ዶሓ፡ ቐጠር ዝጸወዓቶ ህጹጽ ኣኼባ እስላማውያንን ዓረባውያንን ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ህጹጽ ዋዕላ እስላማውያንን ዓረባውያንን ሃገራት ብዛዕባ'ቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቐጠር ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ይዝቲ ኣሎ።
እቲ ኣብ ርእሰከተማ ዶሓ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ንመራሕቲ ሓማስ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ንምሃብ ብቐጠር ዝተጸውዐ እዩ።
ኣግልግሎት ዜና ሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ እስራኤል "ምጽናት ዓሌትን ብሄርን ዝርከቦ" ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቓዛ ትፍጽም ከምዘላ ዝኸስስ ንድፊ ውሳነ ብተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ተዳልዩ ኣሎ። እስራኤል ነዚ ብተደጋጋሚ ክቐርበላ ዝጸንሐ ክስታት ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ዋዕላ ናይዘን ሃገራት ዓረብ ብምሉአን፡ ከምኡ'ውን ከም ብዓል ኢንዶነዥያ፡ ኢራን፡ ፓኪስታንን ሶማልያን ዝርከብአን ሓያለ እስላማውያን ሃገራት ዓለም ንቐጠር ዘለወን ደገፍ ንምግላጽ እንታይ ግብረመልሲ ክህባ ከምዝኽእላ ንጹር'ኳ እንተዘይኮነ፡ ወተሃደራዊ ክኸውን ከምዘይክእል'ዩ ዝግለጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ቐጠር ዝኾነ መሓመድ ቢን ኣብዱልራሕማን ቢን ጃሲም ኣል-ታኒ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ማሕበረሰብ ዓለም "ድርብ መዐየሪ" ደው ኣቢሉ ንእስራኤል ዝግብኣ መቕጻዕቲ ክህባ ተማሕጺኑ ነይሩ።
ፕረዚደንት ናይታ ኣባል ማሕበር ሃገራት ዓረብን ውድብ እስላማውያን ሃገራትን ዝኾነት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ትማሊ ናብ ዶሓ ከምዝኣተወ ቤትጽሕፈቱ ሓቢሩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሰንበት ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ቐጠር ዓባይ መሓዛና ኮይና'ያ ጸኒሓ። እስራኤል ትኹን ካልእ፡ ክንጥንቀቕ ኣለና። ንሰብ ከነጥቅዕ ከለና ክንጥንቀቕ ኣለና" ክብል ተዛሪቡ።
ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ኣትዩ ዘሎ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብወገኑ ትራምፕ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቐጠር ዝተወስደ ስጉምቲ እስራኤል "ኣይፈተዎን" ኢሉ።
ድሮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ዝርከቦም ሰበስልጣን እስራኤል ዝተራኸበ ሩቢዮ ብዛዕባ ኲናት ቓዛን ሳዕቤናቱን ክዘራረብ'ውን ትጽቢት ይግበር።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ርእሰከተማ ዶሓ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል ኮኒንዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።
"እቲ እናዓረገ ዝመጸ ወጥሪ ክሃድእ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘስመራሉ ኣባላት ባይቶ፡ ንቐጠር ዘለወን ደገፍ ገሊጸን" ይብል እቲ በተን 15 ኣባላት ናይቲ ባይቶ ዝወጸ መግለጺ።
ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ ብወገኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ነቶም ኲናት ቓዛ ደው ንክብል "ምስምማዕ ዝኣበዩ ገለ ሰባት ንምውጋእ" ዝተወስደ'ዩ ክብል ንስጉምቲ ሃገሩ ተኸላኺሉ።
ላዕለዎት መራሕቱ ካብቲ ደብዳብ ከምዝደሓኑ ዝገለጸ ፍልስጤማዊ ጉጅለ ሓማስ፡ ካልኦት ሓሙሽተ ኣባላቱ ግን በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ'ሎ።
ሓደ ካብቶም ግዳያት ወዱ ንቀንዲ ተደራዳራይ ኻሊል ኣል-ሓያ ምዃኑ'ውን እቲ ጉጅለ ጠቒሱ። ሓደ ኣባል ጸጥታ ቐጠር'ውን ኣብቲ ናብ መንበሪ ህንጻ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ዘነጻጸረ ደብዳብ ከምዝተቐትለ ይፍለጥ።
በቲ መጥቃዕቲ ዝተቖጠዐት ቐጠር "ቅሉዕ ጥሕሰት" ልኡላውነታን ዓለምለኻዊ ሕጊታትን እዩ ክትብል ከምዝኾነነቶ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, Villa Somalia/x
እታ ምስ ኣመሪካ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ንእሽቶን ብነዳዲ ሃብታምን ሃገረ ቐጠር፡ ካብ 2012 ጀሚራ ንፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ሓማስ ከተአንግድ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ቐጠር ነቲ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝካየድ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ምምላስ ግዳያት ጅሆን ምስ ግብጺ ብምትሕብባር ከም መንጎኛን ኣተዓራቒትን ኮይና ከተገልግል ዝጸንሐት'ያ። ምስቶም ንሓድሕዶም ዘይቃደዉ ሓይልታት ብዘለዋ ዝምድና ግን ግዳይ ክትከውን ትርአ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ኢራን ናብቲ ኣብ ቐጠር ዘሎ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ኣካይዳ ነይራ። ዋሽንግተን ንእስራኤል ንምድጋፍ ንመደበራት ኢራን ድሕሪ ምድብዳባ'ያ ቴህራን ግብረመልሲ ክትህብ ተገዲዳ።
ኣብ ጥቓ ከተማ ደውሓ - ቐጠር ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ - ኣል ዑደይድ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝካየድ ስርሒታት ኣየር ዋሽንግተን ቀንዲ መዋፈሪ ኰይኑ ዘገልግል ኰይኑ፡ ኣስታት 8,000 ወተሃደራት ኣመሪካ ዝዓስከሩሉ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







