ዓዲ እንግሊዝ፡ ጸረ-ዓሌትነት ተቓውሞታት ተኻይዶም

ኣብ ለንደን ተቓውሞ ጸረ-ዓሌትነት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ለንደን ተቓውሞ ጸረ-ዓሌትነት

ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ዝቐፀለ ናዕብን ዕግርግርን ዝመልኦ ምንቅስቓስ ጸረ-ስደተኛታት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣንጻሩ ጸረ-ዓሌትነት ሰልፍታት ኣይዶም።

ጸረ-ስደተኛታት ተቓውሞታት ክካየድ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ቦታታት - ሰሜን ለንደን፡ ብሪስቶልን ኒውካስልን ኣብ ዝበሉ ከቢታት ዝነበረ ምትእኽኻብ ብዓቢኡ ሰላማዊ ከምዝነበረ ዝተነግረ ኰይኑ፡ "ስደተኛታት ንቀበል!" ዘስምዕ ጭርሖታት ሒዞም ተራእዮም።

ፖሊስ ናዕቢ ከይፍጠር ተዳልዮም ነይሮም፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መኮንናት ተዋፊሮም ልዕሊ 100 ፍጻመታት ክካየድ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።

እቲ ናዕቢ ዘበገሰ ኵነታት፡ እቲ ብ29 ሓምለ ኣብ ሳውዝፖርት ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ንኣሽቱ ኣዋልድ ብኻራ ብምውጋእ ዝተጠርጠረ 'ኣስላማይ ሓታቲ ዕቝባ' ምዃኑ ብኢንተርነት ብዝተዘርገሐ ግጉይ ሓበሬታ እዩ።

ኣብ እዋን እቲ ዕግርግር ካብቶም ዒላማ ዝተገብረሎም ቦታታት ሓተትቲ ዕቝባ ብብዝሒ ዝርከብዎም መሳጊድን ሆቴላትን ኰይኖም፡ ገለ ድኳናት ተቓጺለንን ተዘሚተንን እየን።

ብረቡዕ፡ ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከቡ ዓበይቲ ጐደናታት፡ ወነንቲ ድኳናት፡ ናዕቢ ክህሉ እዩ ብዝብል ስግኣት፡ ገዛውቶምን መሳኹቶምን ብኣጋኡ ዓጽዮም ነይሮም።

ዝርዝር ትካላት ጥብቅናን ወሃብቲ ምኽርን ኣብ ናይ ኦንላይን ጕጅለታት ዒላማ ከምዝዀኑ ስለ ዝተነግረ ድማ፡ ጠበቓታት ኢሚግሬሽን ካብ ገዛኦም ኰይኖም ክሰርሑ ብፖሊስ ተነጊርዎም።

እንተዀነ፡ እቶም ሰልፍታት ብዓቢኡ ኣብ መላእ ክፋላት ዓዲ እንግሊዝ ብሰላም ዝሓለፉ ዀይኖም፡ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ሰባት ጥራይ እዮም ተኣሲሮም።

ምስቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ብሓፈሻ ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝተኣስሩ ይንገር።

ልዕሊ 140 ሰባት ክሲ ዝቐረበሎም ኰይኑ፡ ገሊኦም ድማ ድሮ ብይን ተዋሂቡዎም ኣሎ።

ንኣብነት ኣብ ሳውዝፖርትን ሊቨርፑልን፡ ሰለስተ ሰባት ዓመጽ ኣብ ዝተሓወሶ ዕግርግር ብዝገበርዎ ተሳትፎ ማእሰርቲ ተፈሪዶም ኣለዉ።

ኣብ ክሮይደን ስርዓት ኣልቦነት ከምዝተራእየ'ኳ እንተተገለጸ፡ ፖሊስ ግን ምስ ተቓውሞ ዝተኣሳሰር ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ኣስታት 50 ሰባት ተኣኪቦም ኣብ መንገዲ ኣቑሑትን ጠራሙዝን ናብ ኣባላቱ ከምዝደርበዩ ፖሊስ ገሊጹ፤ ሸሞንተ ሰባት ከኣ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ትማሊ ረቡዕ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝዀነት ኣንጀላ ራይነር ኣብ ሮተርሃም ዝርከብ ሓደ ብጸረ-ስደተኛታት ዒላማ ዝተገብረ ሆቴል ሆሊደይ ኢን ኤክስፕረስ በጺሓ ነይራ።

ኣብ ናዕቢ ዝተሳተፉ ሰባት "ብሕጊ ከምዝሕተቱ" ቃል ብምእታው፡ ሰባት "ካብ ጐነጻዊ ናዕቢ ክረሓቑ" ተማሕጺና።

ሰልፈኛታት ብዛዕባ ስደተኛታት ስክፍታታት እንተሃልይዎም፡ ቅሬታኦም ንምስማዕ፡ ናብ ጐደናታት ወጺእካ ምስ ፖሊስ ምግጫው፣ ሆቴላት ምጥቃዕን ካልእን ሕጋዊ መገዲ ከምዘይኰነ ድማ ብትሪ ተዛሪባ።

“እዚ ጐነጽ እዩ፤ ዝኾነ ሰብ ከምኡ ክገብር ግቡእ ኣይኰነን፡" ኢላ።

ገለ ተቓውሞታት ጸረ-ዓሌትነት

ኣስታት 1500 ብማሕበራት ሰራሕተኛታት፡ ጸረ ፋሽሽትን ኣባላት ማሕበረሰብ ጸለምትን ኤስያውያንን ኣብ ጎደናታት ከተማ ብሪስቶል ተኣኪቦም።

ኣብ ኒውካስል፡ ኣስታት 1000 ጸረ-ስደት ሰልፈኛታት፡ መብዛሕትኦም ኣስላም ዝዀኑ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓደ ናይ ኢሚግሬሽን ኣገልግሎት ዝወሃበሉ ጽርግያ ተኣኪቦም ነይሮም።

ኣብ ኣክሪንግተን - ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ [ዝተረጋገጸ] ሓደ ቪድዮ፡ ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ዝወጹ ሰልፈኛታት ንኣስላም ዘተባብዕ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ሳውዝሃምፕተን፡ ካብ 300 ክሳብ 400 ዝዀኑ ሰባት፡ "ዓሌታውያን ገዛኦም ይኺዱ!"፣ "ዓሌታውነት ካብ ጎደናታትና ይርሓቕ!" ዝብሉ ጭርሖታት ኣስሚዖም።

ኣስታት 10 ጸረ-ስደተኛታት ዝዀኑ ሰልፈኛታት’ውን ናብቲ ከባቢ ዝኣተዉ ዀይኖም፡ እቶም ክልተ ኣንጻር ጉጅለታት ብፖሊስ ተፈላልዮም ክጸንሑ ተገይሩ፤ ሓደ ሰብ ድማ ተኣሲሩ።

ንጉስ ቻርለስ ብዛዕባ ኣብ መላእ ሃገር ዝርአ ዘሎ ህዝባዊ ዕግርግር መዓልታዊ ሓበሬታ ይወሃቦ ከምዘሎ ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ይሕብር፤ እንተዀነ ናብ ሽግር ዘለዎም ቦታታት ምብጻሕ ክገብር ትጽቢት ኣይግበርን።