መጻኢ ህይወት ዝጸልመተን ሱዳናውያን ኣደታት

ምንጪ ስእሊ, Kevin McGregor / BBC
ኣብታ ንጫድ ምስ ሱዳን ተራኽብ ዲረ ትበሃል ከተማ ጓል 38 ዓመት ሱዳናዊት ቡታንያ ብኻልኦት ስደተኛታት ደቂ ዓዳ ተማእኪላ ኣብ መሬት ኮፍ ኢላ ትርአ።
ኵለን ምስ ደቀን’የን፤ እንተዀነ ንጽባሕ ዝብላኦ ዝብላዕ ይዅን ንብረት ኣብ ኢደን የብለንን።
ቡታንያ ምስ ሽዱሽተ ደቃ ካብታ ካብ ዶብ 480 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ ዞባ ዳርፉር እትርከብ ኣል ፋሸር ሃዲማ’ያ ናብዚ ዘላቶ መጺኣ።
ቡታንያ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ “ነዛ ህይወትና ንኸነድሕን ዝዀነ ከይሓዝና ኢና ሃዲምና። ካብ ዓድና ክንወጽእ ዝዀነ ድሌት ኣይነበረናን። ደቀይ ኣብ ትምህርቲ ቀዳሞት’ዮም ነይሮም፤ ናብራና’ውን ጽቡቕ’ዩ ነይሩ” ትብል።
ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ሚያዝያ 2023’ዩ ጀሚሩ።
ኣብ መንጐ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል ሕመቲ ዝምርሑ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ጠንቂ ሞት ኣሽሓትን ምፍንቓል ሚልዮናትን ኰይኑ ኣሎ። ብዓቢኡ ዳርጋ ኣብ መላእ ሱዳን ጥምየት ንክኽሰት ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ዝብለሉ ወይ ዝውድኣሉ ምልክታት ኣይርአን።
ትካላት ወሃብቲ ረድኤት፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓገዝ እንተዘይተገይሩ ኣብ ሱዳን ቅድሚ ሕጂ ኣብዛ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ጥምየት ክኽሰት ከምዝኽእል ብተደጋጋሚ የጠንቅቑ ኣለዉ።
ቢቢሲ ኣብ ምዕራባዊ ዶብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣንደረ ከምኡ ከኣ ናብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን ኣንጠጥዩ ዘሎ ብርቱዕ ሓደጋ ክምስክር ክኢሉ’ሎ።
መዓስከር ስደተኛታት ኣንድረ ነቲ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣጕሊሓ እተርኢ መዓስከር’ያ።
እቲ ዶብ ካብ ጥሪ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ እንትርፎ ንውሑዳት ረድኤት ዝጽዓና መካይን፡ ተዓጽዩ’ዩ ነይሩ።
ሕጂ’ውን ዋላ ይከፈት’ምበር እቲ ናብቲ ቦታ ዝበጽሕ ዘሎ ረድኤት ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ’የን ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ዝገልጻ ዘለዋ።
መዓልታዊ ዓሰርታታት ሱዳናውያን ነቲ ዶብ ብምስጋር ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኣንድረ ይኣትዉ ኣለዉ። መብዛሕትአን ከኣ ብጥምየት ዝማህመኑ ደቀን ሒዘን ዝኣትዋ ኣደታት’የን።
እትው ምስ በላ ተቐዳዲመን ነዛ ጐረሮአን ከጥልላ ናብቲ ብውድብ መግቢ ዓለም ዝተዳለወ ኣጋንእ ማይ’የን ዝጎያ።
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣንድረ ዘሎ ነገራት ምስ ተዓዘብና ናብታ ጥቃኣ ዘላ ናብ ዶብ ዝቐረበት ካልእ ስደተኛታት ባዕሎም ዝመስረትዋ መዓስከር ኢና ኣምሪሕና።
ናብኡ እናኸድና እንከለና ማይ ጀለም ጀሚሩ።
እቲ እዞም ስደተኛታት ዘለዎም መዕቀሊ ነቶም ስደተኛታት ካብዚ ማይ ክከላኸለሎም ይኽእል ድዩ ኢልና ነቲ ምሳና ዝነበረ ኣብቲ ከባቢ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ዩኤንኤችሲኣር ዝዀነ ዩንግ ሁ ኣብ ዝሓተትናሉ፡ “ከዕቅሎም ኣይክእልን’ዩ” ዝብል መልሲ ሂቡና።
ዩንግ ሁ፡ “ማይ ኣብ ዝሃርመሉ ብፍላይ ቅሩብ ንፋስ እንተሃልይዎ ኵሉ እቲ መጽለሊ’ዩ ዝዓኑ። ብዓቢኡ እቲ ቴንዳታት’ውን ብጸሓይ ማህሚኑ’ሎ። እዚ ከባቢ ጨቃው ብምዃኑን ሓያለ ሩባታት ስለዘዎን ከኣ ካብን ናብን ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእል ኢኻ። ንዓና’ውን ናብ ኣንድረ ክንምለስ መዓልታት ክወስደልና ይኽእል’ዩ። ነተን ረድኤት ጽዒነን ናብዚ ዝመጽኣ’ውን ከምኡ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Kevin McGregor / BBC

ምንጪ ስእሊ, Kevin McGregor / BBC
ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝርከባ መዓስከር ስደተኛታት ዛምዛም ዓጸቦ ከምዝኣተወ ብወግዒ ተኣዊጁ’ዩ።
እንተዀነ ሕቡራት ሃገራት ኣብዛ መዓስከር እሙናት ምንጭታት ስለዘለዉዎ’ዩ ዓጸቦ ከምዝኣተወ ኣዊጁ’ምበር ኣብ ካልእ መዓስከር ስደተኛታት’ውን ተመሳሳሊ ሓደጋ ክህሉ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል’ዩ።
ውድብ መግቢ ዓለም ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሓምለ 200 ሽሕ ቶን መግቢ ጥራይ ናብ ዝምልከቶም ከምዘብጽሐ’ዩ ዝገልጽ፤ እንተዀነ እዚ ምስቲ ዝድለ ዘሎ ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ።
እቶም ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዶም ዘለዉ ክልተ ወገናት ረድኤት ብምኽልካል ንሓድሕዶም ኣብ ምክሳስ ይርከቡ።
ሰራዊት ሕመቲ - ዳዕመሰሪዕ - ረድኤት ብምስራቕን ብምዕናውን ክኽሰሱ እንከለዉ ሰራዊት ኣልቡርሃን ከኣ ናብቲ ንሶም ዘይቈጻጸርዎ ከባቢ ረድኤት ከይሓልፍ ብምኽልካል’ዮም ዝኽሰሱ።
ቢቢሲ ነዚ ኣመልኪቱ ንክልቲኦም ወገናት’ኳ እንተሓተቶም መልሲ ግን ክረክብ ኣይክኣለን።እንተዀነ ክልቲኦም ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ክስታት ኣቐዲሞም ክነጽግዎ ጸኒሖም’ዮም።
ሓንቲ መኪና ረድኤት ጽዒና ካብ ፖርት ሱዳን ንኽትብገስ ካብ ሰራዊት ሱዳን ፍቓድ ንኽትረክብ ሽዱሽተ ሰሙን ወይ ልዕሊኡ’ዩ ዝወስደላ።
ኣብ 15 ነሓሰ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ኣብ ዳርፉር ዘሎ ህዝቢ ረድኤት ንኽበጽሖ ካብ ጫድ ዝተበገሳ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ብኣንድረ ገይረን ክኣትዋ ከምዝኽእላ ፈቒዱ።
ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ገለ ክፋል ዳርፉር ዓሌት መሰረት ዝገበረ ኣብ ልዕሊ ዓሌታት ማሳሊት ብሰራዊት ዳዕመሰሪዕ ገበናት ከምዝተፈጸመ’ኳ እንተቃልዐ እቲ ሰራዊት ግን ኣብ ዝኾነ ዓሌታዊ ግጭት ኢዱ ከምዘይሓወሰ ገሊጹ።

ናብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝበጻሕናሉ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ተፈናቒሎም ዝተዓቘቡ ተመዛበልቲ ረኺብና።
ካብ ቴንዳ ናብ ቴንዳ እናተዛዋወርና ኣብ ዝሓተትናሉ ካብ ንሓድሕዱ ዝኸፈአ ሞት ወገናተንን ዘሰንብድ ዛንታታትን’የን ኣዕሊለናና።
ኣብ ሓደ ኣፍደገ ቴንዳ ሓደ ክቢ ሰሪሐን ኮፍ ዝበላ ሓያለ ደቂ ኣንስትዮ ረኺብና፤ ገለ ካብአን ደቀን ዝሓቘፋ’የን ነይረን።
ኵለን ብሰራዊት ዳዕመሰሪዕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጠመን ጾታዊ ዓመጽ፡ ግፍዕን ስቓይን’የን ዘዕልላ ነይረን።
ሓንቲ ስማ ከይጥቀስ ዝሓተተት ንቢቢሲ ቃላ ዝሃበት ሱዳናዊት፡ ካብ ኡምዱርማን ንወዲ ክልተ ዓመት ወዳ ሒዛ እናሃደመት እንከላ ብሰራዊት ሕመቲ ከምዝተተሓዘት ትገልጽ።
“ዳርጋ መዓልታዊ ንወደይ ካባይ ፈልዮም ይወስድዎ ንዓይ ከኣ ይዕምጹኒ ነይሮም፤ እናተዓመጽኩ ወደይ ኣብቲ ዝተዓጸዎ ኰይኑ ክበኪ እሰምዖ ነይረ” ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Kevin McGregor / BBC
ካልእ ኣብቲ መዓስከር ዝረኽበናያ ካብ ኡምዱርማን ዝሃደመት ኣደ ሽዱሽተ ቈልዑ ሳፋ’ያ።
በዓል ቤታ ኣበይ ከምዘሎ ኣብ ዝሓተትናላ፡ ንዝዀነ ካብ ኡምዱርማን ዝሃድም ዝነበረ ወዲ ተባዕታይ እቶም ሰራዊት ዳዕመሰሪዕ ዒላማ ይገብሩ ስለዝነበሩ ኣብ ኡምዱርማን ከምዝተረፈ’ያ ሓቢራትና።
“መዓልታዊ ደቀይ ‘ኣቦይ ኣበይ ኣሎ?’ እናበሉ ይሓቱኒ’ዮም፤ መዓስ’ዩ ዝመጽእ ኢሎም ይሓቱ እንተዀነ ካብታ ብጥሪ ገዲፍናዮ ንመጽእ ብህይወት ይሃሉ ኣይሃሉ ዝዀነ ደሃይ የብለይን” ትብል ሳፋ።
ብዛዕባ መጻኢኣን መጻኢ ደቃን ኣብ ዝሓተትናላ ከኣ “እንታይ መጻኢኡ? መጻኢና ኣብቂዑ’ዩ ዝተረፈና ነገር የለን፤ ደቅና ርዒዶም’ዩም፡ ወዲ 10 ዓመት ወደይ ናብ ገዛና ንኺድ እናበለ መዓልታዊ’ዩ ዝበኪ፡ ኣብ ገዛ ንነብር ዝነበርና ደቅና ነምህር ዝነበርና ሕጂ ግን ኣብዛ ቴንዳ ኰይና ናብራና” ትብል።
ኣብቲ መዓስከር ተዛውረና ዝነበረት ሰራሕተኛ ዩኒሴፍ፡ “እቶም ናብዚ ዝበጽሑ እቶም ዕደለኛታት’ዮም፣ ካብቲ ኲናትን ሞትን ሃዲሞም ወጺኦም፡ ናብዚ በጺሖም ጽላልን ረድኤትን ክረኽቡ ምኽኣሎም ዕድለኛታት ዘብሎም’ዩ” ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Kevin McGregor / BBC
ቢቢሲ ንመዓስከር ስደተኛታት ኣንደረን ንፖርት ሱዳንን ምስ ምክትል ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድን ጕጅለኣን ብምዃን’ዩ በጺሕዎ።
ኣሚና መሓመድ ንመራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ምስ ጫድ ዘራኽብ ዶብ ኣንድረ ንክኸፍቶ ንኽትምሕጸኖ ረኺባቶ ነይራ።
ኣሚና መሓመድ፡ ዓለም ምሉእ ኣቓልቦኣ ናብ ቓዛን ኲናት ዩክረይንን ኣብ ዘበለትሉ ጉዳይ ሱዳን’ውን ማዕሪኡ ኣቓልቦ ንኽወሃቦ’ያ ትሰርሕ ዘላ።
“ኣብ ዓለም ፈቘድኡ ግጭት ስለዘሎ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣድካሚ’ዩ፤ እንተዀነ እዚ ናብ ሱዳን ዝቐርብ ዘሎ ረድኤት ኣዝዩ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ” ትብል።
“እዞም ናብዚ መዓስከራት ከይድኩም ዝርኣኹሞም ኣደታትን ቈልዑን ቍጽሪ ጥራይ ኣይኰኑን ፍጡራት’ዮም፡ ማሕበረሰብ ዓለም ዝዀነ ስጕምቲ እንተዘይወሲዱ ከኣ ሰባት ክሞቱ’ዮም” ትብል ኣሚና መሓመድ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







