ኣብ ባሕሪ ጅቡቲ ዝሞቱ ልዕሊ 45 ስደተኛታት ኵሎም ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ተረጋጊጹ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ዝጠሓሉ ስደተኛታት ኵሎም ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (ኣይኦኤም) ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቲ ትካል ብሓሙስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብተን ጀላቡ ዝነበሩን በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ልዕሊ 45 ሰባትን ኵሎም ኢትዮጵያውያን ከምዝዀኑ ገሊጹ።
እቶም ካብ የመን ብኽልተ ጀላቡ ናብ ጅቡቲ ዝምለሱ ዝነበሩ 310 ስደተኛታት ቅድሚ ናብ ገምገም ባሕሪ ምብጽሖም በቶም ነተን ጀላቡ ዝዝውሩ ዝነበሩ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት፡ ናብ ባሕሪ ክኣትዉ ኣብ ዝተገደዱሉ እዋን እቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ምብጽሑ ኣረዲኡ።
በቲ ፍጻመ ብውሕዱ 45 ሰባት ክሞቱ ከለዉ ልዕሊ 100 ደሃዮም ዝተሳእነ ስደተኛታት ንምርካብ ድማ ኣለሻ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ጅቡቲ ሓጋዚ ርክባት ኣይኦኤም ካውሰር ሳዓድ ንቢቢሲ ከምዘረጋገጾ፡ ኵሎም በተን ጀላቡ ካብ የመን ናብ ጅቡቲ ዝምለሱ ዝነበሩ ሰባት ኢትዮጵያውያ’ዮም።
ኵሎም እቶም ኣብ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ዝተረጋገጸን ሃለዋቶም ዘይተፈልጠን ካብ የመን ብጅቡቲ ኣቢሎም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ስደተኛታት ምንባሮም ተገሊጹ።
ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፉ 197 ሰባት ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኦቦክ ሕክምናዊን ካልእን ድጋፍ ይግበረሎም ከምዘሎ ሚኒስተር ኣማኻሪ ክፍሊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ኣቶ ኣደራ ተመስገን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣቶ ኣደራ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ብሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ከይተሓዙ ብምፍራሕ ነቶም ስደተኛታት ካብታ ጃልባ ክወርዱ [ናብ ውቅያኖስ ክዘልሉ] ስለዘገደድዎም ዝበዝሑ ካብኣቶም ከኣ ሓምቢሶም ክወጹ ኣይከኣሉን" ክብል ነቲ ኵነታት ኣረዲኡ።
ኣይኦኤም እውን እቲ ሓደጋ ኣስገርቲ ነቶም ስደተኛታት ካብተን ጀላቡ ናብ ባሕሪ ክኣትዉ ብምግዳዶም ከምዝሰዓበ ኣረጋጊጹ።
እተን ካብ የመን ናብ ጅቡቲ ዝምለሳ ዝነበራ ክልተ ጀላቡ ልዕሊ 300 ሰባት ጽዒነን ነይረን። ኣብታ ሓንቲ 100 እታ ካልአይቲ ከኣ 210 ስደተኛታት ሒዘን ናብ ጅቡቲ ይምለሳ ምንባረን ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ተዛሪቦም።
ሓንቲ ሰበይቲ ጥሒላ ክትመውት ከላ ቆልዓ ኣርባዕተ ወርሒ ውላዳ ግን ምስ ካልኦት 98 ሰባት ብህይወት ከም ዝደሓነ እቶም ውጻእ ሓደጋ ገሊጾም።
ኣብ ዓለም ካብ ዝፍርሑ መሳገሪ ባሕሪ ሓደ ከምዝዀነ ዝዝረበሉ እዚ መስመር ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብታ ኣህጉር ንምውጻእ ይጥቀምሉ።

ምንጪ ስእሊ, Djibouti Coast Guard
ሓለዋ ባሕሪ ጅቡቲ ምስ ኣይኦኤም ብምትሕብባር ነቶም ዛጊት ደሃዮም ዝጠፍአ ሰባት ንምርካብ "ሰፊሕ ፍተሻ" የካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ሎ።
በብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንቀይሕ ባሕሪ ተጠቒሞም ናብተን ብነዳዲ ዝሃብተማ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ይሰግሩ። እቶም ስደተኛታት ኣብ ሃገራቶም ካብ ዘሎ ግጭታት፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ምኽባር ናብራን ዝሃድሙ ምዃኖም ይግለጽ።
ኣብ ሰነ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ጥቓ ዶብ የመን ሓንቲ ጃልባ ብምግልባጣ 56 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 140 ሰባት ድማ ደሃዮም ምጥፍኡ ይዝከር።
ግዳያት እቲ ሓደጋ ካብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝመጹ ስደተኛታት እዮም ነይሮም። ካብቶም ዝሞቱ 31 ደቂ ኣንስትዮን ሽዱሽተ ህጻናትን ይርከብዎም።
ቍጽሪ ናይቶም ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመን ዝጓዓዙ ስደተኛታት ኣብ 2022 ካብ ዝነበሮ 73 ሽሕ ናብ 97 ሽሕን 200 ከምዝዓበየ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







