ኣቓልቦ ዘይተዋህቦ መስመር ስደት፡ 'ንሽውዓተ ኢትዮጵያውያን ናብ ባሕሪ ደርብዮሞም'

ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓደን - የመን፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብዘይምርካቦም ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓደን - የመን፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብዘይምርካቦም ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ወዲ 35 ዓመት መሓመድ ዓብደላሂ መሓመድ፡ ኣብ ፈለማ ዕስራታት ዕድመኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ብጃልባ ዝገበሮ ንህይወቱ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝነበረ ጕዕዞ ይዝክር።

ከም ብዙሓት መዛንኡ ዝሓሸ ዕድላት ከናዲ ኢሉ እዩ ካብ ሃገሩ ሶማልያ ክወጽእ ነቒሉ።

እቲ "ምብራቓዊ ኮሪደር" ተባሂሉ ዝፍለጥ ካብ ኣፍሪቃ ናብ የመን ዝግበር ጕዕዞ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ኣዝዮም ጽዑቓት መስመራት ስደት ሓደ'ዩ፤ እንተዀነ ብዙሕ ዓለማዊ ኣቓልቦ ኣይተዋህቦን።

ከምቲ መሓመድ ዝተመኮሮ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት እውን እዩ።

"ጕዕዞና ሰላሳ ደቓይቕ ምስ ገበረ፡ እታ ጃልባ ክትናወጽ ጀሚራ፡" ይብል።

"እቶም የመናውያን ኣሰጋገርቲ ብዓረብኛ ክዛረቡ ጀሚሮም፤ እቲ ዘረባ ሰባት ካብታ ጃልባ ንኽድርብዩ እዩ ነይሩ። ንሸውዓተ ኢትዮጵያውያን ኣገዲዶም ካብታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ደርብዮሞም።"

እዚ መስመር ሓደገኛ'ኳ እንተዀነ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ግን ነዚ ጕዕዞ ገና ይቕጽልዎ ኣለዉ።

ዓመታዊ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ካብ ኣፍሪቃ ናብ የመን ከምዝኣትዉን፣ ብብዝሒ ድማ ስደተኛታት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ካብ ኢትዮጵያ፡ ውሑዳት ካብ ሶማልያን ጅቡትን ዝመጹ ምዃኖም፡ ማእከል ምትሕውዋስ ስደተኛታት (MMC) ይግምት።

ኣብታ መሓመድ ተሳፊሩዋ ዝነበረ ጃልባ 47 ኢትዮጵያውያን፡ ሓሙሽተ ሶማላውያንን ክልተ የመናውያን ሰምሰርቲን ነይሮም።

"ኣዝዩ ዘጨንቕ እዩ ነይሩ፡" ይብል - መሓመድ።

"ማይ ናብታ ጃልባ ክኣቱ ጀሚሩ፤ ከብዲ ኣእዳውና ኣላጊብና ክንጭንጕዖ ንፍትን ነይርና፡" ይብል።

ካብ 2014 ኣትሒዛ የመን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ ስለዘላ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ናብታ ልዑል ጠለብ ዓያዪ ጉልበት ዘለዎ ስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ ፈቲኖም።

ጠንቂ ስደት ብዓቢኡ ቍጠባዊ'ኳ እንተዀነ፡ ብቐንዱ ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝመጹ ኢትዮጵያውያን ግን ብሰንኪ ግጭት፡ ዓመጽን ቅትለትን ሃዲሞም ዝስደዱ ዘለዉ ግን ቍጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ይገልጽ።

ጕዕዞ ብጅቡትን ሶማልያን

ካርታ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ንወሽመጥ ዓደን ዘስግር ኣመና ኣጸጋሚ መስመር፡ ክልተ ቀንዲ ጨናፍር ኣለዎ።

እቲ ሓደ፡ ካብ ኦቦክ ኣብ ጅቡቲ ነቒልካ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ የመን እትርከብ ከተማ ላሂጅ ዘብጽሕ መስመር ክከውን እንከሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ቦሳሶ ሶማልያ ተበጊሱ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ የመን ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ሻብዋ ዝበጽሕ እዩ።

መሓመድ ክልቲኡ መስመራት ፈቲንዎ እዩ። ካብ ጅቡቲ ናብ ላሂጅ ዝገበሮ ጕዕዞ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ እዩ ነይሩ። ኣብ 2014 ናብ ሶማልያ ምስ ተመልሰ ድማ ካብ ቦሳሶ ነቒሉ ናብ የመን ተመሊሱ።

"ኣብዚ ካልኣይ ጕዕዞ፡ ኣቐዲመ ስለዝተመኮርኩ ብዙሕ ፍርሒ ኣይነበረንን፤ ግን ኣዝዩ ዝነውሐ'ዩ ነይሩ። ናብ የመን ንምብጻሕ 24 ሰዓታት ወሲዱልና፡" ይብል።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ዓለም፡ ጅቡቲ ናብ የመን ቀዳመይቲ መሰጋገሪት ሃገር ኰይና ኣላ። ኣብ 2023፡ ኣስታት 106 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣትዮም።

ኣብ መሰጋገሪ ነቝጣታት ጅቡቲ ንምብጻሕ ኣመና ኣሸጋሪ ሰሙናት ክወስድ ዝኽእልን እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ኣምሓራ ተበጊሶም ናብ ኦቦክ ንምብጻሕ 400 ኪሎ ሜትር መንገዲ ክኸውን ይኽእል።

ገሊኦም መካይንን ኣውቶቡሳትን ክወስዱ እንከለዉ፣ ብዙሓት ግን ብእግሪ ይጓዓዙ። እዚ ድማ ኣብቲ 50 ዲግሪ ሰልሽየስ ዝበጽሕ ብርቱዕ ሙቐት ጕዕዞ በረኻታት ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ምስ በጽሑ፡ እቶም ስደተኛታት ወሽመጥ ዓደን ንምስጋር መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ሰምሰርቲ 300 ዶላር ይኸፍሉ።

ዞባዊ ዳይረክተር ኤምኤምሲ ኣይላ ቦንፊልዮ፡ ስምሰራ ዓቢ ንግዲ ኰይኑ ከምዘሎ ትዛረብ።

"300 ዶላር ብሕሳብ ንሓደ ሰብ፡ በቶም ኣብ ዓመት ነዚ መንገዲ ዝሰግሩ ኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት እንተ'ርቢሕናዮ፡ ብዛዕባ 30 ሚልዮን ዶላር ቍጠባ ኢና ንዛረብ ዘለና፡" ትብል።

"ኣብ የመን ዘሎ መንግስታዊ ባዶነት፡ እዚ ከምዚ ዓይነት መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንኽስስን ምቹእ ሃዋህው ፈጢሩ" ከምዘሎ ተረድእ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት 1400 ስደተኛታት ጥሒሎም ከምዝሞቱ ትካል ስደተኛታት ይግምት። ቦንፊልዮ ግን እቲ ኣሃዝ ካብዚ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእል ትኣምን።

"እዚ ምብራቓዊ መስመር ኣብታ ኣህጉር እቲ ሓደገኛ ምዃኑ ብሰፊሑ ይግመት" ትብል።

"ዝኾነ ዓይነት ዘይሕጋዊ ምስጋር ባሕሪ፡ ሕማቕ ኣቃውማን መሳርሒታትን ዘለወን ጀላቡ'ዩ ዝጥቀም፡" ትብል።

"ኣብ ባሕሪ ንዝሞቱን ዝጠፍኡን ሰባት ኵለመዳያዊ ክትትል ስለዘይብልና፡ እዚ ቁጽርታት ንእሽቶ ግምት'ዩ ምባል ዝሓሸ እዩ።"

መሓመድ ዓብደላሂ ማሕሙድ ኣብ 2010
መግለጺ ስእሊ, መሓመድ ዓብደላሂ ማሕሙድ ኣብ 2010 ናብ የመን ጕዕዞኡ ንምጅማር ካብ ሞቓድሾ ዝተበገሰላ መዓልቲ

ስደተኛታት ንምዝመዛን ግህሰትን ዝተቓልዑ እዮም

እቲ ናብ የመን ዝወስድ መንገዲ ሓደገኛ ዝገብሮ ብባሕሪ ዝሓልፍ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስደተኛታት ንግህሰትን ምዝመዛን ከዝቁልዑ ምዃኖም፡ ቦንፊልዮ ትዛረብ።

"ዝሓለፈ ዓመት ን350 ስደተኛታት ቃለ መሕትት ብምግባር መጽናዕቲ ኣካይድና ኢና፣ ዳርጋ ኵሎም በቶም ሰምሰርቲ ግጉይ ሓበሬታ ከምዝተዋህቦም ይገልጹ" ትብል።

"መብዛሕትኦም፡ እቲ ዝወረዶም ኣካላዊ ዓመጽ፡ ስርቂ፡ ምትላል፡ ዝምታን ዘጠቓልል ምዝመዛ በቶም ኣሰጋገርቲ እዩ ተፈጺሙ" ትውስኽ።

እዞም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብቲ ናይ መወዳእታ መዕለቢኦም ዝዀነት ስዑዲ ዓረብ እውን ኣብ ሓደጋ ምዝመዛ ከምዘለዉ ትዛረብ። እዚ ይዅን ግን ፈለማ ነታ ብኲናት ዝተዳህከት የመን ክሰግሩ ኣለዎም።

"እቲ ኲናት ንጕዕዞና ዝያዳ ሓደገኛ ገይርዎ" ይብል መሓመድ።

እቲ ኲናት ምስተላዕለ፡ ካብ የመን ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምብጻሕ ን11 መዓልታት ዝወሰደ ጕዕዞ እግሪ፣ ብውሑድ መግብን ማይን ነታ ሃገር ከምዝሰገሩ ይዝክር።

"ሓንቲ ምሳና ዝተበገሰት ሰበይቲ፡ ብሰንኪ ጥሜትን ዋሕዲ ፈሳሲን ኣብ መንገዲ ሞይታ" ይብል።

ስዑዲ ዓረብ፡ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ክትዓግት ፈቲና እያ። ኣብ 2023 ሓለዋ ዶብ እታ ሃገር፡ ዶብ የመን-ስዑዲ ዓረብን ክሰግሩ ዝፈተኑ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ከምዝቐተሉ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ይሕብር።

እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝሕብሮ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ስዑዲ ዓረብ መብዛሕትኦም ኣብ ስራሕ ገዛን ህንጻን ዝተዋፈሩ ኣስታት 750,000 ኢትዮጵያውያን ኣለዉ።

"ንስደተኛታት ኣዝዩ መሰል ዘየረጋግጽ ስራሕ እዮም ዝሰርሑ፤ እንተተታሒዞም ክእሰሩን ክጥረዙን ይኽእሉ።"

"ኣብ ስዑዲ ዓረብ ደረጃ ነባርነት ስሩዕ ዝገብሩሉ መንገዲ ስለዘየለ ድማ ተሓቢኦም ክነብሩ ይግደዱ።"

ብሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዝተታሕዙ ስደተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዓዶም ይምለሱ። መሓመድ ባዕሉ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ድሕሪ ምስራሕ ኣብ 2021 ተሰጒጉ።

ኣብ ሞቃድሾ ናብ ቤቱ ተመሊሱ፡ ሕጂ ምስ በዓልቲ ቤቱን ሓሙሽተ ደቁን ራክሻ እናዘወረ ይነብር ኣሎ።

ናብ ሶማልያ ምምላስ ኣጸጋሚ እኳ እንተነበረ፡ ሰባት ግን ነቲ ንሱ ዝሓለፎ መገዲ ስደት ብምጕዓዝ ኣብ ሓደጋ ክወድቁን ኣይመኸሮምን እየ፡ ይብል።

"ኵሉ ሰብ ኣብ ሃገሩ እምነት ክህልዎን ትዕግስቲ ክገብርን ጥራይ እመክር። ከምዚ ዓይነት ጕዕዞ ጽቡቕ ኣይኮነን።"