እስራኤል ኣብ ልዕሊ'ቲ ክላስተር ቦምባ ተጠቒሙ ዝበለቶ ሑቲ መጥቃዕቲ ፈጺማ

ሑቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ፡ እስራኤል ከም ግብረ መልሲ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ሓያለ መጥቃዕትታት ፈጺማ

ምንጪ ስእሊ, MOHAMMED HUWAIS/AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሑቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ፡ እስራኤል ከም ግብረ መልሲ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ሓያለ መጥቃዕትታት ፈጺማ

እስራኤል ኣብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ሓያለ መጥቃዕትታት ሚሳይል ፈጺማ።

ሑቲ ብዓርቢ ክላስተር ቦምባ'ዩ ዝበለቶ መጥቃዕትታት ድሕሪ ምፍጻሙ እያ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

እስራኤል ኣብ ሰንዓ ዒላማታት ዝገበረቶ ቦታታት ወተሃደራዊ መዓስከራት፡ ቤተ መንግስቲ፡ ነቝጣ ነዳዲን መደበራት ጸዓትን ኰይኑ፡ በቲ መጥቃዕቲ 4 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 67 ከምዝቘሰሉ ሰብ መዚ ሑቲ ኣፍሊጦም።

ዕጡቓት የመናውያን ሑቲ ንሓማስ ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ናይ ማዕዶ ደብዳባት ድሮንን ሚሳይልን ክገብሩ ካብ ዝጅምሩ፡ ድሕሪ ሰነ ንመጀመርታ ግዜ ክላስተር ቦምባ ከምዝተጠቐሙ ሰብ መዚ እስራኤል ምሕባሮም ማዕከናት ዜና እታ ሃገርን ኣሶሸይትድ ፕረስን ሓቢሮም።

ሰራዊት እስራኤል ነቲ ብልዕሊ 100 ሃገራት ዝተኸልከለ ኣጽዋር [ክላስተር ቦምባ] ዝጸዓነ ሚሳይል ንምንታይ ኣብ ሰማይ እንከሎ ከበርዕኖ ከምዘይከኣለ ይምርምር ከምዘሎ ይግለጽ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሰንዓ ዝተፈጸመ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጕምቲ ቀዳማይ ምኒስተር በንጃሚን ነታንያሁን ምኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፡ እስራኤል ካትዝን እናተመርሐ'ዩ ተፈጺሙ።

እቲ መጥቃዕቲ እናተፈጸመ በንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ተልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ መአዘዚ ነቝጣ ትእዛዝ እናኣመሓላለፈ ዘርኢ ስእሊ መንግስቲ እስራኤል ዘርጊሑ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ በንጃሚን ነታንያሁ "ዝዀነ ዘጥቅዓና ከነጥቅዖ ኢና፣ ዝዀኑ ከጥቅዑና ዝወጠኑ'ውን ከነጥቅዖም ኢና፣ ዝኾነ ኣብዚ ዞባ ዝርከብ ሓይሊ እስራኤል ዘለዋ ሓይልን ቆራጽነትን ተረዲእዎ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለኒ" ኢሉ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል'ውን ብሰንበት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ኣብ ጎልጎል ናይ ሓደ ኣብ ማእከል ከተማ ጊናቶን ኣብ ዝርከብ ገዛ ዝዓለበ ቦምባ ሑቲ ኣዝዩ ንኡስ ዕንወት ከምዘውረደ ገሊጹ።

እቲ ምክልኻል ብተወሳኺ፡ እቲ ካብ ሑቲ ዝተወንጨፈ ሚሳይል ንምንታይ ኣቐዲሙ ኣብ ሰማይ እንከሎ ክብርዕን ከምዘይከኣለ ይምርምር ከምዘሎ ምግላጹ ማዕከናት ዜና እስራኤል ኣቃሊሐን።

ክላስተር ቦምባ፡ ብሚሳይል ተጸይሩ መጽዩ ኣብ ጥቃ ዕላማኡ ምስ በጽሐ ዝፈናጨል ንኣሽቱ ቦምባታት ዘለዎ ኰይኑ፡ እቲ ዝፈናጨል ንኣሽቱ ቦምባታት ንሰፊሕ ቦታ ክሽፍን ዝኽእል'ዩ።

እንተዀነ እዚ ቦምባታት ኣብ ጥሉል ቦታ ወይ ኣብ ጭቃ ምስ ዝዓለብ ናይ ምፍንጃር ዓቕሙ ኣዝዩ ይትሕት። ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ግን እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ጠሊ ምስ ሃፈፈ ብቐሊሉ'ዩ ዝፍንጀር።

ክላስተር ቦምባ ከመይ ከምዝሰርሕ ዘርኢ ስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ክላስተር ቦምባ ከመይ ከምዝሰርሕ ዘርኢ ስእሊ

ዕጡቓት ሑቲ፡ ነቲ ብዓለም ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝተወሃቦ ኣብ ሰንዓ ዝነበረ መንግስቲ ብምእላይ ካብ 2014 ጀሚሮም ንዝሰፍሐ ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ተቘጻጺሮሞ ይርከቡ። እዚ ከኣ ኣብታ ሃገር ኲናት ሓድሕድ ቀስቂሱ ንየመን ኣብ ከቢድ ዓዘቕቲ ሸሚምዋ ኣሎ።

እቲ ዕጡቕ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ናብ እስራኤል ብተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ድሮንን ሚሳይላትን ክፍጽም ጸኒሑ።

ብተወሳኺ ብቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ልዕሊ ዝሓልፋ መራኽብ ብምጥቃዕ'ውን ንፍልስጤም ዘለዎ ደገፍ ከስምዕ ጸኒሑ'ዩ።

እቲ ብኢራን ከምዝድገፍ ዝእመነሉ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ኣብ ሰነ ምስ እስራኤል ን12 መዓልታት ኣብ ዝተለዋወጦ ናይ ማዕዶ ተዅሲ'ውን ክላስተር ቦምባ ተጠቒሙ ምንባሩ እስራኤል ትሕብር።