ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኣወጀ ህጽጽ ግዜ እንታይ ዝሓዘ እዩ?

ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ክካየድ ዝጸንሐ ግጭት ተጓሃሂሩ ድሕሪ ምቕጻሉ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ ኣሎ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብዓርቢ 4 ነሓሰ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ድሕነትን ሰላምን ህዝቢ ንምሕላውን ሕግን ስርዓትን ንምኽባር እቲ ኣዋጅ ክሓልፍ ምውሳኑ ሓቢሩ።

ኣብቲ ክልል ብዕጥቒ ተደጊፉ ዝግበር ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ፡ ብንቡር መገዲ ሕጊ ንምኽባር ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ከም ዝተሰጋገረ’ውን ገሊጹ።

ኣብቲ ክልል ዝተርኣዩ ግጭትታት ኣብ “ሓፈሻዊ ቁጠባውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳት ነበርቲ እቲ ክልል ብከቢድ ከምዝረበሹን ነቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቕዎን” እቲ ኣዋጅ የረድእ።

ምስቲ ንፍሉይ ሓይሊ ክልላት ደጊምካ ንምውዳብ ዝወጸ ውጥን ተኣሳሲሩ ዝተወልዕ እቲ ግጭት ኣብዝሓለፉ መዓልታት ብምጉህሃሩ፡ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ኢንተርነት ተቋሪጹ፡ ህዝባዊ መጉዓዝያ ተሰናኺሉ ምንቅስቓሳት’ውን ድሩት እዩ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት “ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ንምሕላው” ብምባል ብዓርቢ ሓሙሽተ ገጻት ዘለዎ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

ትሕዝቶ እቲ ኣዋጅ እንታይ እዩ?

እቲ ኣዋጅ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰላምን ጸጥታን ህዝቢ ንምኽባር ከምዝወጸ እዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ ግና ብደረጃ ሃገር ንዘሎ ጸገም ጸጥታ ዘበኣእስ ዝኾነ ምንቅስቓስ ኮነ ኩነታት ብዝምልከት ከም ኣድላዪነቱ ኣብ ዝኾነ ክፋል እታ ሃገር ተፈጻምነት ከምዝህልዎ የረድእ።

ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዘፈጽም ብዳይሬክተር ጀነራል ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕነትን ዝምራሕ ጠቕላሊ እዚ ህጹጽ እዋን ቈይሙ ኣሎ።

ኣባላት እቲ ጠቕላሊ እዚ፡ ቅርጽን ኣወዳድባን ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝውሰን ኮይኑ ተጸዋዕነቱ’ውን ናብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝኸውን ተጠቒሱ ኣሎ።

ንድንጋገታት እቲ ኣዋጅን ብኡ መሰረት ዝወጹ መምርሒታትን ምጥሓት ካብ ሰለስተ ዓመት ክሳዕ 10 ዝበጽሕ ማእሰርቲ ከም ዘቕጽዕ እቲ ኣዋጅ ይነግር።

ገለ ካብ’ቶም ኣብቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝተኸልከሉ ተግባራትን ግዴታታትን

  • ንምንቅስቓሳት እቲ ጠቕላሊ እዚን ንዕላማ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜን ዝጻባዕ፡ ዝቃወምን ኣብቲ ክልል ናይ ዓመጽ ምንቅስቓሳት ዘተባብዕ፡ ሰላማዊ ዜጋታት ዘሸብር፡ ከምኡ’ውን ነቲ ስእነት ሰላም ዘበኣእስ ዘረባታት፡ ቀጥታዊ ኮነ ተዘዋዋሪ ጐስጓስ ብዝኾነ መገዲ ምግባርን ምዝርጋሕን ይኽልኽል።
  • ብዝኾነ ይኹን መገዲ፡ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ንዕጡቓት ጉጅለታት ገንዘባዊ፡ ሓበሬታን፡ ዓይነታዊ ኮነ ሞራላዊ ድጋፍ ምግባር ይኽልክል።
  • ብዘይ ፍቓድ እቲ ጠቕላሊ እዚ ዝኾነ ናይ ኣደባባይ ኣኼባ ኮነ ሰላማዊ ሰልፊ ኣይፍቀድን።
  • ብዘይ ፍቓድ እቲ ጠቕላሊ እዚ ዝኾነ ዓይነት ብረት ሒዝካ ምንቅስቐስ ይኽልክል።

እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ካብቲ ዝተኣወጀሉ ዕለት ጀሚሩ ንሽዱሽተ ወርሒ ተግባራዊኢ ከምዝኸውንን፡ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ እቲ ሽዱሽተ ወርሒ ቅድሚ ምእኻሉ ዘብቅዓሉ ግዜ ክውስን ከምዝኽእል’ውን ተገሊጹ።