ብሪጣንያ፡ ኤርትራውያን ብዝተውልዐ ናዕቢ ዘለዎም ስግኣት እንታይ ይመስል?

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብ29 ሓምለ ኣብ ሳውዝፖርት ሰለስተ ንኣሽቱ ኣዋልድ ብኻራ ተወጊኤን ድሕሪ ምቕታለን፡ መላእ ብሪጣንያ ናዕብን ዕግርግርን ዝመልኦ ምንቅስቓስ ጸረ-ስደተኛታት ተጓሃሂሩ ከምዘሎ ክንገር ቀንዩ እዩ።

እዚ ድማ እቲ ብገበን ዝተጠርጠረ 'ኣስላማይ ሓታቲ ዕቝባ' ምዃኑ ብኢንተርነት ብዝተዘርገሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝነቐለ እዩ።

በዚ ድማ ኣብ እዋን እቲ ዕግርግር ካብቶም ዒላማ ዝተገብሩ ቦታታት ሓተትቲ ዕቝባ ብብዝሒ ዝርከብዎም መሳጊድን ሆቴላትን ኰይኖም፡ ገለ ብስደተኛትታት ዝውነና ትካላት ተቓጺለንን ተዘሚተንን እየን።

ይዅን እንበር ነቲ ኵነታት ዝዅንንኑ ብ ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ኣንጻሩ ጸረ-ዓሌትነት ሰልፍታት ኣይዶም ኣለው።

እዚ ኵነታት ብሓፈሻ ንዅሎም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ስደተኛትታት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ሸሚምዎም ከም ዘሎ ግሁድ እዩ።

ብፍላይ ድማ ነቶም ሰሃራን ባሕርን ኣቋሪጾም ከቢድ ፈተነ ሞትን ሂወትን ሰጊሮም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያን፡ኣብታ ውሑስ ሂወት ክመርሑላ ዝሃቀኑ ሃገር ከምዚ ዓይነት ኵነታት ክኽሰት እንከሎ ዝፈጥረሎም ስንባድን ነውጽን ቀሊል ኣይከውንን።

ኣብ ሓንቲ ካብተን ዒላማ ተገይረን ዘለዋ ሆስቴላት ዝነብር ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወ ኤርትራዊ ስደተኛ መትከል ጸጋይ “እቲ ናዕቢ በብቦታኡ እዩ ዝመጸእ ዘሎ ሕጂ፣ ክሳብ ሕጂ ኣባና ዘጋጠመ እኮ እንተዘይሃለወ ናብና ምምጾኦም ኣይተርፎምን እዩ” ብዝብል ስጋኣት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እዚ ናዕቢ ኣብተን ንስደተኛታት መዕቈቢ ዝህባ ሆቴላት (ሆስቴላት) ዕላማ ዝገበረ ብምዃኑ፣ ኣብ ዝተፈላልየ ሆስቴላት ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያዉያንን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ስጋኣት እዮም ዘለዉ።

ገና እግሩ ከይኣትወ ከቢድ ናዕቢ ዝተቐባበሎ መትከል፡ ኵሎም ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ “ከምዚ ንርእዮ ዘለና እንድሕር ቀጺሉ ኣብ ነብስኻ ዝዀነ ጉድኣት ከይመጻካ ትፈርሕ።” ብምባል ኣብቲ ናዕቢ ኣብ ገለ ሆቴላት ዝተሃርሙን ዝተሃስዩ ስደተኛታት ከምዘለዉ ይሕብር።

ቫነሳ ጸሃየ

ምንጪ ስእሊ, Vannessa

መግለጺ ስእሊ, መስራቲት ምንቅስቃስ "ዋንደይ ስዩም" ን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ቫነሳ ጸሃየ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ዋን ደይ ስዩም” ብዝብል ኣብ 2013 ብዝመስረተቶ ምንቅስቓስ እትፍለጥ ኤርትራዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ቫነሳ ጸሃየ፣ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት መሰላት ኣተኲራ ኣብ ምስራሕ ትርከብ። ነቲ ኣብ ብሪጣንያ ኣንጻር ስደተኛታትን ኣመንቲ ምስልምናን ዘሎ ናዕቢ ኣምልኪታ ድማ ከምዚ ትብል፤

“ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓድ እንግሊዝ ከቢድ ጽልኣት ስደተኛታት እዩ ዘሎ። እዚ ድማ ናይ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ጌጋ እዩ፤ ብተደጋጋሚ ናይ ኵሉ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸገማት መንቀሊ እቶም ብጀላቡ ጌሮም ካብ ፈረንሳ ዝኣተዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛትት እዮም ይብሉ ነይሮም፤ ሚድያታት'ውን ነዚ ጸቒጦም ኣሉታዊ ጸብጻባት ከጋውሑ ስለዝጸንሑ ብዙሓት ሰባት ነዚ ብምስማዕን ናይ ገዛእ ርእሶም ጽልኢ ስለዘለዎም እዮም ናዕቢ ኣካይዶም። ካብኡ ዝተበገሰ ድማ እዩ እቲ ጥርጡር ኣስላማይ ወይ ስደተኛ ዘይኰነ ክነሱ ሓቂ ከይገደሶም ሕርቃኖም ይቕጽልዎ ኣለዉ።” ብምባል ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ መንግስቲ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝኽተሎ ፖሊሲ ብተዛማዲ ዝሓሸ'ኳ እንተዀነ፡ እዚ ጽልኢ ግን ውጽኢት ናይቲ ዝጸንሐ ኣመለኻኽታ እዩ፤ ነዚ ኣጋጣሚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝጸንሖም ጽልኢ ከም መመኽነይታ ጥራይ እዮም ዝጥቀምሉ ዘለዉ ትብል።

ብሪጣንያ ብፍላይ ብሪሺ ሱናክ ትምርሓሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ብተደጋጋሚ ኣንጻር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝቐንዐ ጐስጓስን ክትዓትን መስርሕ ምጥራዝ ተካይድ ነይራ።

ምስ ምምጻእ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሰር ኬር ስታመር እቲ ብ “ውጥን ሩዋንዳ” ዝፍለጥ ስምምዕ'ኳ እንተተሰረዘ፡ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ጽዑቕ ጐስጓሳት ኣንጻር ስደተኛታት ግን፡ ገለ ዜጋትት እታ ሃገር ኣብ ላዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ክሕድሩ ጽልዋ ከሕድሩ ድርኺት ከምዝገበረ ብዙሓት ርእይቶኦም ይህቡ።

መትከል፡ ገና ጋሻ ብምዃኑን ሕጽረት ቋንቋ’ውን ስለዘለዎ ምኽንያት እቲ ዝኸውን ዘሎ ናዕቢ ብዕምቈት'ኳ እንተዘፈለጦ ኣዝዩ ከምዘስግኦ እዩ ዝገልጽ።

ካልእ ስማ ክጥቀስ ዘይደለየት ኤርትራዊት ስደተኛ'ውን " እዚ ገለ ክፋል ናይቲ ማሕበረሰብ ዝገብርዎ ዘለዉ ግፍዒ፡ ብሕልና ዘለዎምን መሰል ስደተኛታት ብዘኽብሩ ዜጋታት ብሪጣንያ ተቓውሞ ምርካብ ተስፋ ዝህብን ልብኻ ዝመልስን እዩ። ንሃይማኖትን ስደተኛታትን መሰረት ዝገበረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ናዕቢ ግን ኵሉ ክኹንኖ ዝግባእ እዩ" ብምባል እቲ ናዕቢ ኣዝዩ ከምዘሻቕላን ጸቕጢ ከምዝፈጠረላን ትዛረብ።

ቨነሳ እውን ብወገና “ ብዙሓት ሰባት ፈርሖም ኣለዉ ። እቲ ዝነብርሉ ዘለዉ ሆቲል ካብቶም ታርጌት ዝተገብሩ ድዩ ኣይኮነን እውን ክፈልጡ ይደልዩ ፣ ግን ሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል ዝውጥኖ ውጥን ስለዘይኮነ ርጉጽ ኣይኮነን። ስለዚ ቤተሰብ አዕሩኽ እንተለኩም ውጹ እንድሕር ዘይብልኩም ድማ ርኸቡና ብመንገድና ውሕስነት ትረኽቡሉ ቦታ ኣብ ምምችቻእ ክንሰርሕ ኢና።” ብምባል ነየኖት ሆስቴላት እዮም ዒላማ ጌሮም ዘለዉ ገለ ገለ ዝወጸ ሓበሬታ'ኳ እንተሎ ኣረጋጊጽካ ምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ እያ ትገልጽ።

ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ቫነሳ፡ ኣብዚ ጉዳይ ንዘሎ እዋናዊ ሓጋዝን መብርሂታትን ሓበሬታታትን ብመገዲ ማሕበራዊ ገጻታ ትዝርግሕ ኣላ። እዚ ብፍላይ ነቶም ሕጽረት ቋንቋ እንግሊዝ ዘለዎም ኤርትራውያንን ንምሕጋዝ ዝዓለመ ኰይኑ ብቋንቋ ትግርኛ ጀሚሮም ከምዘለዉን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት እታ ሃገር ሓበሬታ ንምዝርጋሕ እውን ኣብ መስርሕ ከምዘላ ትሕብር።

ቫነሳ ንዅሎም ስደተኛታት “ሕማቕ ኣይሰማዓኩም ኩላትና ምሳኹም ኣለና ኣይትፍርሑ ብተወሳኺ ብዙሓት ንስደተኛታት ዝርዱኡን ኣብ ጐድንኩም ዝዀኑን ሰባት ስለዘለዉ ኣይትሰናበዱ፤” ብምባል ነቲ ኵነታት ብጥብቒ ክዕዘቡን፡ሓበሬታ ክከታተሉን ትላቦ።