ኵነታት ክልል ኣምሓራ ናበይ የምርሕ ኣሎ? መፍትሒኡ ኸ?

ዕጡቕ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣዋርሕ ዝጸንሐን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እናገደደ ዝቐጸለን ግጭት ናብ ብዙሓት ከተማታት እቲ ክልል ተላቢዑ ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ ፈደራል ‘ሸኔ’ ክብል ዝጽውዖ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ክጋጮ ዝጸንሐን ዘሎን ኰይኑ ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ከኣ ተመሳሳሊ ግጭታት ኣብ ክልል ኣምሓራ የጋጥም ከምዘሎ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።

ዝተፈላለዩ ኣካላት እዚ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ጻውዒት ኣብ ምቕራብ ይርከቡ።

ተሳተፍቲ እቲ ግጭት ካብቲ ዝሓለፈ ኲናት ተማሂሮም ነቲ ጸገም ብጥበብን ብምስትውዓልን ከምኡ’ውን ብዝሰልጠነን ሰላማውን መገዲ ንኽፈትሕዎ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ስልጡንን ሰላማውን ፍታሕ ክግበር ጸዊዑ።

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኵሎም ኣብቲ ጉዳይ ዝነጥፉ ወገናት ነቲ ጸገም በቲ ኣዕናዊን ኲናት ክትፈትሖ ካብ ምጽባይ ብቕልጡፍ ናብ ዘተ ክመጹ ጸዊዑ። እዚ ክዉን ንምግባር ድማ ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ኵሉ ንኽፍጽም ድልውነቱ ኣረጋጊጹ።

ካልኦት ዝተፈላለዩ ሲቪካዊ ማሕበራት እውን፡ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭትን ዘይምርግጋእን ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ።

መን ምስ መን እዩ ዝዋጋእ ዘሎ?

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ጐነጽን ውግኣትን ክካየድ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ግጭት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተባሊሑ ካብ ዓቕሚ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ወጻኢ ብምዃኑ ድማ መንግስቲ ፈደራል ጣልቃ ንኽኣቱ ተሓቲቱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዓርቢ 28 ሓምለ 2015 [ኣግ] ድንጋገ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ስጕምቲ ክውሰድ ከምዝተጀመረ ይዝከር።

ኣብ ዕረፍቲ ዝጸንሐ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዝተወሰነ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንምጽዳቕ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ክእከብ ትጽቢት ይግበር።

ዳይረክተር ዳይረክቶረይት ርክብ ህዝብን መንግስትን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት እታ ሃገር "ብስም ፋኖ ሰላም ኣብ ልዕሊ ዝዘርጉ ስጕምቲ ክውሰድ እዩ" ኢሉ ነይሩ።

እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብዘንበሮ እገዳ ምኽንያት ስመይ ከይግለጽ ዝበለን ንፖለቲካ እቲ ክልል ብቐረባ ዝከታተልን ቢቢሲ ዘዘራረቦ ምሁር፡ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ መን ምስ መን ከምዝዀነ ከረድእ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ኣብ ሓደ ወገን ከምዝተሰለፉ ገሊጹ።

“ብኻልእ ወገን ዝተዓጠቐ ፋኖ ኣሎ፤ ሰፊሕ ህዝባዊ ደገፍ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ፋኖ እዩ ዘሎ። ኵሉ ህዝቢ ይድግፎ ማለት ግን ኣይኰነን፤ ዝኹንንዎ ኣለዉ። ግን ድማ ህዝባዊ ደገፍ ከም ዘለዎ ምግንዛብ ይግባእ፤ ብፍላይ ካብ መንእሰያት" ክብል ኣረዲኡ።

ንፋኖ ብዝተፈላለየ ስያመታት ኣብ ምጽዋዕ ጥንቃቐ ክግበር ከምዘለዎ ዝሕብር እቲ ምሁር “ፋኖ ‘ጽንፈኛ - ኣኽራሪ’ ምባል ነቲ ህዝብን ንፋኖን ክሳብ ክንደይ ከምዘቘጥዖ መንግስቲ’ውን ዝተገንዘበ እመስለኒ። ጓሓልቲ ምባል ኣይጠቅምን እዩ። ካብ ከምዚ ዝበለ ኣጸዋውዓ ምጥንቃቕ የድሊ” ይብል።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ስም ፋኖ ብሕቡእ ቃልሲ እዩ ዝለዓል ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ድሕሪ ዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ፋኖ ብወገኑ ኣብ ኣምሓራ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጎንደር ናይ መንእሰያት ሕቡእ ውዳበ ምንባሩ ይንገር።

ብድሕሪኡ ግን ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ፡ ብተደጋጋሚ 'ዘይስሩዕ ዕጡቕ ጕጅለ' ብዝብል ስያመ ይጥቀስ።

ፋኖ፡ ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ብፍላይ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወሰኑ ከባቢታት ኣብ ዝተቘጻጸሩሉ እዋን፡ ኣብ ጐድኒ ሓይልታት መንግስቲ ፈደራል ብምስላፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ብቐጥታ ከምዝተሳተፈ ይፍለጥ።

እቲ ጕጅለ ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ከም “ደጀን ህዝቢ” ኰይኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ብመንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ግን 'ገለ ኣኽረርቲ ዕጡቓት ኣምሓራ' ብዝብል ይዅነን።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እውን እቲ ጕጅለ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ ክብሉ ይኸስዎ።

ዕጡቓት ፋኖ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ቀንዲ ሕቶታት እንታይ እዮም?

ኣብቲ ክልል ዝለዓሉ ሕቶታት ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑን ብመንግስቲ ፈደራል ይዅን መንግስቲ ኣምሓራ ዝፍለጡ ምዃኖም እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ምሁር ይዛረብ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣቶ ደመቀ መኮነን ነቲ ኣብቲ ክልል ዝተወለዐ ግጭት ኣመልኪቱ ብፈይስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ "ንሕቶታት ፍታሕ ንዝወሃበሉ መንገዲ ዝዕንቅፍ" ክብል ነቲ ግጭት ገሊጽዎ’ሎ።

እቶም ሕቶታት እንታይ ምዃኖም ብግልጺ'ኳ እንተዘየነጸረ፡ ነቲ ግጭት "ብቐጻልነት ክረኣዩ ኣለዎም ኢልና እንኣምኖም ጉዳያት ንኸይፍትሑ ዝተሓላለኸ ዝገብር ኣካይዳ" ክብል ኣስፊርዎ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደመቀ ወሲኹ፡ "ካብቲ ለውጢ [ምምፃእ ብልጽግና] ብዙሕ ዝተፀበናዮ ግን ድማ ምላሽ ዘይረኸብናሎም፣ ዘይዓገብናሎምን ካልኦት ጸገማትን ስምዒታትን ክህልው ይኽእሉ እዮም" ኢሉ ኣብቲ ዘሕለፎ መልእኽቲ።

ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተል ቢቢሲ ዘዘራረቦ ምሁር፡ እቲ ቀዳማይ ሕቶ ምስ ወሰናት መሬትን መንነትን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ጉዳይ ምስ "ወልቃይት፡ ራያን ጸለምቲን" ዝተሓሓዝ ከምዝዀነ ኣነጺሩ።

ካብቲ ክልል ወጻኢ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ዝነብር ተወላዲ ኣምሓራ ብሰላም ናይ ምንባርን ግቡእ ውክልና ናይ ምርካብ መሰልን ድማ ካልእ ተወሳኺ ሕቶ ከምዝዀነ ይጠቅስ።

"እቲ ሳልሳይ ሕቶ ምስ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ዝተሓሓዝ እዩ" ዝበለ እቲ ምሁር፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ቍጠባን ማሕበራውን ዓውድታት “ተገሊለ ኣለኹ” ኢሉ ዝኣምነሉ ጉዳያት ስለዘሎ ኣብዚ ምትዕርራይ ንኽግበር ከምዝጠልብ ኣረዲኡ።

“ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ተወላዲ ኣምሓራ መሰሉን ረብሓኡን ብግቡእ ኣይተኸበረን። እዚ ክኽበር ይግባእ። ‘ኣዲስ ኣበባ ናይ ኩላትና እምበር ናይ ሓደ ብሄር እያ ዝብል ምንቅስቓስ ደው ክብል ኣለዎ’ ዝብሉ ዓበይቲ ሕቶታት እውን ኣለዉ” ክብል ወሲኹ የረድእ።

ቅትለትን ምዝንባልን ደው ኣብ ልዕሊ ዘይምባሉ "ናይ ህልውና ስግኣት ኣጋጢሙና ኣሎ” ኣብ ዝብል ደረጃ ከምዝተበጽሐ ብምሕባር፡ እዚ ሕቶ’ውን ገዛኢ ኰይኑ ከምዝመጽአ ተዛሪቡ።

እቶም ሕቶታት ሰልፊ ብልጽግና ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ ዝጸንሑ ምዃኖም ብምዝኽኻር፡ ህዝቢ ነዚ ንምቕያር ሰፊሕ ቃልሲ ከምዘካየደ እቲ ምሁር ጠቒሱ።

“ህወሓት ካብ ስልጣን ተኣልዩ ብብልጽግና ምስ ተተክአ፡ ህዝቢ ኣምሓራ ‘ሕቶታተይ ክምለሱ እዮም’ ዝብል ተስፋ'ኳ እንተነበሮ፣ እናገደደ ብምኻዱ ግን ነቲ ኣብዚ እዋን ዝተፈጠረ ኵነታት ዘጓሃህር ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ" ይብል።

ኣስዒቡ፡ "እቲ ስግኣታት ህልውና ዝበሃል ከይተፈትሐ እንከሎ ነቲ ንሕቶይ ክምለስ ክገብረለይ እዩ ወይ ካብ መጥቃዕቲ ክሕልወኒ እዩ ዝበሎ ፍሉይ ሓይሊ ብቕልጣፈ ምፍራስ ንህዝቢ ኣምሓራ ኣቘጢዕዎ'ዩ" ክብል ሓቢሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ መንግስቲ ፈደራል ንፋኖ ክኣልይን ከመሓድርን ዝኸደሉ ኣካይዳ ተደሚርዎ ነቲ ኣብዚ እዋን ዝረአ ዘሎ ቍጥዐ ህዝቢ ኣምሓራ መንቀሊ ምኽንያት ኰይኑ ከምዝርድኦ ይዛረብ።

ናይ መወዳእታ ዕላማ እንታይ እዩ?

ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣመልኪቱ ንዝለዓል ሕቶ ምላሽ ክህቡ ዘለዎም እቶም ነቲ ምንቅስቓስ ዝመርሑ ዘለዉ ሰባት ክዀኑ ከምዝግባእ እቲ ንቢቢሲ ሓሳቡ ዝሃበ ምሁር ይዛረብ።

ወሲኹ፡ ነቲ ምንቅስቓስ ዝመርሑ ዘለዉ ሰባት በዓል መን ምዃኖም ብንጹር ንምዝራብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ይሕብር።

“መራሒ ከምዘለዎ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ብበዓል መን’ዩ ዝምራሕ ዘሎ ኣብ ዝብል ንጹር መልሲ ምሃብ ግን ቅሩብ ኣጸጋሚ እዩ። እቶም ሰባት ብምንታይ መንፈስን በየናይ መንገድን ይመርሕዎ ከምዘለዉ ግልጺ ስለዘይኰነ ሕቶ ብስለት እውን ክለዓል ይኽእል እዩ።

"ማእከላይ መሪሕነት ኣሎ ድዩ? ዝብል ሕቶ ንኽተልዕል እዩ ዝገብረካ። እዚ ድማ እቲ እትደልዮ ዕላማ ክዕወት ድዩ ኣይክዕወትን ዝብል ሕቶ ንኽተልዕል እዩ ዝገብረካ" ኢሉ።

እቲ ምሁር ዋላ’ኳ ንውጽኢታውነት እቲ ምንቅስቓስ እንተተጠራጠረ ካብ ዝበሃልን ዝረኣዮን ብምብጋስ ግን "ውጽኢታዊ እንተዀይኑ ግን ምንቅስቓስ ፋኖ ክርአ ከሎ ካብ ስምዒት ኢትዮጵያዊነት ዝወርድ ኣይኮነን። ከምቲ ንሰምዖም ‘መበገሲና ኣምሓራ መዕለቢና ድማ ኢትዮጵያ’ ዝብል ዕላማ ዝሓዘ ከምዝኸውን እግምት” ክብል ኣረዲኡ።

ጎንደር

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ንዓወት እቲ ምንቅስቓስ ካብ ዝጠራጠሩ ሰባት ሓደ ከምዝዀነ ዝዛረብ እቲ ምሁር መንግስቲ ዝሓሸ ሓይሊ ስለዘለዎ ንነገራት ናይ ምቍጽጻር ዕድል ከምዝረክብ ግምቱ ሂቡ።

“ዓብይ ቍጥዐ ህዝቢ ኣሎ፤ ህዝቢ ክምለሱ ዝደልዮም ሕቶታት ኣለዉ። እቶም ሕቶታት ክሳብ ዘይተመለሱ ድማ ኣብ ኣምሓራ ርጉእ ኣመራርሓ ምፍጣር ከቢድ ዝኸውን እመስኒ። እቶም ሕቶታት ከይተመለሱ ኣብ ክልል ኣምሓራ እንታይ ዓይነት ኣመራርሓ ወረዳ፣ ዞባን ክልልን እዩ ክህሉ? እቲ ኣዝዩ ዘጨንቐኒ ጉዳይ መጻኢ ዕድል እዩ” ክብል ስግኣቱ ኣቐሚጡ’ሎ።

እቲ ምሁር ከምዝበሎ፡ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ቀልጢፉ ብሰላማዊ መገዲ ደው እንተዘይኢሉ ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት ዘስዕብ’ዩ ክኸውን።

“መንግስቲ ነቲ ሕቶ ናይ ዕጡቓት ፋኖን ጥራይ ገይሩ እንተወሲድዎ ጌጋ ከምዝገበረ እዩ ዝቝጸር” ዝበለ እቲ ምሁር ኣብ ህዝቢ ዝተፈጠረ ስምዒት ቍጠዐ ከምዘሎ ብምሕባር፡ “ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከም መንግስቲ ዋላ ተሳዒሩ’ውን ተዓዋቲ ምዃን ይከኣል እዩ” ኢሉ።

መንግስቲ ነቶም ዝለዓሉ ሕቶታት መዕለቢ ከይገበረ ርጉእ ምምሕዳር ንምፍጣር ምሕሳብ "ኣዝዩ ከቢድ'ዩ" ክብል ሓሳቡ ይዛዝም።