ግዜ ክገዝእ ዝደሊ ዘለንስኪ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ እንታይ ገይሩ?

ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ብሰኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ ምስ ዶናልድ ትራምፕን ካልኦት መራሕቲ ኤውሮጳን ተራኺቡ ነይሩ።

ዘይከምቲ ኣብ ለካቲት ዝተኻየደ ዘሰንብድ ሕማቕ ስምዒትን ቍጥዐን ዝመልኦ ኣኼባ፡ ትራምፕን ዘለንስኪን፡ ዋላ'ኳ ዝተረፈ ፍልልያት እንተሃለዎም፡ ዝጓነጹ ዘለው ንኸይመስሉ ተዳልዮም ዝመጽኡ'ዮም ዝመስሉ ነይሮም።

ዘለንስኪ ኳሌታ ዘለዎ ሱፍ ተኸዲኑ ብምምጽኡ ትራምፕ ንኣከዳድናኡ ኣሞጊስዎ። ፕረዚደንት ዩክረይን'ውን ብተደጋጋሚ "የቐንየለይ" ኢሉ፤ እዚ ድማ ንኣአንጋዲኡ'ውን ኣሐጒስዎ ክኸውን ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ።

ዘለንስኪ ኣብ ኦቫል ኦፊስ ኣብ ዝገበሮ መኽፈቲ ዘረባ ብዙሕ ኣይተዛረበን - ወይ ድማ ምናልባት ድሌት ኣይነበሮን። እቲ ክብሎ ዝደለዮ ካብቲ ትራምፕ ክሰምዖ ዝደሊ ዝተፈልየ ከይከውን ፈሪሑ'ዩ ነይሩ።

እቲ ፍልልያት ከኣ ፕረዚደንታት ኣመሪካን ዩክረይንን ምስ መራሕቲ ኤውሮጳ ብሓባር ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛታት ምስ ቀረቡ ድሒሩ ተራእዩ።

ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ኣብ ዩክረይን ተዅሲ ምቍራጽ ቀጻሊ ስጕምቲ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም። ዘለንስኪ ኣብቲ ጉዳይ ብግልጺ ስቕ ኢሉ ጸንሐ።

ካብቶም መራሕቲ ከም ዝሰማዕናዮ፡ እቲ ብድሕሪ ዕጹው ኣኼባ ዝገበርዎ ዘተ፡ ኣብ ውሕስነት ጸጥታ ዩክረይንን ኣብ መንጐ ዘለንስኪን ፑቲንን ዝግበር ርክብን ዘተኰረ ምንባሩ ይሕብር።

እንታይ ዓይነት ውሕስነት ከም ዝዘተዩ፡ ወይ ድማ ምስ ፑቲን ኣብ ሓደ ክፍሊ ገጽ ንገጽ ምርኻብ ነቲ ኲናት ንምቍራጽ ብኸመይ ከም ዝሕግዝ ዘአንፍት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

ድሕሪ'ቲ ኣኼባ ግን፡ ዘለንስኪ ውሕስነት ጸጥታ "ኲናት ንምውዳእ መበገሲ" ክኸውን ኣለዎ ክብል ገሊጹ።

ኣቐዲሙ ካብ ዋይት ሃውስ ወጻኢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ውሕስነት ጸጥታ ኣብ መንጐ ኪቭን ዋሽንግተንን ዝተገብረ ስምምዕ ናይ 90 ቢልዮን ዶላር ከጠቓልል ከም ዝኽእልን፡ እዚ ድማ ስርዓታት ኣቭየሽን፡ ስርዓታት ጸረ-ሚሳይላትን ካልእ ክገልጾ ዘይደለየ ኣጽዋርን ሓዊሱ ኣጽዋር ኣመሪካ ከጠቓልል ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ዘለንስኪ ብተወሳኺ ኣመሪካ ናይ ዩክረይን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክትገዝእ ምዃና ገሊጹ፤ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምህርቲ ናይተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምዕባይ ክሕግዝ እዩ።

ዋላ'ኳ ነዚ ዝምልከት ወግዓዊ ስምምዕ እንተዘይተበጽሐ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ መዓልታት ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዝኽእል ዘለንስኪ ገሊጹ።

እቲ መራሒ ዩክረይን ግን ብዛዕባ ምስ ፑቲን ክገብሮ ዝኽእል ርክብ ክዛረብ ዝያዳ ድሉው ኰይኑ፡ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ብቐጥታ ክራኸብ ድሉው ምዃኑን ሞስኮ እንተ ተሰማሚዓ ድማ ትራምፕ ኣብቲ ድርድር ክጽንበር ከም ዝኽእልን ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፑቲን ክሳብ ሕጂ ምስ ዘለንስኪ ዝግበር ቀጥታዊ ተሓሲሙዎ'ዩ ጸኒሑ።

ንሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዩክረይን ኣብ መገዲ ሰላም ፈጺማ ደው ኣይክትብልን እያ" ክብል ኢሉ።

እንተዀነ፡ እቲ ኲናት ደው ዝብለሉ መዓልቲ ገና ኣይተቘርጸን።

እቶም መራሕቲ ኣብ ቅድሚ ማዕከናት ዜና ከልዕልዎ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ ዝመስሉ ዝነበሩ ሓደ፡ ጕዳይ ብዩክረይን ክግበር ዝኽእል ግዝኣታዊ ሕድገታት እዩ።

ዘለንስኪ፡ ካርታ ዩክረይን ንትራምፕ ከም ዘርኣዮ ጠቒሱ፤ ሩስያ ኣብ ዝሓለፉ 1000 መዓልታት ትሕቲ ሓደ ሚእታዊት መሬት ዩክረይን ክትሕዝ ከም ዝኸኣለት ኣስሚሩሉ።

እዚ ንዋይት ሃውስ ሓድሽ ሓበሬታ እዩ ነይሩ ኢሉ። ከምኡ'ውን መንፈስ ትራምፕ ንምቕያር ዝሓገዞ'ዩ ዝመስል።

"ኣብቲ ካርታ ዘሎ ሒዘ ክቃለስ ጸኒሐ'የ፡" ዝበለ ዘለንስኪ፡ ነቲ ኦቫል ኦፊስ ሩስያ ዝተቘጻጸረተን ግዝኣታት ንምርኣይ ዝተጠቐመሉ ካርታ ከም ዝተኻትዓሉ ገሊጹ።

"ኣብዚ ግዜ'ዚ ክንድዚ ዝኣክል መሬት ተታሒዙ ምባል ኣይከኣልን'ዩ። እዞም ነጥብታት ኣገደስቲ'ዮም።"

ዘለንስኪ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝገበሮ ዳሕረዋይ ምብጻሕ ተስፋ ዝረኸበ ይመስል።

ምስ ትራምፕ ዝገበሮ ርክብ "ልቡጥ" ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ዝነበሮ ተስፋ ግን፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝነበሮ ምብጻሕ ዘጋጠመ ኵነታት ንዘይምድጋምን ንኣመሪካውያን ኣአንገድቱ ነቲ ኲናት ኣብ ምውዳእ ዘሎ መርገጺ ኤውሮጳ ክቕበሉ ከእምንን ኣብ ዝጽዕረሉ ዝነበረ እዋን፡ ኰነ ኢሉ ዘርኣዮ ይመስል።

ምናልባት ግን እቲ ቀንዲ ውጽኢት ናይቲ ጕዕዞ ዩክረይን ዝያዳ ግዜ ክትገዝእ ምሕጋዙ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ትራምፕ ምስ መራሕቲ ኤውሮጳ ንፈለማ እዋን ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ ምስ ፑቲን ብስልኪ ምስ ተዘራረበ፡ ሩስያ ልክዕ ከምኡ ክትገብር ከም ዝኸኣለት ይሕብር።

ዋላ'ኳ ሰፊሕ ስግኣት እንተሃለወ፡ ኣብቲ ኣብ ኣላስካን ዋሽንግተንን ዝተኻየደ ዋዕላታት ዝዀነ ሓደጋ ኣየጋጠመን - ብውሑድ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ወግዓዊ ኰይኑ ዘሎ ነገራት።

እቲ ዝጸንሐ ኵነታት ክኣ ከም ዘለዎ ይቕጽል ኣሎ።