ቐጠር፡ እስራኤል ኣብ ርእሰከተማ ዶሓ መጥቃዕቲ ፈጺማ

ዒላማ መጥቃዕቲ እስራኤል ዝኾነ ህንጻ ኣብ ከተማ ዶሓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቐጠር መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘካየደት ኣፍሊጣ። እቲ ኣብ ርእሰከተማ ዶሓ ዝተፈጸመ ደብዳብ ንመራሕቲ ፍልስጤማዊ ጉጅለ ሓማስ ዘነጻጸረ'ዩ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ "ንጹር መጥቃዕቲ" ንላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ጠቒሱ።

እቶም መራሕቲ ሓማስ ብዛዕባ ምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ቓዛ ንምዝርራብ ኣብ ኣኼባ ምንባሮም'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

"ቅድሚ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ክወርድ ንዝኽእል ጉድኣት ንምውጋድ ስጉምቲ ተወሲዱ'ዩ፡ ሓደ ካብኡ ድማ ኣነጻጺሩ ዝሃርም ተተኳሲ ምጥቃምን ተወሳኺ ስለያዊ ሓበሬታን እዩ" ይብል እቲ ሰራዊት ኣብ መግለጺኡ።

በቲ መጥቃዕቲ ዝተቖጠዐት ቐጠር ግን "ቅሉዕ ጥሕሰት" ዓለምለኻዊ ሕጊታት እዩ ክትብል ኮኒናቶ'ላ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ነቲ መጥቃዕቲ "ኣትሪሩ" ከምዝነቕፎ ገሊጹ።

ዶ/ር ማጅድ ኣል ኣንሳሪ ከምዝበሎ፡ መንበሪ ኣባይቲ በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሃርመ ብምጥቃስ፡ እቲ ደብዳብ "ነቲ ኣብ ርእሰከተማ ቐጠር፡ ዶሓ፡ ዝርከብ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ሓማስ ዝነብርሉ" ህንጻ ዒላማ ከምዝገበረ ኣብሪሁ።

"ሃገረ ቐጠር ነቲ መጥቃዕቲ ብትሪ ትኹንኖ። ነዚ ሓላፍነት ዝጎዶሎ ባህሪያት እስራኤልን ንጸጥታ እቲ ዞባ ንምሕማስ ትገብሮ ዘላ ይኹን ንጸጥታኣን ልኡላውነታን ዘነጻጸረ ተግባራት ከምዘይትጻወሮ ተረጋግጽ"።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ብሰራዊት እስራኤል ዝወጸ መግለጺ ከምዚ ዝስዕብ'ዩ፡

"ሓይልታት ምክልኻል እሰራኤልን ትካል ጸጥታ እስራኤልን ዒላማኡ ዝወቕዐን ናብ ላዕለዋይ መሪሕነት ኣሸባሪ ውድብ ሓማስ ዘነጻጸረን መጥቃዕቲ ኣካይዶም።

"ንዓመታት፡ እዞም ኣባላት መሪሕነት ሓማስ፡ ንስርሒታት ናይቲ ኣሸባሪ ውድብ ዝመርሑን፡ ነቲ ብ7 ጥቀምቲ [2023] ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ቀጥታዊ ሓላፍነት ዝስከሙን፡ ነቲ ኣንጻር ሃገረ እስራኤል ዝካየድ ኲናት ዝውድቡን ዘመሓድሩን እዮም።

"ቅድሚ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ክወርድ ንዝኽእል ጉድኣት ንምውጋድ ስጉምቲ ተወሲዱ'ዩ፡ ሓደ ካብኡ ድማ ኣነጻጺሩ ዝሃርም ተተኳሲ ምጥቃምን ተወሳኺ ስለያዊ ሓበሬታን እዩ"

"ሓይልታት ምክልኻል እሰራኤልን ትካል ጸጥታ እስራኤልን ነቲ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝስከም ኣሸባሪ ውድብ ሓማስ ንምስዓር ስርሒታቶም ብቆራጽነት ክቕጽሉ እዮም" ክብል'ውን እቲ መግለጺ የጠንቅቕ።

ጉጅለ ሓማስ ብወገኑ መራሕቱ ዕላማ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝኾኑ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ'ሎ።

ንሰማይ ዝዓርግ ትኪ ኣብ ልዕሊ ዶሓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መሓዛን ደጋፊትን ሓማስ ዝኾነት ኢራን ነቲ ኣብ ዶሓ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምኹናን "ንሃገራዊ ልኡላውነት ቐጠርን ተደራደርቲ ፍልስጤምን ዝግህስ'ዩ" ክትብል ተቓዊማ።

ብኻልእ ወገን፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ቐጠር፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታቱ ኣብ ውሑስ ቦታ ክዕቆቡ መምርሒ ኣውጺኡ'ሎ።

ቐጠር ምስ ግብጺን ኣመሪካን ብምትሕብባር ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባልን ምቁራጽ ተዂሲ ንኽግበርን ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝግበር ዘተ ከተሳልጥ ዝጸንሐት'ያ።

ላዕለዎት ፖለቲካዊ መራሕቲ ሓማስ ንነዊሕ እዋን ኣብ ቐጠር ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

እታ ከም መንጎኛን ኣተዓራቒትን እትፍለጥ ቐጠር ብሰንኪ ምስቶም ንሓድሕዶም ዘይቃደዉ ሓይልታት ብዘለዋ ዝምድና ግዳይ ክትከውን ትረአ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ኢራን ናብቲ ኣብ ቐጠር ዘሎ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ኣካይዳ ነይራ። ዋሽንግተን ንእስራኤል ንምድጋፍ ንመደበራት ኢራን ድሕሪ ምድብዳባ'ያ ቴህራን ግብረመልሲ ክትህብ ተገዲዳ።

ኣብ ጥቓ ከተማ ደውሓ - ቐጠር ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ - ኣል ዑደይድ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝካየድ ስርሒታት ኣየር ዋሽንግተን ቀንዲ መዋፈሪ ኰይኑ ዘገልግል ኰይኑ፡ ኣስታት 8,000 ወተሃደራት ኣመሪካ ዝዓስከሩሉ እዩ።