ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ደብረብርሃን ብዘይተፈለጡ ሰባት ተቐቲሉ

 ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ደብረ ብርሃን ኮማንደር ምንውየለት ጭንቅሎ

ምንጪ ስእሊ, NORTH SHOA ADMIN.

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ደብረ ብርሃን ካብ ዘይተፈለጡ ሰባት ብዝተተኮሶ ጥይት ከምዝተቐተለ ምምሕዳር እታ ከተማ ሓቢሩ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ንሸነኽ ሰሜን ኣስታት 130 ኪሜ ርሒቓ ናይ እትርከብ ፖሊስ ኣዛዚ ዝነበረ ኮማንደር ምንውየለት ጭንቅሎ ዝተቐተለ ብዓርቢ ምዃኑ’ውን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ደብረ ብርሃን ዋና ከተማ ዞባ ሰሜን ሸዋ ክትኸውን እንከላ: ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን እታ ከተማ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓዘን መግለጺ፡ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ ኩነታት ከምዝተሃረመ ሓቢሩ።

እቲ ኮማንደር ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ናብ ሆስፒታል እኳ እንተተወሰደ ብህይወት ክተርፍ ኣይከኣለን።

“ንሓያላት መራሕቲ ፈሊኻ ብምቕታል ዝመጽእ ለውጥን ዝረጋገጽ ፍትሕን የለን” ዝበለ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን እታ ከተማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ፍሉጣትን ሓያላትን ፖለቲካውን ጸጥታውን መራሕቲ ቅትለት ይፍጸም ምህላው ሓቢሩ።

መንግስቲ ፌደራልን ምምሕዳር እቲ ክልልን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሕጊ ናይ ምኽባር ተግባር ይፍጽሙ ምህላዎም ኣብ ዝገለጹሉ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ላዕለዎት ፖለቲካውን ጸጥታውን ሓለፍቲ ቅትለት ክፍጸም ተራእዩ እዩ።

ካብ’ዚኦም፡ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ፡ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር (ብልጽግና) ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ቤትጽሕፈት እቲ ሰልፊን ዝኾነ ኣቶ ግርማ የሺጥላ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ብዕጡቓት ምቕታሎም ይዝከር።

በቲ ኣብ ሚያዝያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት በቶም መንነቶም ዘይተገለጹ ዕጡቓት ክቕተሉ እንከለው፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 250 ኪሜ ርሕቑ ኣብ ዝርከብ ስፍራ እዩ ተፈጺሙ።

ቅድሚ ሒደት ሳምንታት’ውን ኣብ ተኸታታሊ መዓልትታት ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ደጀን ከምኡውን ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከተማ ሸዋ ሮቢት ኣብ ዝርከቡ ሓለፍቲ ጸጥታ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ኣዘዝቲ ፖሊስን ሓደ ሓላፊ ጸጥታን ከም ዝተቐተሉ ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ሓላፊ ጸጥታ ከተማ ሸዋ ሮቢት ኣቶ ዓብዱ ሑሴን፣ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ወረዳ ደጀን ዋና ኢንስፔክተር ዘውዱ ታደለን ኣብቲ ወረዳ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ገበን ምክትል ኢንስፔክተር ወርቁ ሽመልስን ከምዝተቐተሉ ይዝከር።

እዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብተደጋጋሚ ብዘይተፈለጡ ሰባት ዝፍጸም ቅትለት ሓለፍቲ እቲ ከባቢ ብዝምልከት ዛጊት ሓላፍነት ዝወሰደ ኮነ ተሓታቲ ዝኾነ ወገን የለን።