እስራኤላውያን ግዳያት ጅሆ፡ ኔታንያሁ ኣብ ጕዳዮም ዕንቅፋት'ዩ ኢሎም

ስድራቤታት ጅሆ ዝተትሓዙ እስራኤላውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስድራቤታት ክሳብ ሕጂ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ናብ ዓዶም ንኽምለሱን ኣብ ስምምዕ ሰላም ከይበጽሕን ዝዓግት "ብሕታዊ ማሕለኻ፡" ምዃኑ ገሊጾም።

'መድረኽ ጅሆታትን ዝጠፍኡ ስድራቤታትን፡ ሕጂ ናብ ገዛ ኣምጽእዎም'፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እስራኤል ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ቀጠር ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ "ወትሩ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣብ ዝቐርበሉ ግዜ፡ ነታንያሁ ከም ዘበላሽዎ፡" ዘርኢ'ዩ ኢሉ።

እዚ ጕጅለ ነዚ ዝገለጸ እስራኤል፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ቀጠር ዶሃ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ ኰይኑ፡ ሓማስ ሓሙሽተ ካብ ኣባላቱን ሓደ በዓል ስልጣን ጸጥታ ቀጠርን ከም ዝቐተለ ገሊጹ።

ብቐዳም 13 መስከረም ኔታንያሁ ኣብ ቀጠር ካብ ዘለዉ መራሕቲ ሓማስ ምእላይ "ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንምፍታሕን ነቲ ኲናት ንምውዳእን "እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ዘወግድ እዩ" ኢሉ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ሓማስ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምንዋሕ ንዅሉ ፈተነታት ተዅሲ ደው ምባል ከም ዝዓገቶ ከሲሱ።

ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ብቐዳም ናብ እስራኤል ዝተጓዕዘ ኰይኑ፡ እስራኤል በቲ መጥቃዕቲ ዓለምለኻዊ ነቐፌታ ይገጥማ ኣብ ዘለወሉ እዋን ምስ ኔታንያሁ ክራኸብ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ይኹን እምበር፡ ስድራቤታት እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት፡ ንዘረባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ፡ መቕርባቶም ኣብ ምምላስ "ንዝፈሸሎ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ መመኽነይታ፡" ኢሎም።

"እቲ ኣብ ቀጠር ዝተኻየደ ስርሒት፡ ነቶም 48 ጅሆታት ንምምላስን ነቲ ኲናት ንምውዳእን ሓደ ማሕለኻ ከም ዘሎ ዘየጠራጥር ምዃኑ ኣመስኪሩ'ዩ፤ ንሱ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኔታንያሁ'ዩ፡" ኢሎም።

"እቲ ንሱ ኣብ ስልጣን ንክጸንሕ ግዜ ንምዕዳግ ዝተዳለወ መመኽነይታታት ዝውድኣሉ ግዜ በጺሑ'ሎ፡" እውን ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ወሲኹ፡ ኔታንያሁ ዝገብሮም "ምትዕንቓፋት፡ "ህይወት 42 ጅሆታት ከም ዘጥፍኡን፡ ነቶም ብህይወት ንምጽናሕ ዝቃለሱ ዘለው ተወሳኺ ጅሆታት ኣብ ሓደጋ ከም ዘእቱን፡" ገሊጹ።

ሩቢዮ ናብ እስራኤል ቅድሚ ምኻዱ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ በቲ ኣብ ልዕሊ ቀጠር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሕጒስ ከም ዘይኰነ እኳ እንተገለጸ፡ ዝምድና ኣመሪካን እስራኤልን ግን "ኣዝዩ ሓያል" ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

"ብዛዕባኡ ከም ዘይንሕጐስ ርዱእ'ዩ፡ እቲ ፕረዚደንት ብእኡ ሕጕስ ኣይነበረን። ሕጂ ንቕድሚት ክንስጉምን ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝመጽእ ክንፈልጥን ኣለና፡" ኢሉ ሩቢዮ።

ወሲኹ ድማ፡ ቀዳምነት ትራምፕ ንዅሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ምምላስን ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምውዳእን ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዶሃ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ቀጠር ምስ ኣመሪካ ክትሰርሕ ዘለዋ ድልውነት የተሓላለዀ ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ኣብ ብርክት ዝበሉ ግንባራት ጽቡቓት መሻርኽቲ ኰይኖም'ዮም፡" ኢሉ።

ቀጠር ኣብቲ ዞባ ቁልፊ መሓዛ ኣመሪካን ማእከል ዓብዪ መዓስከር ሓይሉ ኣየር ኣመሪካን እያ።

ቀጠር ነቲ መጥቃዕቲ እስራኤል "ናይ ፈራሕ"ን "ግልጺ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ"ን ክትብል ኰኒናቶ።

ኔታንያሁ፡ እቲ ስጕምቲ ነቶም ብ7 ጥቅምቲ 2023 መጥቃዕቲ ዝወደቡ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ዒላማ ዝገበረ ብምዃኑ፡ "ምሉእ ብምሉእ ምኽኑይ፡" እዩ ኢሉ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ከተማ ቓዛ ዝፍጽምዎ ከቢድ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣሐይሎም ቀጺሎምሉ ኣለው።

ነዚ ስዒቡ፡ ህንጻታት ዓንዮም። እስራኤል'ውን ኵሎም ነበርቲ፡ ዓቢ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ብምግማት ብቕልጡፍ ክወጽኡ ኣጠንቂቓ።

ነበርቲ፡ ሰራዊት እስራኤል ንቤት ትምህርትን ግዝያዊ መዕቆቢታትን ዒላማ ክገብር ከም ዝጸንሐን መብዛሕትኡ ግዜ ቅድሚ ደብዳብ ነፈርቲ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ መጠንቀቕታታት ከም ዘውጽእን ይዛረቡ።

ትማሊ ቀዳም ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣስታት 250 ሽሕ ሰባት ካብታ ከተማ ወጺኦም ናብ ደቡብ ከም ዝግዓዙ ሓቢሩ።

ኔታንያሁ ንከተማ ቓዛ ንምሓዝ ዝሓንጸጾ መደብ ኣህጉራዊ ነቐፌታታት ኣስዒቡ'ሎ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ጥሜት ዝተኣወጀሉ ከባቢ ወተሃደራዊ ገስጋስ ምግባር፡ ንሲቪላት ናብ "ዝያዳ ዝዓሞቐ ዕንወት" ከም ዝደፍኦም ኣጠንቂቑ።

ሰራዊት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክወስድ ጸኒሑ ኣሎ።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ብውሕዱ 64,605 ​​ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ሓቢሩ።