ቱርኪ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ካብ ምጥራዝ ክትቁጠብ ኣምነስት ጸዊዑ

ቅድሚ ሕጂ’ውን ካብ ማልታ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከምዝተጠረዙ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, AMNESTY/Getty Images

ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣማኢት ኤርትራውያን ብሓይሊ ካብ ቱርኪ ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ትሕቲ “ሓደጋ ብሓይሊ ምምላስ ኣንጸላልይዎም ዘሎ ኤርትራውያን’ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዘይድሌቶም ናብ ሃገሮም እንተጠሪዘሞም ንስቓይን ንማእሰርትን ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ዘለዎ ስክፍታ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣስታት 300 ዝዀኑ ኤርትራውያን ብዘይዝዀነ ሕጋዊ ምኽርን ምስ መቐርቦም ብቴሌፎን ከይራኸቡ ብምኽልካልን መንግስቲ ቱርኪ ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከምዝጠረዞም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ መግለጺኡ ሰብመዚ ቱርኪ ንኤርትራውያን ብዘይ ድሌቶም ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ካብ ምጥራዝ ተቘጢቦም ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ነቶም ስደተኛተት ናይ ዕቑባ መሰሎም ከኽብሩሎም ተላብዩ።

እቶም ኤርትራውያን ኣይዲን ኣብ ዝበሃል ቦታ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ብምምልካት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣስታት 180 ዝዀኑ ስደተኛታት እታ ሃገር ብሓይሊ ብዘይድሌቶም ከምዝተጠረዙ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

እቶም ካብ ቱርኪ ብሓይሊ ዝተመለሱ ኤርትራውያን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ዓዲ ኣቤቶ ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ምህላዎም ከኣ ዝያዳ ኣሻቓሊ ከምዝገብሮ ኣምነስት ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ’ውን ቱርኪ ካልኦት ኣስታት 100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ከምዝመለስዎም ኣምስት ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

እቶም ሕጂ ኣብ ኣይዲን ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝዀነ እዋን ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ከምዝኽእሉ ብቴሌፎን ንመቕርቦም ከምዝሓበሩ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ገሊጹ።

እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንኸይጥረዙ ዝማጐትሉ ሕጋዊ ዕድል ከምዘይተወሃቦም ብምጥቃስ፡ ኣብ ማእሰርቲ ብሕጽረት ማይ፡ መግቢን ሕክምናን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ሻቕሎቱ ገሊጹ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣቐዲሞም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኤርትራ ዝተመሰሉ ስደተኛታት መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገር ብዘይሕጋዊ ወጺእኩም ብምባል ብዘይፍርዲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝዳጎኖም ይሕብር።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ካብ ማልታ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከምዝተጠረዙ ዝዝከር ኮይኑ ናብ ሃገሮም ምስ ኣተዉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዳጎኑ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት ከምዝኾነት ይፍለጥ።

ኣብታ ሃገር ብዘይክስን ብዘይፍርድን ንሓያለ ዓመታት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ተራ ዜጋታትን ከምዘለዉ ኣምንስት ኢንተርናሽናል ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።