ምክትል ቀ/ሚኒስተር ኢጣልያ መርከብ ስደተኛታት ከይትጽጋዕ ብምኽልካሉ ንማእሰርቲ 6 ዓመት ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣኽበርቲ ሕጊ ኢጣልያ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ማትዮ ሳልቪኒ፡ ኣብ ነሓሰ 2019 ንሓንቲ መርከብ ስደተኛታት ከይተጽጋዕ ብምኽልካሉ፡ ንሽዱሽተ ዓመት ክእሰር ይሓቱ ኣለዉ።
እታ ብማሕበር ግብረሰናይ ‘ኦፐን ኣርምስ’ እትመሓደር መርከብ፡ ቤት ፍርዲ ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ክትጽጋዕ ቅድሚ ምእዛዙ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ኣብ ባሕሪ ከተንሳፍፍ ጸኒሓ።
ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝነበረ ሳልቪኒ፡ ብ'ጭውያታትን ሸለልትነትን' ንዝቐረበሉ ክሲ ኣይቅበሎን።
ትማሊ ቀዳም፡ ኢጣልያ "መዕቈቢ ስደተኛታት መላእ ኣውሮጳ" ከይትኸውን ደው ከም ዘበላ ብምግላጽ፡ "ንኢጣልያን ኢጣልያውያንን ብምጥባቐይ ገበነኛ ተባሂለ" ኢሉ።
እታ 'ኦፐን ኣርምስ' እትበሃል መርከብ፡ ኣብ ላምፔዱሳ ከይትዓርፍ ኣብ ዝተኸልከለትሉ እዋን፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝነቐሉ ኣስታት 147 ስደተኛታት ጽዒና ከምዝነበረት ይዝረብ።
እታ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ መሬት ኢጣልያ ገጻ እትርከብ ደሴት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንኣሽሓት ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት መዕለቢት ኰይኑ ጸኒሓ እያ።
ኣብ ጥቅምቲ 2013፡ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ደሴት ላምፐዱሳ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ዝዝከር እዩ።
ሳልቪኒ ከም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት መጠን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንዘይምትብባዕ፡ "ወደባት ምዕጻው” ዝብል ፖሊሲ ኣተግቢሩ።
ኣባላት እታ መርከብ፡ እታ መርከብ ኣብ ባሕሪ ተታሒዛ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ሂወትን ኵነታት ጽሬትን እቶም ስደተኛታት ንሓደጋ ከምዝተቓለዐ - ንለበዳ ሕማም ስካቢስ ሓዊሱ ንሕማማት ከም ዝተቓልዑ መስኪሮም እዮም።
ዓቃቢ ሕጊ ጌሪ ፈረራ፡ ንቤት ፍርዲ ሲሲሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሓደ ዘየካታዕ መሰረታዊ መትከል" ከምዘሎ ገሊጹ።
"ኣብ መንጐ ሰብኣዊ መሰላትን ምሕላው ልኡላውነት መንግስትን፡ ኣብቲ ዲሞክራስያዊ ስርዓትና ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ሰብኣዊ መሰላት'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ጥሪ፡ ሳልቪኒ "ኵነታት [እታ መርከብ] ኣብ ሓደጋ ከምዘይወድቕ" ከምዝርዳእ መስኪሩ ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዝጀመረ መስርሕ ፍርዲ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መዕለቢ ክረክብ ይኽእል እዩ።
ሳልቪኒ እንተተፈሪዱ፡ ዝዀነ መንግስታዊ ስልጣን ንኸይሕዝ እውን ክእገድ ይኽእል እዩ።
ሳልቪኒ ነቲ ኣብ ኤክስ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ንኢጣልያ ምክልኻል ገበን ኣይኰነን፣ በዚ ተስፋ ኣይቈርጽን እየ፣ ንሓዋሩ’ውን ፈጺመ ኣይገድፎን" ኢሉ።
"ሳላ ተግባራት መንግስተይ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሞትን ጥፍኣትን ነክዩ" ኢሉ።
"እዛ መርከብ ስጳኛ ብዘይካ ናብ ኢጣልያ ናብ ዝዀነ ቦታ ከይትኸይድ ተኸልኪላ ኣይትፈልጥን፤ ድሕሪ ደጊም ናይ መላእ ኣውሮጳ መዓስከር ስደተኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና።"
"ኣብ ታሪኽ ዝኾነ መንግስትን ሚኒስተርን ንዶባት ሃገሩ ተኸላኺሉ ተባሂሉ ተኸሲሱ ወይ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ኣይፈልጥን።"
ብመሰረት መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2019 ናብ ጣልያን ብባሕሪ ዝኣተዉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 11,471 ከምዝወረደን እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ዝነበረ ኣሃዛት ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።
ሳልቪኒ ሓላፊ ናይቲ ዘይሕጋዊ ስደት ዝቃወም ሰልፊ ‘ሰሜናዊ ሊግ’ ኮይኑ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ እትመርሖ ‘ፋይቭ ሰረታር ሙቭመንት’ ኣብ ናይ ሓባር ጥምረት መንግስቲ የገልግል።
ብቐዳም ሜሎኒ ንሳልቪኒ "ምሉእ ድጋፍ" ኣቕሪባ ኣላ።
"ሓደ ሚኒስተር ሪፓብሊክ ኢጣልያ፡ ከምቲ ካብ ዜጋታት ዝረኸቦ ስልጣን ዝጠልቦ፡ ዶባት ሃገር ናይ ምክልኻል ስርሑ ብምፍጻሙ፡ ንሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ምሕታት ንምእማኑ ዘጸግም'ዩ" ክትብል ኣብ ኤክስ ጽሒፋ።
"ዶባት ኢጣልያ ካብ ዘይሕጋዊ ስደት ናይ ምክልኻል ግዴታ ናብ ገበን ምቕያር ኣዝዩ ከቢድ ቅድመ-ኩነት'ዩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







