ህንዲ፡ መሰጋገሪ ድልድል ብምፍራሱ 141 ሰባት ሞይቶም ሓያለ ጠፊኦም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ምዕራብ ህንዲ ዞባ ጉጃራት ብልዕሊ ፈለግ ዝሓልፍ ናይ ኣጋር መሰጋገሪ ድልድል ትማሊ ምሸት ብምፍራሱ ብውሕዱ 132 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ቁጽሮም ዘይተፈለጠ ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ብዓል መዚ እቲ ኸባቢ ካብቶም ዝሞቱ ሰባት እቶም ዝበዝሑ ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ምዃኖም ሓቢሩ።
እቲ ድልድል መሰጋገሪ ኣጋር፡ ጽገና ተገይርሉ ቅድሚ ሓደ ሰሙን’ዩ ዳግማይ ንኣገልግሎት ተኸፊቱ።
ህንዳውያን 'ዲዋሊ' ኢሎም ዝጽውዕዎ ፈስቲቫል ንምጽንባል ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ’ቲ ድልድል ከምዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ 230 ሜትሮ ንውሒ ዘለዎ ድልድል ብልዕሊ ፈለግ ማቹቹ ዝሓልፍ ኮይኑ፡ ህንዲ ብብሪጣንያ ኣብ እትመሓደረሉ ዝነበረት እዋን ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን’ዩ ተሰሪሑ።
ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ሃለዋቶም ዘይተፈለጠ ብዙሓት ሰባት ስለዘለዉ ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ኣዝዩ ክውስኽ ከምዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።
ፖሊስ፣ ሰራዊትን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ምሉእ ለይቲ ኣብ ስራሕ ህይወት ምድሓን ከምዝርከቡን እቲ መስርሕ ገና ይቅጽል ከምዘሎን ክፍለጥ ተኻኡሉ።
ክሳብ ሕጂ 177 ሰባት ካብቲ ፈለግ ብድሓን ከምዝወጽኡ ሰብ መዚ እቲ ኸባቢ ገሊጾም።
ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ብዙሓት ህጻናት ምስ ወለዶም ኮይኖም ንፈስቲቫል ዲዋሊ ብሓጎስ ኣብ ምጽንባል ነይሮም” ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ “ሃንደበት እቲ ድልድል ምስ ተሰበረ ኣብ ርእሲ ርእሲ ናብቲ ፈለግ ክወድቑ ጀሚሮም፤ እቲ ድልድል ልዕሊ ዓቕሙ ሰብ ስለዝተሰከመ’ዩ ክወድቕ ክኢሉ” ይብል።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ ገለ ሰባት በቲ ኣብ ወሰን ድልድል ዝነበረ ብገመድ ዝተሰርሐ ሬተ ህይወቶም ንምድሓን ክጋደሉ እንከለዉ የርኢ፡ ገለ ናይ ምሕንባስ ክእለት ዝነበሮም ኸኣ እናሐንበሱ ናብ ደንደስ እቲ ፈለግ ክወጽኡ ተራእዮም።
እቲ ድልድል ትማሊ ምሸት ብኣቑጻጽራ ህንዲ ንሰዓት ሸውዓተ ዕስራ ጎደል’ዩ ወዲቑ።
እቲ ድልድል ቅድሚ ምውዳቑ፡ ብርቱዕ ዓጠጥታ ድምጺ ኣሰንዩ ሰይሰይ ክብል ኣብ ዝጀመረሉ እቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ድልድል ዝነበሩ ሰባት ናብ ወሰን እቲ ድልድል ዝነበረ መደገፊ ንምሓዝ ከምዝተጎየዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።
ጉጃራት መበቖል ዓዲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናነንድራ ሞዲ ኮይና፡ ንሱ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ብምግላጽ ንስድራ ግዳያት ካሕሳ ክውሃብ ምዃኑ ቃለ ኣትዩ።

ምንጪ ስእሊ, BIPIN TANKARIA
ሰብ መዚ እቲ ኸባቢ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ጽጹይ መርመራ ክግበር ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ።
እቲ ድልድል ድሕሪ ጽገንኡ ንድልዳለኡ ዝምልከት እኹል ፈተነ ተኻይድሉ ድዩ ዝብል ሕቶ ብዙሓት ዘልዕልዎ ዘለዉ ኮይኑ፡ መንግስቲ ነዚ ከጻርዮ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ፓራተክ ቫሳቫ ኣብ እዋን ምውዳቕ እቲ ድልድል ኣብኡ ዝነበረ ኮይኑ ከመይ ገይሩ ሓንቢሱ ናብ ደንደስ እቲ ፈለግ ከምዝወጽአ ንማዕከን ዜና ‘24 ሃወርስ ጉጅራቲ ላንጉጅ’ ገሊጹ።
ንሱ ኣዝዮም ብዙሓት ህጻናት ናብቲ ፈለግ ከምዝወደቁ ብምሕባር “ንገለ ካብቶም ህጻናት ክሕግዝ ፈቲነ ግን ኣይክኣልኩን ገሊኦም ናብ ውሽጢ ጥሒሎም ገለ ኸኣ በቲ ፈለግ ተወሲዶም” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







