ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጉዳይ ፍሉጥ ኣውፋሪ ኣቶ ኪሮስ ኣብርሃ ዘካየዶ ምፅራይ

ምንጪ ስእሊ, Filmon kiros
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል-ጉሙዝ፡ ብዝገበሮ ዕዙዝ ንግዳዊ ንጥፈታት ዝፍለጥ ኣቶ ኪሮስ ኣብርሃ፡ ኣብ ልዕሊኡን ወፍሪታቱን ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ ኣመልኪቱ ዘካየዶ ምፅራያት ዕላዊ ገይሩ።
እቲ በዓል ሓሙሽተ ገፅ ውፅኢት ምፅራያት'ቲ ኮሚሽን፡ ኣብያተ ፅሕፈት ከተማ ኣሶሳን ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልልን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣውፋሪ ኰነ ኣብ ልዕሊ ንብረቱ ዝውሰድ ዘሎ ኣካታዒ ስጕምቲ፡ " ሕጋዊነት ዘይተኸተለን ግልፅነት ዝጐደሎን" ክብል ይድምድም።
እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ'ታ ክልል- አሶሳ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ልምዓት-ሎጅ -ማንጐ ክሳተፍ ዝፀንሐን ኣውፋሪ፡ ቅድም ክብል ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ልክዕ ከም ካልኦት ተወለድቲ'ቲ ክልል፡ ንዘይሕጋዊ ማእሰርትን ዘመተን ተቓሊዑ ምንባሩን ካብ ሰነድ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ምርዳእ ተኻኢሉ።
ኣቶ ኪሮስ ኣብርሃ ምስዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሮዚና ሰሎሞን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሚያዝያ 25 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከብ ቢቢሲ ካብ ኣባላት ስድራ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ጓል እቲ ኣውፋሪ ዝዀነት ወይዘሪት ፍያሜታ ኪሮስ፡ ኣደኣ ወይዘሮ ሮዚና በዓል ገዛኣ ብኣባላት ፀጥታ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝወዓለሉ እዋን፡ 'ስለምንታይ ትኣስሩዎ ኣለኹም?' ብዝብል ሕቶ ኣብ ዘልዐለትሉ እዋን፡ ብኣባላት ፖሊስ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀማ'ውን ትዛረብ።
ንሳ ከምእትብሎ፡ ኣብቲ እዋን ክልቲኦም ሰብ-ሓዳር ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣትዉ ጀሚሮም፡ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ዘቝፀሩ ዀይኖም፡ ምኽንያት መእሰሪኦም ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን።
ከምኡ'ውን፡ ሓይልታት ፀጥታ'ቲ ክልል፡ ነቶም ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝርከቡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣውፈርቲ፡ ናብቲ ክልል ክወስዶም ዝፍትን ዘሎ ዀይኑ፡ 'ከምኡ ምግባር፡ ንድሕነት ወለደይ ሓደገኛ ብምዃኑ፡ ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ፈደራል ኣፍሊጠ ኣለኹ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊፃ።
ንሳ ልዕሊ ዅሉን ዘተሓሳስባ ድሕነት ወለዳ ከምዝዀነ ዝተዛረበት ኰይና፡ ቕልጡፍ ፍትሒ ክረኽቡን ተማሕፂና።

ምንጪ ስእሊ, Filmon kiros
እቲ ዘዘራርብ ዘሎ ቦታ፡ ኣብ ኣሶሳ ብልዕሊ 2 ቢልዮን ብር ዝግመት ዝለምዐ ማእከል መዘናግዒ ዀይኑ፡ ኣስታት 23 ሽሕ ትርብዒት ሜትር ከምዝዀነ ካብታ ኣባል እቲ ስድራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከንቲባ ግን፡ ስፍሓት እቲ ቦታ 30 ሽሕ ሄክታር ከምዝዀነነን፡ ንኣርባዓ ዓመታት ብዝግባእ ዘይለምዐን ዝብል ምላሽ፡ ከምዝሃበ ኣብ ሰነድ እቲ ኮሚሽን ሰፊሩ ይርከብ።
እቲ ቦታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሰበስልጣን ክልላዊ መንግስቲ 'ንልምዓት ተደልዩ' ብዝብል ንምምንዛዕ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ፡ ኣገባብ ዘይተኸተለን መሰል ንብረት ሰብናይ ብዘየኽብርን ብምዃኑ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልፁ።

ምንጪ ስእሊ, Family
እዚ ጉዳይ ብዝምልከት ሰብስልጣን እቲ ክልልን እታ ከተማን ንምዝርራብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰመረን።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ ኣሶሳ፡ ኣቶ ከማል ኣሕመድ፡ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "እዚ ጉዳይ ብዝምልከት ዝፈልጦ ነገር የብለይን" ዝብል ሓፂር ምላሽ ብምሃብ፡ ፍቓዳኛ ከይኰነ ተሪፉ።
ሰነድ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እንታይ ይብል?
እቲ ዘካትዕ ዘሎ ቦታ ብዝምልከት ጥርዓን ዝቐረበሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ሓደ ኣጻራዪ ጉጅለ ኣጣይሰዱ ናብቲ ከባቢ ልኢኹን፡ ነቲ ማእከል ልምዓት ብኣካል ብምርኣይን፡ ነዚ ጸብጻብ ከምዘሰናደአ ይሕብር።
ብምዃኑ'ውን፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ሕጋዊን ምሕደራውን ሰነዳትን ሰብኣዊ መሰኻኽር ዓይንን፡ ኣቶ ኪሮስ ሕጋዊ ኣገባባት ተኸቲሉ ነቲ ትሕዝቶ ከምዝወነኖን፡ ሕጋዊ ፍቓድ ወፍሪ ከምዘለዎን ኣረጋጊፁ።

ምንጪ ስእሊ, Filmon Kiros
ከምኡ'ውን፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ሰፊሕ ዘመተን ስርቅን ተፈጺሙዎ፡ ዓንዩ ከምዝነበረ፡ እቲ ኣውፋሪ ተመሊሱ ከልምዕ ብኮሚሽን ወፍሪ ብዝተገብረሉ ሕቶ፡ ደጊሙ ናብ ልምዓት ከምዝኣተወ እቲ ኮሚሽን ኣብሪሁ።
ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር እታ ከተማ ግን፡ ብመሰረት 'ዘይለምዑ ትሕዝቶታት ከፃሪ' ካብ ቤትጽሕፈት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝተውሃቦ ኣንፈት፣ ካብኣቶም ሓደ እዚ ማእከል ኰይኑ ከምዝረኸቦ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ'ሎ።
ብኻልእ ወገን፡ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር እቲ ክልል፡ 10 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ዛካየዶ ኣኼባ፡ እቲ ትሕዝቶ ካብቲ ኣውፋሪ ተመንጢሉ፡ ንልምዓት መንግስቲ ክውዕል ከምዝወሰነ መረዳእታት የመልክቱ።

ምንጪ ስእሊ, Filmon
ከምኡ ዀይኑ'ውን፡ መንግስታዊ ኣካላት፡ ወናኒ እቲ ትካል ኣብ ዘይተሳተፈሉ ብዝሒ ንብረትን ኣትክልትን ቈፀራ ከካይዱ ምፍታኖም፡ መሰል ተንቀሳቒስካ ምንባርን ምፍራይ ንብረትን ዝጥሕስን፣ ግልፅነት ዝጐደሎን ስጕምቲ ምዃኑ ብምንቃፍ፡ ሰብመዚ ክልላዊ መንግስቲ ቅልጡፍ መእረምታ ክወስዱ እቲ ኮሚሽን ኣተሓሳሲቡ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ሰነድ፡ እቲ ወናኒ ካብቲ ትሕዝቶ ንምልቃቕ ዝግበር ሓይሊ ዝመልኦ ዝበሎ ማእሰርቲ ደው ክብል ዝሓተተ ዀይኑ፡ እቲ ቦታ ናይ ግድን ንልምዓት እንተተደልዩ ድማ ኣገባብ ብዘለዎ ሕጊ ተኸቲሉን፡ በዓልናይ ግቡእ ካሕሳን ግዜን ብዝረኽበሉ መገዲ ክኸውን ኣስሚሩሉ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ምፅራዩ፡ ኣብቲ ማእከል መዘናግዒ ብኣማኢቲ ዝቝፀሩ ዓይነታት ተፈጥሮኣዊ ዕፀዋት ከምዝተዓቀቡ ዝተመልከተ ዀይኑ፡ እቲ ኣውፋሪ ተፈጥሮ ብምዕቃብ ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ኣፍልጦ ከምዝረኸበ'ውን ኣረጋጊፁ እዩ።
ኣቶ ኪሮስ ኣብርሃ ቅድሚ ምእሳሩ፡ ነቲ ጉዳይ ሕጋዊ ፍታሕ ከረክብን ነቲ ምምንዛዕ ማእከል መዘናግዒ ደው ክብልን ክንቀሳቐስ ከምዝፀንሐ ካብ ኣባላት ስድራን ካብ ሰነዳትን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







