ኣብ ፍኖተ ሰላም ብውሑድ 25 ሰባት ተቐቲሎም፤ ልዕሊ 50 ቈሲሎም

ከተማ ፍኖተ ሰላም

ምንጪ ስእሊ, FINOTE SELAM COMM

ኣብ ክልል ኣምሓራ ርእሰ ከተማ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ፍኖተ ሰላም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 25 ሰባት ክቕተሉ እንከለው ልዕሊ 50 ሰባት ድማ ከም ዝቘሰሉ ነበርትን ምንጭታት ሆስፒታላትን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ማእከላይ ክፋል እታ ከተማ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ምዃኑ ነበርቲ ይገልጹ።

ገሊኦም ግን ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’ዩ ይብሉ።

ኣብ ሓያሎ ክልላት ኣምሓራ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ዘሎ ጐንጺ ካብ ቀንዲ ከተማታት ወጺኡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ይካየድ ከም ዘሎ እዮም ዝገልጹ።

ሓደ ነባሪ ከተማ ፍኖተ ሰላም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሰንበት ንግሆ ኣብታ ከተማ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ እቲ ዒላማ ኣብ ኣደባባይ እታ ከተማ ደው ኢላ ዝነበረት ናይ ጽዕነት ምዃኑ ገሊጹ።

“በታ መኪና ተጻዒኖም ዝኸዱ ዝነበሩ ዕጡቓት ኣብ ዙርያ እቲ ኣደባባይ ደው ኢሎም ነይሮም። እቲ መጥቃዕቲ ንዓኣቶም ዒላማ ዝገበረ እዩ። እንተዀነ እታ መኪና ምስ ተኣለየት ድሕሪ 20 ደቒቓ እዩ እቲ ነትጒ ተፈጺሙ። ብድሕሪኡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣብ ኣይሱዙ ዝነበሩ መናእሰያትን ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሰባትን እዩ ተፈፂሙ” ይብል።

ብሰንኪ እዚ ብዙሓት ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ዓሰርተታት ሰባት ድማ ቆሲሎም። እንተዀነ ቑጽሪ ግዳያት ብልክዕ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ።

ነበርቲ እቲ ቁጽሪ ካብ 25 ክሳብ 70 ከም ዝበጽሕ ይገልጹ። ቢቢሲ በቲ መጥቃዕቲ 26 ሰባት ከም ዝሞቱ ካብ መንግስታዊ ሆስፒታል እታ ከተማ ዝተረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ሽሙ ክጥቀስ ዘይፈቐደ ሓኪም ሆስፒታል ፍኖተ ሰላም፡ እቲ መጉዳእቲ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ትማሊ ሰንበት ካብ ሰዓት 3፡30 ክሳብ 4፡00 (9፡30 ክሳብ 10፡00 ምብራቕ ኣፍሪቃ) ከም ዘጋጠመ ብምግላጽ፡ "ነትጒ ነይሩ። እንተዀነ እንታይነቱ ክንፈልጥ ኣይክኣልናን” ኢሉ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ተጐዲኦም ናብ ሆስፒታል ከም ዝኣተዉ እቲ በዓል ሞያ ሕክምና ይዛረብ።

“ግዳያት ገና ይመጽኡ ኣለዉ። ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 70 ግዳያት ናብ ሆስፒታልና መጺኦም ኣለዉ" ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምንጭታት እቲ ሆስፒታል በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱ እኳ እንተገለጹ፡ ኣብዚ መዳይ ኣብቲ ሆስፒታል ዝተመዝገበ ቁጽሪ ሞት ግን 26 እዩ።

ሓኪም እቲ ሆስፒታል ወሲኹ፡ ካብቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 22 እቲ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ ብኡ ንብኡ ኣብቲ ቦታ ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ንሕክምና ናብቲ ሆስፒታል ምስ በጽሑ ሞይቶም ኢሉ።

ብተወሳኺ ግዳያት ንምሕካም ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ብምህላው እቶም ኣርባዕተ ሰባት ንምሕካም ተጸጊሞም ምንባሮም ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን በቲ መጥቃዕቲ ዝተጎድኡን ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ዝግበረሎምን 55 ሰባት ከም ዘለዉን ክሳብ ሎሚ ንጕሆ ካልኦት ግዳያት ገና ይመጽኡ ከም ዘለዉ ምንጭታት እቲ ሆስፒታል ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ብድምር 81 ሰባት ናብቲ ሆስፒታል ክውሰዱ እንከሎ ካብዚኦም እቶም 26 ሞይቶም 55 ድማ ቆሲሎም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ እታ ከተማ፡ "ኣርባዕተ መሓዙተይ ሓዊሱ ልዕሊ 40 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ሰብ ሰንቢዱ ኣብ ገዝኡ ኰፍ ስለ ዝበለን ግቡእ ሓበሬታ ስለ ዘይተኣከበን ድኣ’ምበር ጉድኣት ናይቲ መጥቃዐዕቲ ዝያዳ ልዑል እዩ" ኢሉ።

በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ ሰባት ዕድሚኦም "ካብ 15 ዓመት ክሳብ 20ታት ዝግመቱ’ዮም" ዝብል ምንጪ ሆስፒታል ፍኖተ ሰላም ካብ ሞንጕኦም "ቈልዑ 13ን 14ን ዓመት ዝዀኑ ክልተ ኰተቴ ረኺብና ኢና። መብዛሕትኦም ብኸቢድ ቈሲሎም" ይብል እቲ ዶክተር።

ኣብ ሆስፒታል ፍኖተ ሰላም ዝሕከሙ ዘለዉ ሰባት ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ፣ ምስባር ኣዕጽምትን ካልእ ከቢድ ሕክምናዊ ኩነታትን ከም ዘለዎም ብምግላጽ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሆስፒታል ፍኖተ ሰላም ሕክምና ዘድልዮም 55 ግዳያት ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ምምሕዳር ከተማን ክልል ኣምሓራን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ካብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ሞንጐ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ብዝተፈጠረ ጎንጺ ኣብቲ ክልል ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተኣዊጁ ይርከብ።

ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ኣብቲ ክልል ተዋፊሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዙሓት ከተማታት ካብ ዕጡቓት ሓራ ከም ዘውፅአ ኣፍሊጡ።

በዚ ምኽንያት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምንጭታት ሆስፒታላትን ስድራቤታትን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብቲ ጐንጺ ከበድቲ ኣጽዋርን መጥቃዕቲ ኣየርን ከም ዝተፈጸመ ነበርቲ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ደብረብርሃን፡ ፍኖተ ሰላምን ቡሬን ንሲቪላትን መንበሪ ህንጻታትን ዝሃሰየ ከቢድ መጥቃዕቲ ኣጽዋርን ነፈርቲን ከም ዝተፈጸመ ዝገልጹ እሙናት ሓበሬታታት በጺሖምኒ እዮም ኢሉ።