ኪር ስታርመር፡ ብሪጣንያ ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ከምዝሃበታ ኣፍሊጡ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኪር

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስትር ኪር

ቀዳማይ ምኒስተር ሰር ኬር ስታርመር፡ ዓባይ ብሪጣንያ ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ኣፍሊጡ። እዚ ድማ ኣብ ፖሊሲ ​​መንግስቲ እታ ሃገር ርኡይ ለውጢ ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብኤክስ ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መግለጺ፡ "ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ራዕዲ፡ ተኽእሎ ሰላምን ፍታሕ ክልተ ሃገራትን ህያው ንምግባር ኢና ንሰርሕ ዘለና፡" ኢሉ።

ኣውስትራልያን ካናዳን እውን ሎሚ ሰንበት ንፍልስጤም ከም ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ከም ዝሃባ ኣፍሊጠን፤ ፖርቱጋል'ውን ክትስዕባ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ውሳነ ካብ መንግስቲ እስራኤል፣ ስድራ ኣብ ቓዛ ጅሆ ዝተታሕዙን ገለ ዓቃባውያንን ብርቱዕ ነቐፌታታት ኣስዒቡ ኣሎ።

ንፍልስጤም ኣፍልጦ ሃገርነት ምሃብ "ህላወና ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ንሽበራ ዕሽነት ዝመልኦ ዓስቢ ምሃብን'ዩ፡" ክብል ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ገሊጹ።

ምንጪታት መንግስቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ እናገደደ ምምጽኡ ይገልጹ።

ካብ ቓዛ ዝወጽኡ ምስልታት፡ ቅድሚ ሕጂ ቀዳማይ ምኒስተር ስታርመር "ክንዕገሶ ዘይንኽእል፡" ዝበሎ ጥምየትን ዕንወትን ዘርእዩ እዮም።

እስራኤል፡ ኣብ ከተማ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪን ግዱድ ምዝንባል ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸር ነበርትን፡ ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት "ዘስካሕክሕን ኣዕናውን፡" ክብሉ ገሊጾምዎ።

ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ምጽናት ዓሌት ፈጺማ እያ ከም ዝበለ ይዝከር። እስራኤል ብወገና፡ "ዝንቡዕን ናይ ሓሶትን፡" ክትብል ነጺጋቶ።

ብሪጣንያ፡ ኣብ ሓምለ ንፍልስጤም ኣፍልጦ ከም እትህብ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን፡ ምኒስተርሪ ጕዳይ ወጻኢ ዝነበረን ሕጂ ምኒስተር ፍትሒ ዝዀነን ዳቪድ ላሚ፡ ነቐፍቲ ንሃገርነት ፍልስጤም ናብ ቍልቍል ዝወስድ እዩ ዝበሉዎ ኣካታዒ ኢ1 ዝተባህለ ፕሮጀክት ሰፈራ ኣልዒሉ ምንባሩ ይዝከር።

ፕረዚደንት ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ምስ ኪር ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ብሪጣንያ ኣፍልጦ ንምሃብ ንዝኣተዎቶ መብጽዓ ንኢዱ።

ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ምኒስትር፡ ክልቲኦም መራሕቲ ሓማስ ኣብ መጻኢ መንግስቲ ፍልስጤም ብዛዕባ ዝህልዎ እጃም ከም ዝተሰማምዑ እውን ኣፍሊጡ።

ዓቃባዊ መራሒ ኪሚ ባዴኖች፡ መፍትሒ ክልተ ሃገራት፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ግብራዊ ኰይኑ ክርኢ ከም ዝደሊ ተዛሪቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን፡ ዘ ቴሌግራፍ ሒዙዎ ኣብ ዝወጽአ ጽሑፍ ድማ፡ "ኣመሪካ ኣብዚ ጕዳይ ግልጺ እያ፤ እዚ'ውን ግልጺ'ዩ። ጅሆ ዝተወስዱ ሰባት ከይተፈትሑ ንፍልስጤም ኣፍልጦ ሃገርነት ምሃብ ንሽበራውያን ሽልማት ምሃብ'ዩ፡" ኢሉ።

ፖርቱጋል፡ ፈረንሳ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን'ዉን ንፍልስጤም ኣፍልጦ ሃገርነት ከም ዝህብኣ ክገልጻ እንከለዋ፡ ስጳኛ፡ ኣየርላንድን ኖርወይን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣፍልጦ ሂበንኣ እየን።

ፍልስጤም፡ ካብ 193 ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት እተን 75 ሚእታዊት ኣፍልጦ'ኳ እንተሃብኣ፡ ዓለምለኻዊ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ዶብ፡ ርእሰ ከተማን ሰራዊትን የብላን።

መንግስታት እስራኤልን ኣመሪካን፡ ንፍልስጤም ኣፍልጦ ሃገርነት ምሃብ ንሓማስ ዲፕሎማስያዊ ህያብ ምዃኑ ይገልጹ።

ሓማስ፡ ድሕሪ'ቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዘካየዶ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ከም ዝተወስዱ ይዝከር።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ሓምለ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ምባል ክትሰማማዕን ኣብ ጐድኒ እስራኤል ሓቢራ ክትነብር ዘኽእል ነዊሕ ዝጸንሕ መስርሕ ሰላም ንምፍጻምን ሓዊሱ ሓያሎ ቅድመ ኵነታት እንተዘይኣማሊኣ፡ ዓባይ ብሪጣንያ መርገጺኣ ክትቅይር ምዃና ገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።

ተኸታተልቲ መንግስታት ዓባይ ብሪጣንያ ቅድሚ ሕጂ፡ ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ከም ኣካል መስርሕ ሰላምን ዝለዓለ ጽልዋ ኣብ ዝህልዎ እዋንን ክመጽእ ከም ዘለዎ ይገልጹ ነይሮም።

ይዅን እምበር፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሰላም ዝብል ተስፋታት ህያው ንምግባር ሞራላዊ ሓላፍነት ከም ዘሎ ምኒስተራት ይምጕቱ ነይሮም።

ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ምባል ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕርታት - ኣሽንኳይ'ዶ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ፍታሕ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብ ምህዳእ'ውን ሰንከልከል ኢሉ እዩ።

እስራኤል ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቀጠር ኣብ ልዕሊ ሓደ ጕጅለ ተደራደርቲ ሓማስ መጥቃዕቲ ኣየር ብምፍጻማ ኣህጉራዊ ቍጥዐ ክለዓል ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

ምንጭታት መንግስቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ከም ዝገደደ ብምግላጽ፡ ሰር ኬር ኣቐዲሙ "ዘይጽወር" ክብል ዝገለጾ ጥሜትን ዓመጽን ዘርኢ ምስልታት ክወጽእ ቀንዩ ኣሎ።

ብሓማስ ዝምራሕ ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል 71 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 304 ድማ ቈሲሎም ኢሉ።

እስራኤል ኣብ ከተማ ቓዛ ዘካየደቶ ናይ መወዳእታ ናይ መሬት ስርሒት፡ ሓደ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት "ኣዕናዊ" ብምባል ክገልጾ እንከሎ፡ ብሰንኵ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለው።