ክንደይ ሰብ ንመትረብ እንግሊዝ ይሰግር ክንደይከ ዑቕባ ይሓትት?

ኣብ ንእሽቶ ጀልባ ዘለዉ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ኣብ ዘጋጠመ ናይ 2024 ዝዓበየ ሞት ስደተኛታት ዘስዓበ ምግልባጥ ጃልባ ካብ መንጎ ዝሞቱ 12 ሰባት፡ ሽዱሽተ ህጻናትን ሓንቲ ነፍሰጾር ሰበይትን ይርከብዎም።

ነዚ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ነቶም ተሓተትቲ ዝኾኑ ጕጅለታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት "ንምስባር" ዝኸበደ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ።

ክንደይ ሰብ ብንኣሽቱ ጀላቡ ነቲ መትረብ ይሰግር?

ክሳብ 2 መስከረም 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን 21,403 ሰባት ነቲ መትረብ ሰጊሮምዎ። እዚ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ዝተመዝገበ ዝበዝሕ ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ግን ዝወሓደ እዩ።

ኣብ 2023 ብሓፈሻ 29,437 ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም።

ኣብ 2022 ከምዝኣተዉ ዝተመዝገቡ 45,755 ግን እቲ ኣዝዩ ዝለዓለ’ዩ።

ካብ 2018 ጀሚሩ ልዕሊ 135 ሽሕ ሰባት በዚ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ኣለዉ።

ክንደይ ሰባት ነቲ መትረብ ክሰግሩ ይሞቱ?

ኣብ መንጎ ካብ 2018 ክሳብ መስከረም 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን ብውሕዱ 186 ስደተኛታት ንመትረብ ኢንግሊዝ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከምዝሞቱ ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ.ኦ.ኤም) ግምታዊ ቁጽሪ የቐምጥ።

ካብ ዘተጋጠመ ሞት እቶም መብዛሕትኦም ነቲ መትረብ ኣብ ዝሓልፉሉ እዋን ዘጋጠሙ ኮይኖም፡ 80 ሰባት ከም ዝጠሓሉ ተረጋጊጹ’ሎ።

ኣሃዛት ኣይ.ኦ.ኤም ግን ናብቲ ንመሳገሪ ከም መበገሲ ዝጥቀሙሉ ቦታ ክጓዓዙ ከለዉ ብኸም ሓደጋ መኪና ወይ ጥዕናኣዊ ጸገማት ዝበሉ ካልኦት ምኽንያታት ዝሞቱ ሰባት እውን የጠቓልል።

ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ 39 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን እዚ ድማ ብድሕሪ’ቲ ሞት 40 ሰባት ዝተመዝገበሉ 2021 ዝለዓለ ኣሃዝ ከምዝኾነን እቲ ትካል ይሕብር።

ኣብ ሕዳር 2021፡ ሓንቲ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ብውሕዱ 27 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ይዝከር። እዚ ድማ ኣብ ሓደ ፍጻመ ዝተመዝገበ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ሞት እዩ።

መን እዩ ብንኣሽቱ ጀላቡ በቲ መትረብ ዝሰግር ዘሎ?

ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ዝተገበረ ስታቲስቲካዊ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ክሳብ ሰነ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣፍጋናውያን ነቲ መትረብ ብብዝሒ ዝሰገሩ ዜጋታት እዮም።

ኢራናውያን (13 ሚኢታዊት) ካልኣይ ዝዓበየ ጉጅለ ኮይኖም፡ ካብ ቬትናምን ቱርኪን ዝመጹ ሰባት (ብድምር 10 ሚኢታዊት) ስዒቦም ይስርዑ።

ክሳብ ሰነ 2024 ኣብ ዝነበሩ 12 ኣዋርሕ ኣብ ዝኣተዋ ንኣሽቱ ጀላቡ እቶም ኣስታት 83 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም፤ ብዕድመ ድማ እቶም ልዕሊ 40 ሚአታዊት ካብ 25 ክሳብ 39 ዓመት ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ይርከቡ።

ክንደይ ሰባት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዑቕባ ዝሓቱ?

ኣብዚ ዓመት ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን ልዕሊ 97 ሽሕ ሰባት ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጽኡ ኣሃዛት ይሕብሩ።

ኣብ 2002 ካብቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን፣ ሶማልያን ዒራቕን ዝነበሩ ግጭታት ዝሃደሙ ሰባት ቁጽሮም ብምውሳኹ ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ (ንኣባላት ስድርኦም ሓዊሱ) ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣስታት 103,000 በጺሑ ነይሩ።

ብድሕሪኡ ብዝሒ ሓተትቲ ዕቁባ ኣዝዩ ብምንካዩ ኣብ 2010 ናብ 22,600 ወሪዱ።

እንተኾነ ካብ ሶርያ ዝሃድሙ ስደተኛታት ብምውሳኾም ኣብ ምሉእ 2010ታት እቲ ቁጽሪ መሊሱ ወሲኹ።

ኣብ 2022 ድማ ቁጽሪ ዕቑባ ንምሕታት መመልከቲ ዘእተዉ መሊሱ ዳርጋ 100 ሽሕ በጺሑ።

ኣብ ቀረባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጀልባ 12 ስደተኛታት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓተቲ ዑቕባ ዓባይ ብሪጣንያ ካበይ እዮም ዝመጽኡ?

ክሳብ ሰነ 2024 ኣብ ዝነበረ ዓመት፡ ካብቲ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ዓባይ ብሪጣንያ እቶም ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጽኡ 9,342 ስደተኛታት ይዕብልልዎ።

ካልኦት ብዙሕ መመልከቲ ዘቕረቡ ዜጋታት ድማ ካብ ኢራን፡ ፓኪስታን፡ ቬትናም፡ ህንዲን ባንግላድሽን ዝኸዱ እዮም።

ኣብ 2022 ልዕሊ 17,300 ሰባት (ኣባላት ስድርኦም ሓዊሱ) ዑቕባ ዝሓተቱ ኣልባኒያውያን ዝለዓለ ቁጽሪ ዝነበሮም ዜጋታት እዮም። ሰለስተ ርብዒ ድማ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝኸዱ ምዃኖም ይግለጽ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ወራር ድሕሪ ምፍጻማ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኸዱ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ኣብዚ ኣሃዛት ኣይተኻተቱን።

ክሳብ 26 ነሓሰ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብዘዳለወሎም ሕጋዊ መስመራት ኣቢሎም ንዝመጹ ዩክሬናውያን ስደተኛታት 262,700 ቪዛ ተዋሂብዎም ነይሩ።

ንኸም ኣፍጋኒስታውያን ስደተኛታትን ዜጋታት ሆንግ ኮንግን ዝበሉ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጽኡ ዜጋታት ዝተፈለየ መስርሕ ከምዝተዳለወሎም'ውን ይፍለጥ።

ክንደይ ዝኣኽሉ ሓተትቲ ዕቑባ ጉዳዮም ከረአ ይጽበዩ ኣለዉ?

ገሊኦም ሰባት እቲ ዘቕረብዎ ሕቶ መልሲ ክሳብ ዝረክብ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ይጽበዩ።

ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2024 ምስ 118,882 ሰባት ዝተኣሳሰሩ ነቲ ናይ መጀመርታ ውሳነ ዝጽበዩ 85,839 ጉዳያት ነይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሪሺ ሱናክ ክሳብ መወዳእታ 2023 ነዊሕ ዝጸንሑ ሕቶታት ዕቁባ ከጽርዮ ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ 4500 "ዝተሓላለኹ ጉዳያት" ግን ገና ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ውሳነ ይጽበዩ ነይሮም።

ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ዝተገበረ ኣሃዛት ከምዘመልክቶ፡ ክሳብ 14 ሚያዝያ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን ካብቶም መመልከቲታት እቶም 2,377 ገና ናይ መጀመርታ ውሳነ ይጽበዩ ከምዝነበሩ ይሕብር።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ማያት ብዘጋጥሞም ሓደጋታት ህይወቶም ይስእኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓባይ ብሪጣንያ ክንደይ ሓተቲ ዑቕባ ትሰጕግ?

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ነቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክጸንሑ ሕጋዊ መሰል ዘይብሎም ሰባት ከውጽእ ወይ ድማ ምእታው ክእግድ ይኽእል’ዩ።

ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2024 ኣብ ዝነበረ ዓመት፡ ፍቓድ ዑቕባ ዘይተዋህቦም 7,190 ሰባት ናብ ዓዶም ክምለሱ ተገይሩ። እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ 4,873 ብ48 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣርእዩ። ብቐንዱ ናብ ኣልባንያ ዝተመለሱ እዮም።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ብንኣሽቱ ጀላቡ ካብ ዝኣተዉ ስደተኛታት እቶም 2,336 ተመሊሶም። ኣብ መንጎ 2018ን ሰነ 2024ን፡ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ 3,788 ሰባት ተመሊሶም። እዚ ድማ ካብ ኩለን ኣብቲ እዋን ዝመጻ ንኣሽቱ ጀላቡ 3 ሚኢታዊት እዩ።

ካብ 2020 ጀሚሩ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ 408 ኣልባንያውያን ዘይኮኑ ጥራይ ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ታሕሳስ 2023 ኣፍሊጡ።

ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣትዋ ንኣሽቱ ጀላቡ ምስ ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዋ ከመይ ይነጻጸራ?

ኣብ 2023፡ 263,048 ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ብባሕሪ ኣትዮም፡ ጣልያን ድማ 60 ሚኢታዊት ካብዚ (157,314) ተቐቢላ።

ስጳኛ 57,071 ግሪኽ ድማ 41,561 ሰባት ተቐቢለን።

ካብ ምጅማር እዚ ዓመት ክሳብ 27 ነሓሰ 202 ኣስታት 110,000 ሰባት ብባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም።

ቁጽሪ ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ሰባት ኣብ 2015 ናብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ነይሩ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ዶባት ዝሰገሩ ኰይኖም መብዛሕትኦም ካብ ግጭት ሶርያ ዝሃደሙ እዮም።

ኣብ መላእ ኤውሮጳ ክንደይ ሰባት ዑቕባ ይሓቱ?

ኣብ 2023 ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤውሮጳ ብብዝሒ ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ነይራ።

ጀርመን 329,035 ኣመልከትቲ ብምእንጋድ ልዕሊ ርብዒ ካብ ኩሎም ኣብ ውሽጢ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንመጀመርታ ግዜ ዑቕባ ዝሓተቱ ተቐቢላ።

ስጳኛ ካልኣይቲ ዝለዓለ ቁጽሪ (160,460)፤ ስዒበን ፈረንሳ (145,095) ኢጣልያ (130,565) ተሰሪዐን ኣለዋ።

ኣብ 2023 መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 93,303 ሕቶታት ዑቕባ ናይ መጀመርታ ውሳነታት ኣሕሊፉ ልዕሊ ክልተ ሲሶ (67 ሚኢታዊት) ከኣ ተቐቢሉ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ጀርመን 217,430 ውሳነታት ዑቕባ ኣአንጊዳ 62 ሚኢታዊት ድማ ተቐቢላ።

ፈረንሳ ኣብ 132,695 ሕቶታት ዕቑባ ውሳነታት ኣሕሊፋ ካብዚኦም ድማ ነቶም 31 ሚኢታዊት ፍቓድ ሂባ።