ሱዳን፡ ዘተ ሰላም ኣብ ዝማህመነሉ ጥምየት ዘማህመና ሃገር

ሱዳን ኣብ ዓለም ንዝበዝሐ ሰብ ጥምየት ዘጥቃዓላ ሃገር ኮይና ኣላ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ጥምየት ንሱዳን ኣመና ይሃስያ እዩ ዘሎ።

እቲ መንግስቲ ምዃኑ ዝፍለጥ ሰራዊት ሱዳን፡ ነዚ ጥምየት ንምዕጋት ኣዝዩ ውሱን ስጕምትታት’ዩ ወሲዱ። ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 15 ረድኤት ዝጽዓና መካይን ሕቡራት ሃገራት ብዶብ ጫድ ናብ ሱዳን ክኣትዋ ኣፍቂዱ።

ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ህይወት ሚልዮናት ንምድሓን ኵሉ ክኽፈት ከምዘለዎ’የን ዝምሕጸና።

እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ዝተገበረ ኣዝዩ ውሑድን ኣዝዩ ዝደንጐየን ምዃኑ ስግኣተን ይገልጻ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ሰሙን ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ዳርፉርን መብዛሕትኡ ክፋል ምዕራብ ሱዳንን ኣዝዩ ህጹጽ ረድኤት ከምዘድልዮ ገሊጹ።

እዚ ምባል ዘገርም ኣይነበረን፤ ምኽንያቱ እቲ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ቅድሚ ሓያለ ኣዋርሕ’ዩ ካብ ዓለም እቲ ዝኸፈአ ሰብኣዊ ቅልውላው ምዃኑ ተነጊሩ።

ፍርቂ ካብቲ 45 ሚልዮን ህዝቢ ሱዳን ኣዝዩ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮ ካብ ዝንገር ሓያለ’ዩ ገይሩ።

ካብ ሱዳናውያን እቶም 12 ሚልዮን ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም’ዮም፤ ካብዚኦም እቶም ክልተ ሚልዮን ናብ ጫድ፡ ግብጽን ደቡብ ሱዳንን ዝተሰደዱ እዮም።

ገለ መጽናዕትታት ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት 2.5 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ሱዳን ብጥምየት ክሃልቕ ከምዝኽእል’ዮም ዝሕበሩ።

ጥምየት ከም ብረት

ቀንዲ ጠንቂ ጥምየት ሱዳን ዓሰርተታት ዓመታት ዘቝጸረ ግዕዙይ ምሕደራ፡ ኲናት፡ ደርቅን ክሊማዊ ለውጥን’ዩ።

ሕጂ ከኣ ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ኰይኑ እቶም ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዶም ዘለዉ ሓይልታት ንጥምየት ከም ብረት ይጥቀምሉ ኣለዉ።

እቲ ኣብ መንጐ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ [ወይ ሕመቲ] ዝምርሑ ሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍን ዝነበረ ምትፍናን ኣብ ምያዝያ 2023’ዩ ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሑ።

ሰራዊት መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ናብ ካርቱም ምስ ኣተዉ ልክዕ ከም ኣንበጣ ንዅሉ’ዮም ዘሚተሞ፡ እቲ ክሽየጥ ዝኽእል ከኣ ሸይጠሞ።

ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ከም ሆስፒታላትን ኣብያት ትምህርትን ዝርከቦ ማሕበራዊ ትሕተ ቅርጺ ከኣ ከቢድ ዕንወት ኣውሪዶም።

መራሒ ሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ኣብ ገማግም ገዘይርን ስናርን ዝነበረ ሕርሻ ኵሉ ዓንዩ’ዩ።

ነባሪ እቲ ከባቢ ኣዝዩ ልሙዕ ካብ ምዃኑ ዝተለዓለ ጥምየት ርእዩ ዘይፈልጥ ሕብረተሰብ’ዩ ፤ ሕጂ ግን እቲ ጥምየት ንዕኡ’ውን ኣራኻኺብሉ።

ኣብ ዳርፉር ዘሎ ጥምየት ከኣ ዝሓለፈ’ዩ፡ ብፍላይ ኣብታ ሰራዊት ሱዳን ሒዝዋ ዘሎ ኣልፋሽር ከኣ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጥምየት’ዩ ኣጋጢሙ ዘሎ።

እታ ከተማ ብሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ’ያ ተኸቢባ ዘላ፤ እቶም ኣብ ጥቃ እታ ከተማ ዘሎ ዛመዛም ዝበሃል መዓስከር ስደተኛታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ሓካይም ብዘይ ዶብ ናብ ደረጃ ዓጸቦ ዝበጽሐ ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጠመ ምሕባሮም ይዝከር።

ሰራዊት ሱዳን ከም ቀንዲ ስትራተጂ ሒዝዎ ዘሎ፡ ነቲ ሰራዊት ሕመቲ ሒዝዎ ዘሎ ቦታታት ረጊጥካ ምኽርዳን’ዩ።

እዚ ስትራተጂ እዚ ነቲ ካብ ግዳም ናብ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ክውሕዝ ዝኽእል ሓገዝ ንምዕጋትን እቶም ሰራዊት ኢዶም ንኽህቡ ንምግዳድን ዝዓለመ’ዩ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ መዓልቲ ሰራዊት እናኣኽበሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እዚ ስትራተጂ እዚ ካብ 1983-2005 ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሱዳን ኣብ ዝነበረ ኲናት ኣዐዊቱ’ዩ።

ጀነራላት ሱዳን ኣብቲ እዋን ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ዞባ ሰብኣዊ ረድኤት ንኸእቱ ምፍቃዶም ክሳብ ሕጂ’ዩ ዘጣዕሶም፡ እቲ ምኽንያት ከኣ እቲ ረድኤት እቲ ኲናት ነዊሕ ንኽጸንሕን ደቡብ ሱዳን ከም ሃገር ናጽነታ ንኽትእውጅን ኣበርክቶ ነይርዎ’ዩ እዮም ዝብሉ።

ሰራዊት ሱዳን ነታ እንኮ ወደብ ሱዳን ዝዀነት ፖርት ሱዳን ብምቍጽጻር ንዅሉ ዝኣቱን ዝወጽአን ንብረት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእትእዎ ይርከብ፡ ሕቡራት ሃገራት’ውን ንሰራዊት ሱዳን’ዩ ከም ወግዓዊ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣፍልጦ ሂብዎ ዘሎ።

ዋላ’ኳ ሰራዊት ሲዳን ካብ ዶብ ጫድ ልዕሊ 160 ኪሎሜተር ርሒቑ እንተሎ፡ ጠበቓታት ሕቡራት ሃገራት ግን ዝዀነ ረድኤት ናብ ሱዳን ክኣቱ እንተዀይኑ ወግዓዊ መንግስቲ ሱዳን ፍቓድ ክህብ ከምዘለዎ’ዮም ዝገልጹ፤

ሰራዊት ሱዳን ከኣ ነዛ ነጥቢ እዚኣ ከም መጣልዒ ካርታ ይጻወተላ ኣሎ።

ኣመና ውሑድ መጠን ረድኤት

ኣብ ሰነ ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣልሃሪስ እድሪስ ኣልሃሪስ መሓመድ ነቲ ጥምየት ከም ምኽንያት ተጠቂመን ጸላእቲ ሱዳን ዝበለን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ጣልቃ ይኣትዋ ኣለዋ ብምባል ኮኒኑወን ነይሩ።

ንሱ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ጥምየት ኣሎ ኢሉ እንተኣዊጁ ‘ኣርማጌዶን’ ክልዓል ምዃኑ ኣፈራሪሑ።

እንተዀነ ድሕሪ ዝተኻየደ ተፍትሽ ኣብ ሱዳን ጥምየት ከምዘሎ ተኣዊጁ’ዩ።

ብድሕሪ'ዚ ሰራዊት ሱዳን ንሓንቲ ካብተን ምስ ጫድ ዘራኽባ ዶባት ንሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ከፊትዎ።

ካብተን ረድኤት ጽዒነን ዝጽበያ ዝነበራ 131 መካይን ከኣ እተን 15 ጥራይ ክሓልፋ ኣፍቂዱ።

ትካላት ወሃብቲ ረድኤት፡ ሰራዊት ሱዳን እቲ ረድኤት ንኸይሓልፍ ዝዀነ ምኽንያት’ዮም ዝደልዩ ይብሉ።

እቲ ኣብ ዳርፉር ዘሎ ጥምያት ከኣ ኣሽሓት ረድኤት ዝጸዓን መካይን ዝጠልብ’ዩ ኰይኑ ዘሎ።

እቲ ረድኤት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘሎ ወደባት ተጻዒኑ ናብ ጫድ ንኽበጽሕ ጥራይ ሰሙናት’ዩ ዝወስድ።

እቶም ኣብ ሱዳን ብጥምየት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት እኹል ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽቡ እንተዀይኖም ከኣ ኵሉ መስመራት’ዩ ክኽፈት ዘለዎ፡ ፖርት ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሊብያን ግብጽን።

እዚ ንክኸውን ከኣ እቶም ክልተ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዶም ዘለዉ ሱዳናውያን ሓይልታት ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ብምፍራም ዝምታ ደው ከብልዎ ኣለዎም።

እንተኾነ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምምዕ ናይ ምምጻእ ድሌት ከምዘለዎም ግን ዝዀነ ምልክት የለን።

ካብ ጫድ ናብ ሱዳን ንምስጋር ዝተዳለዋ ረድኤት ዝጽዓና መካይን

ምንጪ ስእሊ, IOM / REUTERS

ዞባዊ ዓብላልነተን ንምርግጋጽ ሃገራት ዝፈጥረኦ ዘለዋ ሕልኽላኻት

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንኽልቲኦም ወገናት ኣብ ጀነቫ ብምርኻብ ሰላም ከውርዱ ዝተኻየደ ጻዕሪ ዝዀነ ፍረ ኣይተረኸቦን።

ኣብቲ ስዊዘርላንድ ዘአንገደቶ ዘተ ኣመሪካን ስዑድ ዓረብን’የን ኣሸማገልቲ ነይረን።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ቶም ፓሬሎ ነቲ ርከብ ዓቢ ተስፋ’ዩ ኣሕዲርሉ ነይሩ።

ንሱ ክልቲኦም ጀነራላት ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ኵናት ደው ንኸብሉ ንኽሰማምዑ’ዩ ኣንቂዱን ተተስፍዩን ነይሩ።

እንተዀነ ጀነራል ኣልቡርሃን ብኣካል ንምኻድ ይኹን ላዕለዋይ ልኡኽ ንምስዳድ ፍቓደኛ ኣይነበረን።

ንሱ፡ ሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍ ካብቲ ሰብ ዝነብረሉ ቦታታት ጠቕሊሎም ክወጽኡ’ዩ ከም ቅድመ ኩነት ጠሊቡ።

እዚ ምስ ኮነ ቶም ፓሬሎ ብቴሌፎን ንኸራኽቦምን ፈቲኑ ጸሓፊ ጉዳያት ወጸኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን’ውን ሰብኣዊ ረድኤት ንኽኣቱ ጽርግያታት ክኽፈት ተማሕጺኑ።

እንተዀነ ብቴሌፎን’ውን ክረኸቡ ድላይ ኣየርኣዩን ካልኣይ ፈተነ መዓልቲ ኣብ ዘይተገለጸ ኣብ ቀረባ ግዜ ክካየድ ምዃኑ ግን ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ሱዳን ኵናት ደው ይበል ክትብል ኣብ ጀኔቫ ዝተረኸብ ሱዳናዊት

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዲፕሎማሰኛታት ግን እተን ንኽልቲኦም ወገናት ዝሕግዛ ዘለዋ ሃገራት፤ ንዳጋሎ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንኣልቡርሃን ከኣ ስዑድያን ግብጽን ኣብ ሓደ ምርድዳእ ከይበጽሓ ክልቲኦም ወገናት ክረዳድኡ ከምዘይክእሉ’ዮም ዝምጉቱ።

ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብቲ ዞባ ዘለወን ረብሓታት ንምውስ መን ጐብለል ኰይኑ ይወጽእ ንኸርእያ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንሱዳን’ዩ ሜዳ ዓውደ ውግእ ገይረናኣ ዘለዋ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዋላ ደኣ ኣሉ ትበሎ’ምበር ንሰራዊት ዳጋሎ ብገንዘብን ብወተሃደራዊ መሳርሒታትን ከምእትድግፍ መርትዖታት ኣሎ፡ ስዑድያ ከኣ ናብ ኣልቡርሃን ወጊናያ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ኣቐዲሙ ኣብ ጅዳ ስዑድ ዓረብ ብተደጋጋሚ ዝተፈተነ ሽምግልና ንስዑድያ ዲል ንዘይምሃብ ክትሳተፍ ኣይመረጸትን።

ስዑድያ’ውን እንተዀነት ኣብቲ ንሱዳን መን ይምርሓያ ዝብል ነጥቦ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓሳብ ክትህብ ኣይትፈቕድን’ያ።

ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝተፈተነ ዘተ ሰላም ወከልቲ ስዑድያን ኢማራትን ከም ተዓዘብቲ ኮይኖም መጺኦም ነይሮም’ዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ሱዳን ኲናት ሓድሕድ ይካየድ ኣሎ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጥምየት ከኣ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝበኣሰ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ሱዳናውያን እዚ ኲናት ሓድሕድ ብቕልጡፍ ሰለማዊ መዓልቦ ክረክብ’ዮም ዝትስፈዉ። እንተዀነ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ምልክታት ግን ተስፋ ዝህብ ኣይኰነን።

ኣዳላዊ እዚ ጽሑፍ፡ ኣሌክስ ደ ዋል ኣብ ዩኒቨርስቲ ተፍትስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዳይረክተር ‘ዎርልድ ፒስ ፋውንደሽን’ እዩ።