ዕጡቓት መዕርፎ ነፈርቲ ላሊበላ ብምቁጽጻሮም በረራ ተኣጓጒሉ

መዕርፎ ነፈርቲ ላሊበላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባዕሎም ፋኖ ኢሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት ንመዕርፎ ነፈርቲ ላሊበላ ብምቁጽጻሮም፡ ካብን ናብን እታ ከተማ ዝግበር በረራ ከምዝተዓናቐፈ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣብ ዙርያ መዕርፎ ነፈርቲ ከተማ ላሊበላ ትማሊ ብዘጋጠመ ጎንጺ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ናብታ ከተማ ዘካይዶ በረራ ከምዝተኣጓጎለ ነበርቲ ገሊጾም።

ነበርቲ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ፡ ትማሊ 25 ሓምለ 2015 ዓ.ም ግእዝ፡ ኣብ ቀርባ ርሐቐት እታ ከተማ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ዝተኻየደ ጎንጺ “ከቢድ” ክብሉ ይገልጹዎ።

ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ቅርበት ዘለዎም መራኸቢ ብዙሃን ‘ፋኖ መዕርፎ ነፈርቲ ላሊበላ ተቖጻጺሩ’ ዝበሉ ኮይኖም፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ዝነበረ ጎንጺ፡ ትማሊ ሰሉስ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ክትዓርፍ ዝነበራ ነፋሪት ኣብ ካልእ ክትዓርፍ ከምዝተገደደት ተዛሪቦም።

ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ውልቀ ሰብ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ፋዱስ መዕርፎ ነፈርቲ ሹምሸሃ ላሊበላ፡ ኣብ ቁጽጽር ዕጡቓት ፋኖ ከምዝኣተወ ገሊጹ።

እቲ ነባሪ ከምዝገለጾ ትማሊ ንጉሆ ሓንቲ ነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ኣብ ላሊበላ ዓሪፋ።

ካብ ላሊበላ ናብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ተጓዓዝቲ ጽዒና ተመሊሳ። ኮይኑ ግና 6፡50 ክትዓርፍ ዝነበራ ካልእቲ ነፋሪት ኣብቲ መዕለቢ ብዝተፈጠረ ጸገም ክትዓርፍ ብዘይምኽኣላ ተመሊሳ ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ሰራዊት ምክልኻል ናብ ከተማ ላሊበላ ብነፋሪት ይመጽእ ከምዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ ምስተሰምዐ፡ ዕጡቓት ፋኖ ነቲ መዕርፎ ነፈርቲ ሒዞሞ ዝብል ወረ ምስምዑ እቲ ነባሪ ይዛረብ።

እቶም ዕጡቓት ነቲ ካብ ከተማ ላሊበላ 25 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሹምሸሃ እንትቆጻጸሩ ኣብ ሰብ ይኹን ንብረት ዝበጸሐ ጉድኣት ዝተገለጸ ነገር የለን።

ንድሕነቱ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ ከተማ ላሊበላ፡ ትማሊ ይኹን ሎሚ ንጉሆ ዝተፈለየ ምንቅስቓስ ከምዘይተርኣየ ብምሕባር ብኣንፈት 'ጋሸናን ሰቖጣን ግን ናይ ተኹሲ ድምጺ ይስማዕ ኣሎ' ኢሉ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ንባዕሉ ፋኖ ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለን ዘሎ ጎንጺ እናተጋደደ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን እዩ ምትእጉጓል በረራ ዝምልከት ሓበሬታ ተሰሚዑ ዘሎ።

ቅድሚ ኣዋርሕ መንግስቲ ፌደራል ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ደጊሙ ንምውዳብ ዘሕለፎ ውሳነ ስዒቡ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጎንጽን ተቓውሞን ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዕጡቓት ምስ ሰራዊት ፌደራል ናብ ጎንጺ ክኣትዉ ተራእዮም።

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሽም ፋኖ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ትማሊ ምግላጹ ይዝከር።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ብምግላጽ “ብሽም ፋኖ እናተንቀሳቐሱ ሰላም ኣብ ልዕሊ ዝዘርጉ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ” ኢሉ።

ኣብ ጎንደር፣ ቆቦ፣ ወልድያ፣ ሸዋ ሮቢትን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓትን ብዝተኻየደ ጎንጽን ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ጉድኣት ከምዝበጸሐ ይንገር።

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ላሊበላ ኣጋጢሙ ዝተባህለ ኩነታት ካብ ትካል ኤርፖርት ኢትዮጵያን መንገዲ ኣር ኢትዮጵያን መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይስመረን።

ዋላኳ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ቁጽጽር ዕቱቓት ፋኖ ከምዘሎ እንተተገለጸ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግና ጽባሕ ናብታ ከተማ ንዝግበር በረራ ትኬት ይሸይጥ ከምዘሎ መርበብ ሓበሬትኡ የመልክት።