'ድኻም፡ ጥምየትን ፍርሕን' - ኣብ ቓዛ ጋዜጠኛ ምዃን እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images, BBC
"ሓደ መዓልቲ ኣብ ቴንዳ ክነብርን ክሰርሕን'የ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ፤ ኣዝዩ መሰረታዊ ሰብኣዊ ጠለባት - ማይን ሽቓቕን ከይተረፈ- ሓሪሙኒ፡"።
ጋዜጠኛ ዓብደላ ሚቅዳድ፡ ኣብ ቓዛ ዘሎ ህይወት "ኣብ ሓጋይ ዝያዳ ኣብ ሃሩር፡ ኣብ ክረምቲ ድማ ኣብ ፍሪጅ ምንባር ይመስል፡" ክብል ይገልጾ።
ድሕሪ ናይ 22 ኣዋርሕ ኲናት ቓዛ፡ መብዛሕትኦም ጋዜጠኛታት ስርሖም ንምዕያይ ዘድልዮም ሓይሊ ኤሌክትሪክን ዘተኣማምን ኢንተርነትን ንምርካብ ኣብ ከባቢ ሆስፒታላት ኣብ ዝተሰርሑ ቴንዳታት እዮም ዝነብሩ ዘለው።
ኣብ መላእ ቓዛ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቛሪጹ ስለ ዘሎ፡ ብጀነሬተራት ዝሰርሓ ዘለዋ ሆስፒታላት፡ ስልክታትን ካልኦት ባትሪ ዘድልዮም መሳርሕታትን ንምምላእ ይሕግዛ ኣለዋ። ኣብ ሆስፒታላት ኰይኖም ምስራሕ ግን ድሕነት ክረኽቡ ኣይገበረን፤ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላትን ቀጽራተንን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲታት ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም'ዮም።
ኣብዚ ሰሙን፡ ብ25 ነሓሰ 2025 [ኣ.ኤ] ኣብ ደቡባዊት ከተማ ካን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ናስር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብውሑድ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ዝርከቡዎም 20 ሰባት ሞይቶም'ዮም።
'ከም ጋዜጠኛታት ወትሩ ዒላማ ዝተገብረና ኰይኑ ይስምዐና'
እስራኤል፡ ሳሕቲ ጋዜጠኛታት ምስ ወተሃደራት እስራኤል ኰይኖም እንተዘይኰይኑ ናብ ቓዛ ክኣትው ስለ ዘይተፍቅድ፡ ቢቢሲ ሓዊሱ ብዙሓት ዓለምለኻውን ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ኣብ ዝርከቡ ሪፖርተራት እየን ዝምርኰሳ።
ድሕሪ'ቲ ብሸውዓተ ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ እትወስዶ ዘላ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ብውሕዱ 197 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሚድያን ከም ዝተቐትሉ - ካብዚኦም እቶም 189 ፍልስጤማውያን ብእስራኤል ኣብ ቓዛ ከም ዝተቐትሉ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ኮሚቴ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (CPJ) ሓቢሩ።
ኣሄድ ፋርዋና፡ ካብ ቓዛ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንሱን መሳርሕቱን ብሓይልታት እስራኤል ዒላማ ከም ዝዀኑ ኰይኑ ከም ዝተሰምዖም ብምግላጽ፡ "እዚ ድማ ንድሕነትናን ድሕነት ስድራቤትናን ኣብ ቀጻሊ ፍርሒ ኣእትዩዎ ኣሎ፡" ኢሉ።
ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ዓመት ኲናት፡ ጋዜጠኛታት ብዘይምቁራጽ ይደክሙ እኳ እንተሃለው፡ ጠለብ ሽፋን ዜና ግን ይቕጽል ኣሎ።
እዚ ድማ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ መንእሰያት፡ ገሊኦም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጋዜጠኝነት ሰሪሖም ዘይፈልጡ፡ ሪፖርተራትን ናይ ስእሊ ጋዜጠኛታትን ክዀኑ ገይሩዎም ይርከብ።
ገለ ጋዜጠኛታት ብወግዒ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ወይ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ይሰርሑ፤ ብዙሓት ግን ብግዝያዊ ውዕል ይቑጸሩ። እዚ ማለት ዝረኽብዎ መከላኸሊ መሳርሒታትን መድሕንን ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ።
"ኣብ ዓለም ዘሎ ኵሉ ጋዜጠኛ ኣህጉራዊ ሓለዋ ክረክብ መሰል ኣለዎ። እቲ ዘሕዝን ግን ሰራዊት እስራኤል ንጋዜጠኛታት ብኸምዚ ኣገባብ ኣይሕዞምን እዩ፡ ብፍላይ ንፍልስጤማውያን ጋዜጠኛታት ክኸዉን ከሎ፡" ክትብል ወኪል ጀርመናዊት መጽሔት 'ደር ስፒገል' ጋዳ ኣል ኩርድ ተዛሪባ።

ምንጪ ስእሊ, EPA, AP, Reuters
እስራኤል፡ ሓይልታታ ንጋዜጠኛታት ዒላማ ገይሮም ንዝብል ክስታት ብተደጋጋሚ ክትነጽጐ ጸኒሓ'ያ።
ይኹን'ምበር፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ወኪል ኣልጀዚራ ኣናስ ኣል ሸሪፍን መሳርሕቱን ንዝነበሩላ ቴንዳ ብ10 ነሓሰ ዒላማ ከም ዝገበረ ገሊጹ'ዩ።
ብሰንኪ እዚ መጥቃዕቲ፡ ካልኦት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ኣልጀዚራ፡ ክልተ ጋዜጠኛታትን ሓደ ውልቀሰብን ተቐቲሎም።
እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሸሪፍ "ኣብ ሓማስ ሓላፊ ዋህዮ ግብረሽበራ ኰይኑ ከም ዘገልገለ፡" ይኸስስ።
ኣናስ ነዚ ክሲ ቅድሚ ሞቱ ዝነጸጐ'ዩ።
ሲፒጄይ፡ እስራኤል ነቲ ክስታት ዝድግፍ መርትዖ ከተቕርብ ከም ዘይከኣለት ብምግላጽ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ቓዛ "ንተግባራት እስራኤል ንምሽፋን ኰነ ኢልካን ብስርዓትን ኣብ ዝገብሩዎ ፈተነ፡" ንጋዜጠኛታት ዒላማ ከም ዝገበሩ ከሲሱ።
ኣብዚ ሰሙን ብሰኑይ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ናስር ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሰኣላይ ሮይተርስ ሑሳም ኣልማስሪ ተቐቲሉ።
ድሕሪ ደቓይቕ ኣብ ዝተፈጸመ ካልኣይ መጥቃዕቲ ድማ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ካልኦት ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ጋዜጠኛታትን ሞይቶም - ማርያም ኣቡ ዳጋ ዝተባህለት ምስ ኣሶሴይትድ ፕረስ እትሰርሕ፡ ሰኣላይ ኣልጀዚራ መሓመድ ሰላማ፤ ጋዜጠኛ ኣሕመድ ኣቡ ዓዚዝን ጋዜጠኛ ቪድዮ ሞዓዝ ኣቡ ታሃን።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ነቲ ፍጻመ "ዘሕዝን ሓደጋ" ክብል ገሊጽዎ።

ምንጪ ስእሊ, AHMED JALAL
ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ድሕሪ ኣፈናዊ መርመራ፡ ወተሃደራት "ንጥፈታት ወተሃደራት [እስራኤል] ንምዕዛብ "ኣብ ከባቢ ሆስፒታል ናስር ብሓማስ ዝተቐመጠት ካሜራ ዝሃረሙ ይመስል" ኢሉ።
ኣብቲ መጥቃዕቲታት ዝተቐትሉ "ኣሸበርቲ" ዝበሎም ሽዱሽተ ሰባት'ውን ጸሪሑ።
ካብቶም ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ዋላ ሓደ ግን ካብኦም ኣይነበረን።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ንኻልኣይ ኣድማ ዝምልከት መርትዖ ኣይሃበን መብርሂ ኣይሃበን።
"ኣብ ውሽጢ ቴንዳ ምስራሕ፡ ኣብ ዝዀነ ህሞት እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ፈጺምካ ክትፈልጥ ኣይሕግዘካን'ዩ። እቲ ቴንዳ ወይ ከባቢኡ ዝርከብ ነገራት ብቦምባ ክድብደብ ይኽእል'ዩ - ሽዑ እንታይ ትገብር?" ይብል ወኪል ኣብ ቀጠር ዝመደበሩ ኣል-ዓረብ ቲቪ ዝዀነ ዓብደላ ሚቕዳድ።
"ዋላ'ኳ ድኻም እንተሃለወኒ፡ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ልዑል ትኹረት፡ ኣእምሮኣዊ ንቕሓት ዘለኒ ክኸዉን'የ ዝግደድ። እቲ ዝኸበደ ክፋል ግን ኣብ ከባቢየይ ዝፍጸም ኵሉ ነገር ምፍላጥን፡ እቲ ዘለኹዎ ቦታ ዒላማ እንተዀይኑ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ምሕሳብን'ዩ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
'ጥሜትን ቃንዛን ኣለና'
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ከተማ ቓዛ ንፈለማ እዋን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኣብ ምክትታል ውሕስነት መግቢ ዝሰርሕ ኣካል፡ ኣብቲ ግዝኣት ጥሜት ምህላው ከም ዝተረጋገጸ ገሊጹ።
ዝተዋደደ ምደባ ምዕራፍ ውሕስነት መግቢ (IPC) ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ልዕሊ 500 ሽሕ ሰባት "ጥሜት፡ ድኽነትን ሞትን" ከም ዘጋጥሞም ጸብጺቡ።
ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት'ዉን፡ ልክዕ ከምቶም እዚ ጸገማት ኣለዎም ብምባል ዛንታቶም ክንገር ዝገብሩዎም ዘለው ሰባት፡ ብጽንኩር ጥሜት ይሳቐዩ ኣለዉ።
"ሓንቲ ፍንጃል ቡን ብሽምብራ ወይ ሽኮር ዘይብሉ ሻሂ ጥራይ ይኸዉን ተጠቒመ ሙሉእ መዓልቲ ክሰርሕ ዝውዐዕል፡" ይብል ጋዜጠኛ ኣሕመድ ጀላል።
"ብኸቢድ ሕማም ርእስን ድኻምን ንሳቐ፡ ብሰንኪ ጥምየት ምኻድ'ዉን ይኣብየና። እንተዀነ ሕጂ'ውን ስራሕና ንቕጽል ኣለና፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AHMED JALAL
ኣሕመድ ብዙሕ ግዜ ምስ ስድርኡ ተመዛቢሉ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ንስድራቤቱ መግቢ፡ ማይን መጽለልን ንምውሓስ እናፈተነ ናይ ጋዜጠኝነት ስርሑ ይቕጽል ኣሎ።
"ቅትለት መሳርሕተይ ጋዜጠኛታት [ንዓለም] ክነግር ከለኹ ልበይ ይስበር፤ ኣእምሮይ ድማ እዚ ቀጻሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይነግረኒ... እቲ ቃንዛ ውሽጠይ ይበልዓኒ፡ ግን ነዚ ካብ ካሜራ ሓቢአ ስርሐይ ይቕጽል።"
"ዝተዓፈንኵ፡ ዝደኸምኵ፡ ዝጠመዅ፡ ዝፈራሕኵ ኰይኑ ይስምዓኒ - ከዕርፍ'ውን ነዚ ስራሕ ደው ከብል ኣይክእልን፡" ኢሉ።
'ስምዒትና እንገልጸሉ ዓቕሚ ስኢንና'

ጋዳ ኣል-ኩርድ፡ ንኽልተ ዓመት ብዛዕባ ሞትን ጥምየትን ዝምልከት ዜናታት ምሽፋን ከም ዝቐየራ ትዛረብ።
" ኲናት፡ ስምዒታትና ናይ ምግላጽ ዓቕምና ኣጥፊእና'ዩ" ኢሉ። "ኣብ ቀጻሊ ናይ ስንባደ ኩነታት ኢና ዘለና። ምናልባት እቲ ኲናት ምስተዛዘመ ነዚ ክእለት ዳግማይ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።"
ጋዳ፡ ኣብዚ ኲናት ዝሰምዓ ዘሎ ፍርሒ ካብ ደቃ ሓቢኣ፡ ኣብ መጀመርታ እቲ ኲናት ብሰንኪ ኣብ ደቡብ ቓዛ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ዑናታት ዝተቐብሩ ሓዋን ስድርኣን ዝተሰከመቶ ሓዘን ንውሽጣ ሙዑግ ኣቢላ እያ ትነብር ዘላ።
"እቲ ኲናት ስነ-ኣእምሮናን ስብእናናን ቀይርዎ'ዩ። ቅድሚ 7 ጥቅምቲ 2023 ናብ ዝነበርናዮ ንምምላስ ነዊሕ ናይ ሕውየት ግዜ ክወስደልና'ዩ።"







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







