ኣምሓራ፡ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተጎድኡ እንተዀነ ተዛማዲ ህድኣት ከምዘሎ ተገሊጹ

ጎንደር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ጎንፂን ቶኽሲን ካብ ዘጋጠመን ከተማታት ክልል ኣምሓራ ባህርዳርን ጎንደርን ኰይነን፤ ብዙሓት ከምዘትጎድኡ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ምንጭታት ከምዝሓበርዎ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም፡ ኣብ ሆስፒታል ጎንደር ሕጽረት ደም፡ ኦክስጅንን መድሃኒታትን የጋጥም ኣሎ።

ሓካይም እቲ ሆስፒታል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ብዝተፈጠረ ግጭት ኣስታት 20 ሰባት ሞይቶም፣ ልዕሊ 200 ሰባት ድማ ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ጎንደር ከምዝኣተዉ ገሊፆም።

ሓደ ሓኪም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቶም ብጥይት ዝተሃርሙ ሓደ ወዲ 16 ዓመት ቆልዓን ጓል 50 ዓመት ጓል ኣንስተይትን ይርከብዎም።

እቶም ክኢላታት ሕክምና፡ ናብ ሆስፒታል ዝተወስዱ ዝሞቱ ሰባት መብዛሕትኦም "ሰላማውያን ሰባትን ዕጡቓትን" ምዃኖም ጠቒሶም፤ ክሳብ ሕጂ ናብ ሆስፒታል ዝመጹ ዝተጎድኡ ኣባላት ሰራዊት ከምዘየለዉ ገሊጾም።

ምንጭታት እቲ ሆስፒታል ወሲኾም፡ ኣብቲ ሆስፒታል ብሰንኪ ሕፅረት ኦክስጅን ዝኾነ ዓይነት መጥባሕቲ ክገብሩ ከምዘይከኣሉ ገሊፆም።

ብሰንኪ ኣብታ ከተማ ንመዓልታት ዝጸንሐ ናዕቢ፡ እቶም ኣብ ሆስፒታል ዝሕከሙ ዘለዉ ሕሙማት፡ ናይ መግቢ ሕጽረት ከምዘጋጠሞምን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ተቛሪጹ ከምዘሎን ወሲኾም ሓቢሮም።

ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ፈለገ ህይወት ባህር ዳር ዝሰርሕ ዶክተር ብወገኑ፡ እቲ ሆስፒታል ብዙሓት ብጥይት ዝተሃረሙ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐበለ ትማሊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ዝበፅሐ ጉድኣት ብቑፅሪ ንምግላፅ ኣፀጋሚ እዩ። ብርክት ዝበሉ ሬሳታት ግን ናብቲ ሆስፒታል ይኣትዉ ኣለዉ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ካልእ ንድሕነቱ ክብል ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ዶክተር ናይቲ ሆስፒታል፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ብጥይት ተሃሪሞም ናብቲ ሆስፒታል ዝመጹ ግዳያት ሲቪላውያን ምዃኖም ኣመልኪቱ።

እቲ ሓኪም ከም ዝብሎ፡ ወዲ 5 ወርሒ ህጻን ዝርከብዎም ኣረጋውያንን መንእሰያትን ብዝተፈላለየ መጉዳእቲ ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ኣትዮም ኣለዉ።

"እቲ ህጻን ገና ኣብ ሕቑፊ ኣዲኡ እንከሎ ብዘይተሓሰበ ጥይት ከም ዝተሃርመ’የ ሰሚዐ" ይብል እቲ ሓኪም።

እቶም ሓካይም፡ ኣብታ ከተማ ብዘሎ ሕጽረት ኣገልግሎት መጉዓዝያ ወይ ኣምቡላንስ፡ እቶም ዝተጎድኡ ሰባት ብቃሬዛ ከም ዝመጹ ወሲኾም ሓቢሮም።

ብሰንኪ ዘይውሑስ ፀጥታ፡ ደም ናብ ዘድልዮም ሕሙማት ንምጉዕዓዝ እውን ኣፀጋሚ ኰይኑ ከም ዘሎ ኣመልኪቶም።

ኣብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልል፡ ኣብ ደብረብርሃንን ጎንደርን ሓዊሱ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን ከም ዝቖሰሉን’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

መንግስቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝበፅሐ ጉድኣት ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ ዝገለጾ ነገር የለን።

ኩነታት ዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ

ኣብ ባህርዳር፡ ጎንደርን ደብረብርሃንን እቲ ግጭት ይቕጽል ከምዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ትማሊ ዝገለጹ ዀይኖም፡ ካብ ሎሚ ረቡዕ ንጎሆ ጀሚሩ ኣንጻራዊ ህድኣት ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቶም ነበርቲ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ከባቢ ቀበሌ 14፡ 16ን 13ን ካብ ሰኑይ ምሸት ጀሚሩ ከቢድ ቶኽሲ ክሰምዑ ከም ዝሓደሩ ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣብ ጎንደር፡ ላሊበላ፡ ደብረብርሃንን ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ባህር ዳርን ዝርከቡ ቀንዲ መገድታት ተዓጽዮም ምንባሮም ሓቢሮም ነይሮም።

ኣብ ሰማይ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ከም ዝተራእያን ኣብታ ከተማ ቀረብ ዝስተ ማይ ከም ዝተቛረጸን ኣሶሽየትድ ፕረስ ንሓደ ነባሪ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ካልእ ነባሪ ድማ፡ ታንክታት ናብታ ከተማ ይኣትዋ ከም ዘለዋ ገሊጹ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከም ዝሓበርዎ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 130 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ደብረብርሃን ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ክትበርር ተራእያ ኣላ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ካብ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ከተማ ጎንደር ክረአዩ ከምዝጀመሩን ሎሚ ረቡዕ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ድምጺ ቶኽሲ ከምዝነከየ ሓቢሮም።

ካብ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ኣብታ ከተማ ብተዛማዲ ህድኣት ከምዘሎ ዝገልጹ ክኢላታት ሕክምና፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሆስፒታል ሓይሊ ጸጥታ መንግስቲ ከምዘሎ'ውን ወሲኾም ገሊጾም።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ዘውጽኦን ድሒሩ ኣብ ዘልዐሎን መግለጺ፡ መንግስቲ ነቲ ሕጊ ንምኽባር ብዝወሰዶ ስጉምቲ፡ "መብዛሕትአን ከተማታት ናብ ተዛማዲ ሰላም ይምለሳ ኣለዋ" ክብል ገሊጹ።

ንድሕነቱ ክብል ስሙ ክጥቀስ ዘይፈቐደ በዓል ስልጣን ከተማ ደብረብርሃን ትማሊ ንኤፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እታ ከተማ ዓውደ ውግእ ኰይና ኣላ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ምልውዋጥ ተኹሲ ኣሎ" ኢሉ።

ሓደ ነባሪ ጎንደር ከም ዝበሎ፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ኣብ ቀንዲ መደበር ፖሊስ እታ ከተማ ተዓቒቦም ይርከቡ።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ተወሳኺ ከተማታትን ቁሸታትን ከም ዝተቖጻጸረ ደገፍቱ ይገልጹ፤ ቢቢሲ ግን ነዚ ብናጻ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ጽባሕ ሓሙስ 4 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ግእዝ ጀሚሩ ናብ ባህርዳርን ጎንደርን በረራታት ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ረቡዕ፡ ሓሙስን ዓርብን ናብ ደሴ (ኮምቦልቻ)፡ ጎንደር፡ ላሊበላን ባህርዳርን ዝግበሩ በረራታት ተሰሪዞም ምንባሮም ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓያሎ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ይግለጽ ኣሎ፤ ሓደ ካብቶም ዝተኣሰሩ መስራቲ ኣልፋ ሚድያ ጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ወፃኢታት መንግስቲ፣ ምሕደራን ቁፅፅርን ኣቶ ክርስቲያን ታደለ ካብ ገዝኡ ብሓይልታት ፀጥታ ከም ዝተወሰደ ስድርኡ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ጻውዒት ሰላማዊ ፍታሕ

ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሃይማኖታዊ ትካላትን ሲቪል ማሕበራትን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ይፅውዑ ኣለው።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምናን ካልኦት ፖለቲካውን ሲቪላውን ትካላትን፡ ኣብ ኩናት ትግራይ ዘጋጠመ ክሳራታት ብምጥቃስ እቲ ግጭት ብዘተ ክፍታሕ ጸዊዐን።

ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ሎሚ ሰሉስ 8 ነሓሰ 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምንጪ እቲ ዘይምርግጋእን ግጭትን "እቲ ኣብ ንጹር ፖለቲካዊ መስመር ደው ምባል ዘይከኣለ፡ ቅዋም ይኹን ዓቕሚ ዘይብሉ መሪሕነት ብልጽግና'ዩ" ክብል ነቒፉ።

እቲ ውድብ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ነባሪ መገዲ ሃገራዊ ሰላም ክደልዩን፡ ዕጡቓት ሓይልታት ድማ ናብ ሰላማዊ መንገዲ ክመጹን ጸዊዑ ኣሎ።