ኣሃዱ ፍሉይ ኣገልግሎት በቲኑ እዩ

ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ፖሊስ ኬንያ ምዕባለ ከምዝረኸቡ ገሊጾም፡ ካብ 21 ጥቅምቲ ጀሚሩ ትሽዓተ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

እቶም ፖሊስ ኣካል ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዚደንት ሩቶ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለትን ምጥፋእን ጥርጡራት ፈጺሞም ብዝብል ዝተበተነ ኣሃዱ ፍሉይ ኣገልግሎት ከምዝኾኑ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዝቐርብ ጥርዓናት ዝምርምር ኣሃዱ ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ ሓቢሩ።

ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ናጻ መርመራታቶም፡ እቲ ኣሃዱ ፍሉይ ኣገልግሎትን ካልኦት ኣሃዱታት ፖሊስን ምስ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዝሞቱ ልዕሊ 600 ሰባት ከምዘተኣሳሰር ይገልጹ። ገለ ካብቶም ሬሳታት ድሒሮም ኣብ ምዕራብን ሰሜንን ኬንያ ኣብ ዝርከቡ ሩባታት ተረኺቦም።

ብውሑዱ ትሽዓተ ፖሊስ ምስዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ
መግለጺ ስእሊ, ብውሑዱ ትሽዓተ ፖሊስ ምስዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ

ኣብ ጉዳይ እቶም ዝጠፍኡ ህንዳውያን ዝተጠርጠሩ ዋና ተቖጻጻሪ ፖሊስ፡ ሓደ ኮርፖራልን መራሕቲ መካይን ፖሊስን ይርከብዎም።

ጠበቓ እቶም ጥርጡራት ዳንስታን ዑማሪ፡ "እቲ ክሲ ብወግዒ ንከይንኽሕድ ክሳብ ሕጂ ክሲ ኣይቐረበሎምን" ኢሉ።

"ዓማዊለይ ግን እዚ ፖለቲካዊ ሃሃዲንካ ምጥቃዕን ተንኮልን ኮይኑ ይስምዖም። ግዳይ ፖለቲካ እዮም ተገይሮም" ክብል ይውስኽ።

ፖሊስ ትማሊ ሰኑይ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ቃለ መሓላ ከምዘመልክቶ፡ እታ ህንዳውያን ዝጸዓነት ታክሲ፡ ኣብ ጽርግያ ናይሮቢ ብሱባሩ መኪና ዝጓዓዙ ብዝነበሩ ጉጅለ ብሓይሊ ደው ክትብል ተገይራ። ብድሕሪኡ እቶም ህንዳውያንን መራሒ መኪናኦምን ተጨውዮም ብኻልእ መኪና ናብቲ ካብታ ከተማ ኣስታት 150 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ጫካ ኣበርዳር ተወሲዶም፡ ኣብኡ ድማ ተቐቲሎም "ሬሳኦም ተደርብዩ።"

እቲ ቃለ መሓላ፡ ብውሑዱ ብዛዕባ ኣርባዕተ ጥርጡራት ይገልጽ። ካብዚኦም እቲ ሓደ ጥርጡር ኣብ ናይሮቢ ኣብ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ተመሳሳሊ ጭውያ ክፍጽም ውዲት ዝነበሮ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ጫካ ዝተገብረ ፍተሻ ብዘይካ ውሑዳት "ክዳውንትን ካልእ ነገራትን" ከምዘይረኸበ ፖሊስ ንቤት ፍርዲ ሓቢሩ።

እቶም ሰባት ተቐቲሎም ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ኣበርዳረ ከምዝተደርበዩ ፖሊስ ይጥርጥር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቶም ሰባት ተቐቲሎም ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ኣበርዳረ ከምዝተደርበዩ ፖሊስ ይጥርጥር

ኣብቲ ቦታ "ኣዕጽምትን ማዕጠቓ ሰብኣይን''ውን ከም ዝተረኽበ፡ ሓንቲ ናይቲ ከባቢ ጋዜጣ ጸብጺባ። እዚ ግን ብናጻ ክረጋገጽ ከም ኣይከኣለን።

ፖሊስ፡ እቲ ጭውያ "ዳይረክቶሬት መርመራ ገበንን ካልኦት ትካላት ጸጥታን ዘካየድዎ ስርሒት ብዙሕ ትካላት" ምዃኑ ገሊጹ።

ዘይተሓስበ ምዕባለ

ስድራቤትን ፈተውትን ካን ግን፡ ንሱ ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ኬንያ ከምዝነበረ ብትሪ ይኽሕዱ። ወይዘሮ ኪድዋይ እውን ኣብ ደብዳበኣ በዓል ቤታ ከም ቱሪስት ኣብ ኬንያ ከምዝነበረ ገሊጻ።

ካን፡ "ኣብኡ ንዝካየድ ጎስጓስ ምርጫ ዝሰርሖ ዝነበረ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ንዓይ ይኹን ንኣዕሩኽቱ ነጊሩና ኣይፈልጥን። ሓድሽ ነገር እንተገይሩ ኩሉ ግዜ ይድውለለይ ነይሩ" ይብል ራጂቭ ዱበይ።

ንፕረዚደንት ሩቶ ዲጂታላዊ ወፍሪ ዘካየደ ኣማኻሪ ዴኒስ ኢቱምቢ ግን፡ ክልቲኦም ህንዳውያን ኣብቲ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወፍሪ "ብሓቂ ሓጊዞም" ይብል።

ኬንያውያን ደለይቲ ፍትሒ ብፖሊስ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለት ብምቅዋም ተቓውሞ ከስምዑ ጸኒሖም'ዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኬንያውያን ደለይቲ ፍትሒ ብፖሊስ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለት ብምቅዋም ተቓውሞ ከስምዑ ጸኒሖም'ዮም

"ኣብ ናይሮቢ ምስ ክልቲኦም ብርክት ዝበሉ ግዜ ተራኺበ እየ። ኣበይ ከም ዝሓድሩ እፈልጥ ነይረ። ምስኦም ኣብ ሓደ ናይ ቴሌግራም ጉጅለ እየ ነይረ። በቲ ወፍሪ ዝተቖጸሩ ኣይኮኑን፡ ግን ገለ ሓሳባት ሂቦምና፡ ገለ ካብኡ ድማ ተጠቒምናሉ ኢና።"

ጠበቓ እቶም ህንዳውያን ስድራቤታት ዝኾነ ኣሕመድናስር ዓብደላ፡ "ንሓደ ካብቶም ሕጹያት ፕረዚደንት ኣብ ገለ ንኣሽቱ [ማሕበራዊ] መራኸቢታት ይሕግዙ ነይሮም። ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ሓጸርቲ ቪድዮታት ብኸመይ ከም ዝሰርሑ ክኢላታት ዝነበሩ ይመስለኒ።

ዘይተመለሱ ሕቶታት

ፖሊስ፡ እቶም ጥርጡራት ምስ ምጥፋእ እቶም ሰለስተ ሰባት ንምትእስሳር "ተወሳኺ መርመራታት ምክያድን ተወሳኺ መረጋገጺ መርትዖታት ምእካብን" ከምዘለዎ ይገልጽ።

ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ከምዘለዉ ንጹር እዩ።

ክልቲኦም ህንዳውያን ቅድሚኡ ይፋለጡ ድዮም ነይሮም? ጎስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ሰሪሖም ኣብ ፖለቲካዊ ቅርሕንቲ ተረኺቦም’ዶ ይኾኑ? ስለምንታይ እዮም ብብህሎ ተጨውዮም? ፖሊስ ናይ መን ኣካል ሬሳ እዮም ረኺቦም?

ምሉእ ብምሉእ ዝፈልጥ ሰብ የለን።