23 ሰባት ዝቐተለ ንዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣውሮጳ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሩስያ

ብደብዳብ ሩስያ ዝዓነወ ህንፃ

ምንጪ ስእሊ, Dmitry Vlasov

ፕረዚደንት ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ቮንደር ለየን፡ በቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኪቭ ዝፈጸመቶ ቀዛፊ ሓያል መጥቃዕቲ ቍጥዐ ፈጢሩ። እቲ መጥቃዕቲ ካብ ሓምለ ንነጀው ካብ ዝተኻየዱ መጥቃዕቲታት እቲ ዝኸፍአ ኰይኑ፡ ኣብ ዋና ከተማ ዩክረይን ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣውሮጳ እውን ጉድኣት ኣውሪዱ።

በቲ ደብዳብ ኣርባዕተ ህጻናት ዝርከብዎም ብውሑዱ 23 ሰባት ከም ዝተቐተሉን ብዙሓት ከም ዝተጎድኡን፡ ሰብመዚ ዩክረይን ሓቢሮም።

ሓደ በዓል ሓሙሽተ ደርቢ መንበሪ ህንጻ ዓንዩ፡ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣውሮጳን ኣብኡ ዝርከብ ብሪትሽ ካውንስልን ድማ ዕንወት ወሪድዎም።

ፕረዚደንት ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ቮን ደር ለየን ኣብ ዝሃበቶ ተሪር መግለጺ፡ ሚሳይላት ሩስያ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ቤት ጽሕፈት ዲፕሎማሰኛታት ኣውሮጳ ከም ዝዓለቡ ብምግላጽ፡ "ክልተ ሚሳይላት ካብቲ ቤት ጽሕፈት 50 ሜትር ርሕቐት ብ 20 ካልኢት ፍልልይ ተኸታቲሎም ዓሊቦም" ብምባል ኣትሪራ ተዛሪባ።

ሓይልታት ዩክረይን፡ ሩስያ ኣስታት 600 ድሮናትን ልዕሊ 30 ባሊስቲክን ክሩዝን ሚሳይላት ከም ዘወንጨፈት ኣፍሊጦም። ኣብዚ ወርሒ፡ ኣብ ኪቭ ብሩስያ ዝተፈፀመ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ድማ ኰይኑ ኣሎ።

ዝበዝሑ ካብቶም ዝተቐተሉ፡ ካብ ፀጋማይ ሩባ ኪቭ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዞባ ዳነስኪ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ኣብ ሓምሻይ ደርቢ እዮም ነይሮም።

እቲ ደብዳብ ሚሳይላት፡ ሰባት ኣብ ዝደቀስሉ ሰዓት 3፡00 ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ዝተፈፀመ ኰይኑ፡ እቲ ህንጻ ድማ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ ኣሎ።

ኰዓትቲ መሽናት ንፍርስርስራ እቲ ህንጻ ክጸርጕ እንከለዉ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ድማ ናብቲ ዝተክኽ ዝነበረ ላዕለዋይ ክፋል እቲ ህንፃ ብምድያብ ብህይወት ዝተረፉ ኣብ ምእላሽ ተዋፊሮም ኣለዉ።

ሰብመዚ ካብቶም ዝተቐተሉ ህጻናት ደቂ 14 ን 17 ዓመት ከም ዝዀኑ ብምግላጽ፡ ካልኦት ሓያለ መንእሰያት ከም ዝቘሰሉ ድማ ኣፍሊጦም።

ኲናት ዩክረይን ደው ንምባል ብዋሽንግተን ዝተኻየደ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ፍረ ከምዘይተረኽቦ ዘመልክት ኰይኑ፡ እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሩስያ ድማ ንዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ኣቘጢዑ ኣሎ።

ቀዳማይ ምኒስትር ሰር ኪር ስታርመር፡ንቭላድሚር ፑቲን "ተስፋታት ሰላም ብምጽልማት" ክኸሶ እንከሎ፡ ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ካጃ ካላስ ድማ፡ " ኣሽካዕላል ኣብ ልዕሊ ጻዕርታት ሰላም" ኢሉ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ "ኣብ ክንዲ ዘተ ባሊስቲክ ሚሳይላት መሪጻ ኣላ" ብምባል ኣብ ልዕሊ ሩስያ "ሓድሽን ከቢድን ማዕቀ" ከም ዘድሊ ገሊጹ።

ሩስያ ሕጂ'ውን ንዘተ ድሌት ከም ዘለዋ'ኳ እንተገለጸት፡ ፕረዚደንት ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ቮን ደር ለየን ግና፡ "ካልእ ዘሕፍር መጠንቀቕታ'ዩ" ብምባል፡ ሩስያ "ንዩክረይን ምህዳድ ደው ከም ዘይተብል" ገሊጻ።

ደቂተባዕትዮ፣ ደቀንስትዮን ህጻናትን ካብ ምቕታል ሓሊፋ፡ ንሕብረት ኣውሮጳ ዒላማ ከም ዝገበረት ድማ እታ ፕረዚደንት ሓቢራ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ዝወረደ ጉድኣት ዘርእይ ምስሊ

ምንጪ ስእሊ, EU

መግለጺ ስእሊ, ጉድኣት ዝወረዶ ቤት ጽሕፈት ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ኬት ኬሎግ ድማ፡ ሩስያ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዝፈጸመቶ ኣዝዩ ዘሰንብድ መጥቃዕቲ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት ሰላም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ኢሉ።

ቻንስለር ጀርመን ፍረድሪክ መርዝ ብወገኑ፡ ሩስያ "መሊሳ ሓቀኛ ባህርያታ ኣርእያ'ላ" ብምባል፡ ቤት ጽሕፈት ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ዒላማ ደብዳብ ምዃኑ መርኣያ ሕንከት ኣልቦነት ክረምሊን ምዃኑ ክገልጽ ተሰሚዑ።

ወሃቢት ቃል ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዝዀነ ትካል ልኡኽ ዲፕሎማሲ ዒላማ ክኸውን ከም ዘይብሉ ጠቒሳ፡ ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ሩስያ ምላሽ ክህበሉ ከም ዝተሓተተ ሓቢራ።

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣንድረ ክሊን'ውን፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ከም ዝተጸውዐ ኣፍሊጣ።

ዘለንስኪ፡ ኣብ ከተማታትን ማሕበረሰባትን ዩክረይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ክረምሊን ነቶም ንሰሙናትን ንኣዋርሕን "ተዅሱ ደው ክብልን ንሓቀኛ ዲፕሎማሲ" ዝጸውዑን ዝሃበቶ ምላሽ'ዩ ኢሉ።

እዚ ማዕበል ደብዳብ ሚሳይላት፡ ብረቡዕ ኣብ መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ድሮን፡ ንልዕሊ 100 ሽሕ ዩክሬናውያን ኣብ ጸልማት ከም ዝሸሞም ኣብ ዝተገለጸሉ እዋን'ዩ ተፈጺሙ ዘሎ። ኣብ ማእከላዊ ቪኒትሲያ ብረቡዕ ለይቲ ብሰንኪ ዝተካየደ መጥቃዕቲ ድማ ካልኦት 60 ሽሕ ነበርቲ መብራህቲ ከምዝሰኣኑ ሰብመዚ ገሊጾም።

ካብ መጥቃዕቲ ሩስያ ንምህዳም ኣብ መፅለሊ ዝተዓቖቡ ዩክሬናውያን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዩክሬናውያን፡ ካብ መጥቃዕቲ ሩስያ ሃዲሞም ኣብ መዕቈቢታት ተሓቢኦም

ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ ኣንቶኒዮ ኮስታ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኪቭ ብዝፈጸመቶም መጥቃዕትታት "ከም ዝሰንበደ" ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ሓደ ህንጻ ዝርከብ ምስ ካልኦት ሃገራት ባህላዊ ዝምድናታት ዘደንፍዕ ብሪትሽ ካውንስል ኣዝዩ ከም ዝተሃሰየን ንዘይተወሰነ ግዜ ስርሑ ደው ከምዘበለን ኣፍሊጡ።

ኡርሱላ ቮን ደር ለየን፡ ሕብረት ኣውሮጳ መበል 19 ፓኬጅ ማዕቀባት ኣብ ልዕሊ ሩስያ የዳሉ ከም ዘሎን፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት መዳውብቲ ሩስያን መሻርኽታ ቤላሩስን ኣብ ዝዀና ሃገራት ኣባል ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ዑደት ከም እተካይድ ኣፍሊጣ።

ዓርቢ ናብ ኢስቶኒያ፡ ፖላንድ፡ ቡልጋሪያ፡ ሊትወንያን ሮማንያን ቅድሚ ምብጻሓ ኣብ ላቲቭያን ፊንላንድን ዑደት ከም ትገብር ሓቢራ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኲናት ዩክረይን ደው ንኽብል፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪን ቭላድሚር ፑቲንን ዝሳተፍሉ ጉባኤ ንምድላው ተተስፍዩ'ኳ እንተነበረ፡ ዛጊት ዝዀነ ፍረ ኣይተረኽበን።

ትራምፕ ፈለማ ኣብ ኣላስካ ንፑቲን ድሕሪ ምርካቡ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ዘለንስኪን መራሕቲ ኣውሮጳን ከም ዝተዘራረበ ይፍለጥ።

እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ህሞት፡ ሰብመዚ ኣመሪካ ንዓርቢ ምስ ልኡኽ ዩክረይን ክዘራረቡ እዮም።