ኢማራት ዓረብ፡ እስራኤል ንምዕራባዊ ገምገም ክትጐብጥ 'ቀይሕ መስመር' ምሕላፍ'ዩ ኢላ

ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብ ሸኽ መሓመድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኢማራት ዓረብ፡ እስራኤል ንምዕራባዊ ገማግም ምጕባጥ፡ "ቀይሕ መስመር" ከም ዝሰገረት ዘርእን ነቲ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ክምለስ ዝገበረ መንፈስ ስምምዓት ኣብርሃም ዘዳኽምን ከም ዝኸውን ኣጠንቂቓ።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ምኒስተር ፋይናንስ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ቤዛለል ስሞትሪች፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ክፋል ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ንምጕባጥ ዝቐረበ እማመ ኣቃሊዑ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ ላዕለወይቲ ብዓልቲ ስልጣን ኢማራት ዓረብ ላና ኑሴበህ፡ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ጐንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን ንኸብቅዕ ዝድለ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ዝቐትሎ ክኸውን እዩ ኢላ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምምሕዳር ፍልስጤም፡ መርገጺ ኢማራት ዓረብ ብሓጐስ ከም ዝቕበሎ ገሊጹ።

መንግስቲ እስራኤል ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበን።

እስራኤል፡ ንምዕራባዊ ገምገምን ምብራቕ ኢየሩሳሌምን ኣብ እዋን 1967 ዝነበረ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣትሒዙ ካብ እትጐብጥ ንደሓር፡ 700,000 ኣይሁዳውያን ዝነብሩሎም 160 ሰፈራታት ሃኒጻ ትርከብ።

እዚ፡ ፍልስጤማውያን ንቓዛ ሓዊሱ ንመጻኢ ተስፋ ዝግበሩላ ሃገር ክሃንጽሉ ዘማዕድውዎ መሬት እዩ።

ኣብዚ፡ ኣስታት 3.3 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ኣብ ጐድኖም ይነብሩ። እቶም ሰፈራታት ድማ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ዘይሕጋውያን እዮም።

ብሸምግልነት ኣመሪካ ብ2020 ዝተበጽሐ ስምምዓት ኣብርሃም፡ ኢማራት ዓረብ፡ ባሕረይንን ሞሮኮን ምስ እስራኤል ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ክምስርታ ዝገበረ እዩ።

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ቅድመ-ዅነት፡ ኢማራት ዓረብ፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ዝመርሖ ዝነበረ መንግስቲ፡ ጐላጕል ዮርዳኖስ ሓዊሱ ንገለ ክፋል ምዕራባዊ ገምገም ንምጕባጥ ዝነበረ ውጥናት ደው ከብሎ ዝብል እዩ ነይሩ።

ናታንያሁ ኣብቲ እዋን፡ ነቲ ውጥናት "ከቋርጾ" ከም ዝተሰማምዐ፡ እንተዀነ ኣካል "መደባቱ" ኰይኑ ከም ዝጸንሕ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን፡ ናታንያሁ መብዛሕትኦም ምኒስትራቱ የማናውያንን ደገፍቲ ልፍንቲ ምምሕዳር ሰፋሮን ኰይኖም፡ ንነዊሕ እዋን ንገለ ክፋል ወይ ንዅሉ ምዕራባዊ ገማግም ናብ ግዝኣት እስራኤል ክሕወስ ይጣበቑ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ካልኦት ብርክት ዝበላ ሃገራትን ኣብ መስከረም፡ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክህባ ምዃነን ካብ ዝገልጻ ንደሓር ግን፡ ከምዚ ዓይነት መደባት ከሰጕሙ ድዮም ኣየሰጕሙን ክካትዑ ከም ዝጸንሑ ይግለጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ናታንያሁ፡ ድሕሪ'ቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ​​ኣፍልጦ ሃገርነት "ንግብረ ራዕዲ ሽልማት ምሃብ'ዩ፡" ኢሉ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ምኽንያት ናይቲ ገና ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ቓዛ ከም ዝዀነ ይፍለጥ።

ኢማራት ዓረብ ሓንቲ ካብተን ድሮ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ዝሃባ 147 ኣባል ሕቡራት ሃገራት እያ።

ተሓጋጋዚት ምኒስተር ፖለቲካዊ ጉዳያት ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢማራት ዓረብ ኑሰይበህ፡ "ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ፡ ስምምዓት [ኣብርሃም] ንህዝቢ ፍልስጤም ቀጻሊ ደገፍናን ናጻ ሃገር ንምርካብ ዘለዎ ሕጋዊ ባህግን ዘኽእል መንገዲ ገይርና ኢና ንርእዮ፡" ኢላ።

ወሲኻ ድማ፡ "ምዕራባዊ ገማግም ምጕባጥ፡ ንኢማራት ዓረብ ቀይሕ መስመር ምሕላፍ ክኸውን'ዩ። ንራእይን መንፈስን [እቲ] ስምምዓት ኣዝዩ ዘዳኽም፡ ምድላይ ዞባዊ ውህደት ዘብቅዕን፡" እዩ ክትብል ተዛሪባ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ክልተ ሃገራት ጐድኒ ንጐድኒ ብሰላም፡ ብልጽግናን ጸጥታን ንኽነብራ ዝሕግዝ መፍትሒ ግጭታት ንዝዀነ ስምምዕ ዝቕይር እዩ ክትብል ነቒፋ።

ቅድም ኢሉ፡ ስሞትሪች - ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ንዝግበር ውጥን ዝቈጻጸር ሕሉፍ ሃገራዊ መራሕን ሰፋሪን - ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ናይ ጐበጣ "ግዜ ኣኺሉ'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።

"ሃገር ምክፍፋልን ኣብ ማእከላ ግብረሽበራዊት ሃገር ምምስራትን ዝብል ሓሳብ፡ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክርሳዕ ኣለዎ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ንሱ፡ ካብ ምምሕዳር ሰፈራ ምኒስትሪ ምክልኻል፡ ንኣስታት 82 ሚእታዊት ናይቲ መሬት "ልዑላውነት እስራኤል ንምትግባር" ዝቐረበ እማመ ዘርኢ'ዩ ዝበሎ ካርታ ኣቕሪቡ።

እዚ ድማ ምስቲ "ዝለዓለ መሬት ምስ ዝተሓተ ዓረብ" ዝብል መትከል ዝሰማማዕ እዩ ኢሉ።

እቲ ዝተረፈ 18 ሚእታዊት ናይቲ መሬት ኣብ ከባቢ ሽዱሽተ ከተማታት ፍልስጤም - ጀኒን፡ ቱልካርም፡ ናብሉስ፡ ራማላ፡ ጀሪኮን ኬብሮንን - ብዝተነጸሉ ከባቢታት ዝቘመ እዩ።

ቤተልሄም ሓንቲ ካብተን ዘይተሓወሳ ካልኦት ብዙሓት ከተማታትን ዓድታትን ፍልስጤም ክትከውን ከላ፡ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ድሮ ኣብ 1980 ብእስራኤል ተጐቢጣ እያ።

እዚ ድማ ብመብዛሕትኡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ዘይረኸበ ስጕምቲ እዩ።

ስሞትሪች ፍልስጤማውያን፡ "ኣብ ቀረባ መጻኢ ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ እዚ ሎሚ ብምምሕዳር ፍልስጤም ዝግበር ዘሎ፡ ድሒሩ ድማ ብዞባዊ ስቪላዊ ኣማራጺታት ምሕደራ ዝግበር ዘሎ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ህይወቶም ምምሕዳር ክቕጽሉ እዮም፡" ኢሉ።

ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽር እስራኤል ዘይኰኑ ከባቢታት ምዕራባዊ ገማግም ዘመሓድር ምምሕዳር ፍልስጤም፡ ውጥን ስሞትሪች ንተስፋታት መንግስቲ ፍልስጤም "ቀጥታዊ ሓደጋ" ምዃኑ ገሊጹ።

ንመግዛእቲ እስራኤል ንምውጋድ ጐስጓስ ዝገብር ትካል ማእከል ኦፌክ ዝሰርሕ የሁዳ ሻውል፡ ንኻርታ ስሞትሪች ኣመልኪቱ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ካልእ ኣህጉር ዝነበረ ካልእ ካርታ የዘኻኽረኒ። ብቛንቋ ኣፍሪቃንስ [ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዝረብ] ነዚ ስርዓት ዝገልጽ ቃል ኣሎ፡" ኢሉ።

ብርክት ዝበሉ ኣህጉራውያን ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እስራኤል ድሮ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ስርዓት ኣፓርታይድ ተሰጕም ከም ዘላ ይድምድሙ።

መንግስቲ እስራኤል ነዚ ይነጽጎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስቲ እስራኤል ብስሞትሪእ ዝወጽአ ኣብ ከባቢ 'E1' ንዝካየድ ዓቢይ ፕሮጀክት ሰፈራ ኣጽዲቑ።

እዚ ድማ ንምዕራባዊ ገማግም ካብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ብኣድማዒ መንገዲ ቈሪጹ ንወሽመጥ ቓዛ ኣብ ክልተ ክመቕሎ ምዃኑ ቍጥዐ ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብ 2024 ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ፡ "ኣብ ዝተጐበጠ መሬት ፍልስጤም ዘሎ ቀጻሊ ህላወ እስራኤል ዘይሕጋዊ እዩ፡" ኢሉ ነይሩ።

እታ ሃገር ድማ፡ "ዘይሕጋዊ ህላወኣ... ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ከተብቅዕ ግዴታ ከም ዘለዋ፡" ገሊጹ።

ናታንያሁ፡ ቤትፍርዲ ኣብቲ እዋን እቲ፡ "ብሓሶት ውሳነ" ከም ዝወሰደ ገሊጹ ነይሩ።

ምዕራባዊ ገማግም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ምዕራባዊ ገማግም