ኣምሓራ፡ ኣብ ፍኖተ ሰላም ንኻልኣይ ግዜ ብዝተፈንጀረ ቦምባ 27 ሰባት ቈሲሎም

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጐጃም ርእሰ ከተማ ፍኖተ ሰላም፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ዕዳጋ ቦምባ ከም ዝተፈንጀረ ነበርትን ምንጭታት ሆስፒታልን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
በቲ ሓደጋ ዝተጐድኡ ሰባት ዕዳጋ ዝገብሩ ዝነበሩ ንጹሃት ሰባት ምዃኖም ተገሊጹ።
ኣብታ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ብተደጋጋሚ ግጭት ክካየደላ ዝፀንሐ ከምኡ’ውን መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈጸመላ ከተማ፡ እቲ ናይ ሕጂ ቦምባ ዝሓለፈ ቀዳም 28 መጋቢት 2016 ዓ.ም [ኣ.ግ] እዩ ተፈጺሙ።
ስሞም ከይግለጽ ዝሓተቱ ነበርቲ እታ ከተማ፡ እቲ ፍንጀራ ኣብቲ ነበርቲ እታ ከተማን ጐረባብቲ ወረዳታትን ኵሉ ግዜ፡ ሰሙናዊ ዕዳጋ ዝገብርሉ ቀዳም ከም ዘጋጠመ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ሓደ ነባሪ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ንነበርቲ ከይእከቡ ክነግርዎም ከምዝጸንሑ ብምዝኽኻር፡ "መጥቃዕቲ ቦምባ" ከም ዝፍጸም ስግኣት ከም ዝነበረ ጠቒሱ።
ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ዕዳጋ ይዞሩ ከምዝነበሩ'ውን ኣብሪሁ።
እንተዀነ፡ እቲ ምፍንጃር ቦምባ፡ ሓይልታት ጸጥታ ካብቲ ቦታ ምስ ወጽኡ ከም ዘጋጠመ ዝገለጸ እቲ ነባሪ፡ እቲ መጥቃዕቲ መን ከም ዝፈጸሞ "ኣይተፈልጠን" ኢሉ።
ዛጊድ እቲ ዞባ ይዅን ኣመሓደርቲ እታ ከተማ ብዛዕባ እቲ ፍንጀራ ዝበልዎ ነገር የለን።
ካብ ሰበስልጣን ምምሕዳር ምዕራብ ጐጃምን ከተማ ፍኖተ ሰላምን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ'ውን ኣይሰመረን።
ኣብታ መዓልቲ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ሓኪም፡ በዚ መጥቃዕቲ ዝቘሰሉ 27 ንጹሃት ሰባት፡ ካብ ሰዓት ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ፍኖተ ሰላም መፂኦም ሕክምና ከም ዝተገብረሎም ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ክኢላ ጥዕና፡ ካብቶም ዝተጐድኡ እቶም ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ገሊጹ። ብዘይካ ሓደ ኩሎም፡ መጉዳእቲኦም "ብተዛማዲ ቀሊል" ከም ዝዀነ ገሊጹ።
“ካብ 27 ሰባት፡ ሓደ 'ሪፈር' ዝተባህለ ሓረስታይ ኣሎ፡ ምኽንያቱ ኣዒንቱ ስለ ዝተጐድአ። ተሓኪሞም ናብ ገዝኦም ዝተመልሱ እውን ኣለዉ" ዝበለ ምንጪ እቲ ሆስፒታል፡ እቲ ከቢድ ጉድኣት ዘጋጠሞ ሓረስታይ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ከተማ ባህርዳር ከም ዝተላእከ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እዚ ናይ ቀዳም ፍጻመ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ንኻልኣይ ግዜ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ እዩ።
ሓሙስ 26 መጋቢት 2016 ዓ.ም [ግ] ኣብታ ከተማ ኣብ ቀጽሪ መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ዳሞት ብዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ 32 ተምሃሮ ከም ዝቘሰሉ ይዝከር።
ንሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ፍኖተ ሰላም ምክትል ኮማንደር ምሉኣም ገሰሰ ጠቒሱ ዝተቓልሐ ሓበሬታ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ 6 ተምሃሮ ብኸቢድ ከም ዝቘሰሉ ኣረዲኡ።
እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ክኢላ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ፍኖተ ሰላም ከም ዝሓበሮ፡ ኣብታ መዓልቲ ማህረምቲ ኣጋጢምዎም ናብ ሆስፒታል ዝመጽኡ ተምሃሮ ብዝሒ 24 እዩ።
ካብዞም ተምሃሮ ሽዱሽተ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ከተማ ባህርዳር ከም ዝተላእኩ ኣዘኻኺሩ።
ብሓሙስን ቀዳምን ብዝተፈጠረ ነትጒ፡ ካብ ዝተጐድኡ ኣርባዕተ ሰባት ኣብዚ እዋን ኣብቲ ሆስፒታል ይሕከሙ ከም ዘለዉ'ውን እቲ ሓኪም ኣብሪሁ።
ዞባ ምዕራብ ጐጃም፡ ነቲ ናይ ሓሙስ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ተምሃራይ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወን ካልኦት ኣብቲ ፍጻመ ዝተሳተፉ ሰባት ንምእሳር ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎን ኣፍሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







