30 ዝበስበሱ ሬሳታት ዝሓዘት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ተረኺባ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ገማግም ባሕሪ ሰኔጋል ብውሕዱ 30 ዝበስበሱ ሬሳታት ኣብ ሓንቲ ጃልባ ከምዝተረኽቡ ወተሃደራዊ ሰብመዚ ኣፍሊጦም።
ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ሓንቲ ጀልባ ካብ ርእሰ ከተማ ዳካር ኣስታት 70 ኪ.ሜ (45 ማይልስ) ርሒቓ ደው ኢላ ምህላዋ ከምዝተሓበረ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ኤክስ' ዝወጸ ወተሃደራዊ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ብሰኑይ 23 መስከረም 2024 ከኣ ነታ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ንእሽቶ ጀልባ ናብ ወደብ ኣምጺኦምዋ።
"ስርሒታት ምውጻእ፡ ምልላይን ምስግጋርን [ግዳያት] ብሰንኪ’ቲ ከቢድ ምብስባስ ሬሳታት ኣዝዩ ዝረቐቐ ክኸውን ግድን ኰይኑ ኣሎ" ይብል እቲ መግለጺ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ሰኔጋል ናብ ደሴታት ካናሪ ስጳኛ ዝብገሱ ስደተኛታት ቍጽሮም ወሰኽ ኣርእዩ'ሎ። እቲ ርሕቀት ልዕሊ 1500 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ጕዕዞ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ እዩ።
ዝተረኸቡ ሬሳታት ክሳብ ክንደይ ከም ዝበስበሱ ኣብ ግምት ብምእታው እቶም ስደተኛታት ብገፈፍቲ ዓሳ ቅድሚ ምርካቦም ንነዊሕ መዓልታት ኣብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ክንሳፈፉ ጸኒሖም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይእመን።
እታ ጃልባ መዓስን ካበይን ከምዝተበገሰት ከምኡ’ውን ክንደይ ሰባት ኣብታ ጃልባ ከምዝነበሩ ንምፍላጥ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ እቲ ሰራዊት ሓቢሩ።
ኣብ ነሓሰ’ውን ሰኔጋላውያን ስደተኛታት ምዃኖም ዝእመን ብውሕዱ 14 ዝበስበሱ ሬሳታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ ብሓደ ናይቲ ከባቢ ገፋፍ ዓሳ ተረኺቦም ነይሮም።
መንግስቲ ሰኔጋል፡ ምስ ስደተኛታት ዝተኣሳሰር ሞት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ነቲ ዘይሕጋዊ ስደት ንምምካት ናይ 10 ዓመት ውጥን ኣብ ነሓሰ ወግዓዊ ምግባሩ ይግለጽ።
ሰብመዚ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ጀላቡ ዝነበሩ ኣማኢት ስደተኛታት ካብ ጉዕዞ ባሕሪ ገቲኦም።
ዘሕዝን ክስተታት ብተደጋጋሚ እኳ እንተጋጠመ፡ ግን ድማ ሽቕለት ኣልቦነት፣ ግጭትን ድኽነትን መንእሰያት ነቲ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ደሴታት ካናሪ ስጳኛ ዝወስድ ሓደገኛ መስመር ባሕሪ ክመርጹ ይድርኾም።
ገለ ሰኔጋላውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝዋፈራ ናይ ወጻኢ መራኽብ ዓሳ ብምብዝሐን ድሕሪ ሕጂ ዓሳ ብምግፋፍ ክነብሩ ከምዘይክእሉ እዮም ዝዛረቡ። ስለዚ ናብ ስደት ክብገሱ ወይ ድማ ጀላቡኦም ካልኦት ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ሰባት ክጥቀሙለን ከካርይዎም ይመርጹ።
ምዕራብ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት፡ መስመር ደሴታት ካናሪ ሓደገኛ'ኳ እንተዀነ ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ክጥቀሙሉ ዝመርጹሉ ምኽንያት ግን ንምድረበዳ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ምሕላፍ ከየድለዮም ሓደ ጕዕዞ ጥራይ ስለዝሽፍን እዩ።
ፍሮንቴክስ ዝተበሃለ ትካል ዶብ ኣውሮጳ ከምዝሓበሮ እቲ ብመስመር ኣትላንቲክ ዝግበር ጕዕዞ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንክነጻጸር ብ161 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ደሴታት ካናሪ ከምዝበጽሑ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ዳርጋ 1000 ስደተኛታት ኣብ መንገዲ ከም ዝሞቱ ወይ ከም ዝጠፍኡ ይፍለጥ። እዚ ቁጽሪ ግን ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ተኽእሎ ኣለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







