'ዝበዝሓ ኤርትራውያን' ዝርከብኦም ስደተኛታት ኣብ መትረብ እንግሊዝ ሞይቶም

ሄለኮፕተር ህይወት ኣድሕን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ዝፈተኑ ቆልዑ ዝርከቡዎም 12 ስደተኛታት ብዘጋጠሞም ሓደጋ ጃልባ ከምዝሞቱ ሰብመዚ ፈረንሳ ገሊጾም።

ዝበዝሓ ካብተን ሓንቲ ነፍሰ-ጾር እትርከበን ግዳያት ኤርትራውያን ምዃነን ሓደ ፈረንሳዊ ኣኽባር ሕጊ ተዛሪቡ።

ጒረክ ለ ብራስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ 6 ቆልዑ ዝርከብአን 10 ደቂኣንስትዮ ከምዝሞታ ጠቒሱ።

እቶም "ቀንዲ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም" ምዃኖም ዝገለጸ እቲ ኣኽባር ሕጊ፡ "ብንጹር መንነቶም ንምፍላጥ ግን እኹል ሓበሬታ" ከምዘይትኣከበ ኣመልኪቱ።

እታ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ዝጠሓለት ጃልባ ኣስታት 70 ሰባት ጽዒና ከምዝነበረትን 51 ከምዝደሓኑን ሰብመዚ ፈረንሳ ሓቢሮም።

እታ ካብ ጎማ ዝተሰርሐት ዘይውሕስቲ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ድሕሪ ምስባራ፡ እቶም ስደተኛታት ዘድሕና መራኽብን ጃላቡን ቅድሚ ምምጽአን ናብ ማይ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ብመራኽብን ሄሊኮፕተራትን ዝተሰነየ ህይወት ናይ ምድሓን ጻዕርታት ክግበር ከምዝወዓለ ሰብመዚ ናይታ ኣብቲ ከባቢ ሓደጋ እትርከብ ፈረንሳዊት ከተማ ቦሎን ሓቢሮም።

ናብቲ ቦታ ዝተጓዕዘ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ንስድራቤት ግዳያት ጽንዓት ብምምናይ ንሰራሕተኛታት ህጹጽ እዋን ዘለዎ ምስጋና ገሊጹ።

ክልተ ካብቶም ብህይወት ዝደሓኑ 51 ሰባት ኣብ ጽኑዕ ኩነታት ከምዘለዉ'ውን ሚኒስተር ጀራልድ ዳርማኒን ሓቢሩ።

ሓንቲ ካብተን ግዳያት ነፍሰ-ጾር ከም ዝነበረት ከንቲባ ከተማ ቦሎን-ሱር-መር፡ ፍረደሪክ ካቪለር ንቢቢሲ ገሊጹ።

እታ ጃልባ ልዕሊ ዓቕማ ጽዒና ምንባራን ገለ ክፋላ ከምዝዓነወን'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እዚ ሓደጋ ኣብዚ ዓመት ካብ ዘጋጠሙ ተመሳሰልቲ ሓደጋታት እቲ ዝዓበየ እዩ።

ኣምቡላንስ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሰብመዚ ፈረንሳ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ናኣሽቱ ጃላቡ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ስደተኛታት ፖሊሲ ቁጽጽር ዘይግበረሉ ዕዳጋ ዕዮ ብሪጣንያ ምዃኑ ይኸሱ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ከምዝብሎ፡ እቲ ጸገም ናይ ብሪጣንያ እምበር ናይ ሃገሩ ኣይነኮነን።

እቶም ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ዘለዎም ዘይሕለል ድሌት'ውን እቲ ካልእ ረቛሒ ብምዃኑ፡ ተራ ኣሰጋገርቲ ክሳብ ክንድ'ቲ ከምዘይኮነ ሰብመዚ ፈረንሳ ይገልጹ።

ሰበሰልጣን ብሪጣንያ ግን እቲ ጉዳይ ምስ "ገበናውያን ኣሰጋገርቲ" ዝተሓሓዝ ምዃኑ ብምምጓት መርበባቶም ክስበር ኣለዎ ብሃልቲ'ዮም።

ብጃላቡ ዝግበር ዋሕዚ ስደተኛታት መትረብ እንግሊዝ ኣብ ብሪጣንያ ሓደ ካብ ዓበይቲን ተነቀፍትን ምዃኑ ይፍለጥ።

ብዓቃባውያን ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ እታ ሃገር ነቶም በዚ መንገዲ ዝኣትዉ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር ቀጻሊ ፈተነ ይገብሩ ምንባሮም ይዝከር። እዚ ብሰልፊ ዕዮ ዝምራሕ መንግስቲ ነቲ ሚልዮናት ዝወጾን ሕጋዊ ሕልኽላኻት ዘጋጠሞን ውጥን ከምዘይደፍኣሉ ኣፍሊጡ'ዩ።

ኣብዚ ዓመት'ቲ ጥራይ ልዕሊ 20,000 ስደተኛታት መትረብ እንግሊዝ ብምስጋር ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።