ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 44 ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደ ገዛ ብኸመይ ተረኺቦም?

ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, MARCO LONGARI

ፖሊስ ጆሃንስበርግ ብሓሙስ፡ ባሕቲ ግንቦት 2025፡ ልዕሊ 40 ኢትዮጵያውያን ብዘይ ፍቓዶም ኣብ ሓደ ገዛ ተዓጽዮም ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ እቲ ከባቢ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ምዃኖም ዝእመነሎም ኢትዮጵያውያን፡ ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ፍተሻ ኣብ ዘካየዱሉ እዋን ንዝሰምዕዎ ድምጽን ኣውያትን ስዒቡ ኣብ ሓደ ገዛ ተዓጽዮም ከምዝተረኽቡ ሓቢሩ።

እቶም 44 ኢትዮጵያውያን ኣብ ሰሜን ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ከባቢ እዮም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ተረኺቦም።

ፖሊስ ከምዝሓበሮ ካብዞም ዘይሕጋውያን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት እቶም 27 ኣባጽሕ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ 17 ድማ ትሕቲ ዕድመ እዮም።

ይዅን እምበር፡ ዋላ ሓደ ካብኣቶም እንግሊዝኛ ይዅን ቋንቋ እቲ ከባቢ ዝዛረብ ስለዘይነበረ፡ ተርጓምን ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታን ክሳብ ዝረክብ ናብቲ ዝተረኽበሉ ገዛ ብኸመይ ከም ዝኣተዉን እንታይ ከም ዘጋጠሞምን ብንጹር ክፈልጥ ከምዘይተኽኣለ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ማቪላ ማሶንዶ ገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ዝነብሩሉ ቦታ ብፖሊስ ምስተረኸበ ዋና እቲ ገዛ ይዅን እቶም ኣብቲ ገዛ ዝዓጸውዎም ኣይተረኸቡን፤ ከም ዝሃደሙ ድማ ይእመን።

ቅድሚ ሕጂ ዝተዘርግሑ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝሓሸ ናብራ ንምድላይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንሃገራት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ሰጊሮም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይኣትዉ፤ ኣብ መገዶም ከኣ ብኣሰጋገርቲ ሰባት ዝተፈላለየ ዓይነት ግህሰትን ዓመጽን ይበጽሖም።

ቅድሚ ሕጂ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃን ዓለምለኻዊ ትካል ፖሊስ 'ኢንተርፖልን'፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእታው ኣብ ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ስክፍታኦም ገሊጾም ነይሮም።

ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝብገሱ ኢትዮጵያውያን መብዛሕትኡ ግዜ ዝገብርዎ ጕዕዞን ዝጸንሑሉ ኵነታትን ንጥዕናኦም ይዅን ህይወቶም ኣብ ሓደገኛ ዘውድቕ ምዃኑ ኣብ ሕሉፍ ዘጋጠሙ ፍጻመታት የመልክቱ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ሞዛምቢክ ብውሕዱ 64 ኢትዮጵያውያን ኣየር ብዘይረኽቡሉ ኵነታት ብመኪና እናተጓዓዙ ሞይቶም ተረኺቦም።

ብተመሳሳሊ 30 ሬሳታት ናይቶም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን እውን ኣብ ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ።

ኢትዮጵያውያን ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣቢሎም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምጕዓዝ ብዙሕ ገንዘብ ይኸፍሉ፤ ኣብ መንገዲ ድማ ከቢድ ግህሰት ከምዘጋጥሞም ይግለጽ።

እቶም ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ በጽሑ'ውን እኹል መግብን ማይን ከይረኸቡ ኣብ ጽዑቕ ኩነታት ከምዝተሓዙ ፖሊስ ቅድሚ ሕጂ ሓቢሩ ነይሩ።

ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ገዛ ተታሒዞም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዝእመነሎም 26 ሰባት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ'ዩ።

ካብቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ዝተረኽቡ ስደተኛታት 15 ዕርቃኖም ዝነበሩ ኮኰይኖም፡ እቶም ዝተረፉ 11 ኣብ ጥቓ እቲ ገዛ ዝተረኽቡ ድማ ኣካላዊ ማህሰይቲ በጺሕዎም ምንባሩ ፖሊስ ኣብቲ እዋን ገሊጹ።