ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንምምላስ ስደተኛታት ውሑሳት ዝበለን ሃገራት ኣየኖት እየን?

ናብ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕብረት ኤውሮጳ ከም ኣካል ናይቲ ሕቶ ዕቝባ ንምቅልጣፍ ዘውጽኦ መደብ፡ ከም ውሑሳት ዝቘጽረን ሸውዓተ ምንጪ ስደተኛታት ዝዀና ሃገራት ዘርዚሩ።

ካብ ኮሶቮ፡ ባንግላድሽ፡ ኮሎምብያ፡ ግብጺ፡ ህንዲ፡ ሞሮኮን ቱኒዝያን ዝመጽኡ ሰባት፡ ዕቝባ ከይወሃቦም ትጽቢት ስለ ዝግበር፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ሕቶ ዕቝባኦም ብቕልጡፍ ክስራሕ ይሓትት።

ማርኩስ ላመርት ካብ ኮምሽን ኤውሮጳ፡ ዝርዝር ውሑሳት ሃገራት ክቕየር ከም ዝኽእል፣ ኣብ ልዕሊኡ ክውሰኽ ወይ ዳግማይ ክኽለስ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ሃገራት ድሕሪ ሕጂ ውሑሳት ተባሂለን እንተ ዘይተቘጺረን ካብቲ ዝርዝር ክእለያ ከም ዝኽእላ ይዛረብ።

ኣብ 2015-16 ኣትሒዙ ብዙሓት ሰባት ብዘይ ግቡእ ወረቐት ናብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ዝውሕዙ ንደሓር፡ እተን ሃገራት ሕጊ ዕቝባ ክቕይራ ድላይ ኣሕዲረን እየን።

መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ኮምሽን ንምምላስ ስደተኛታት ዘቀላጥፍ መደብ ክሕንጽጽ ጸዊዖም ነይሮም። ምኽንያቱ፡ ኣሃዛት ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝሕብሮ፡ ካብቶም ሕቶኦም ዝተነጽገ ትሕቲ 20 ሚእታዊት ጥራሕ እዮም ናብ መበቈል ሃገሮም ተመሊሶም።

ብመሰረት እቲ ውጥን፡ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ውሑሳት ሃገራት ወይ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ተቐባልነት ዝወሃቡ ንዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቝባ፡ ብቕልጡፍ ንሕቶ ዕቝባኦም ከጻርያ ይኽእላ እየን።

እተን ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ንምጽንባር ሕጹያት ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ብቐጥታ ውሑሳት ተባሂለን ክቝጸራ እየን። ከም ዩክረይን ዝኣመሰላ ኣብ ኲናት ዘለዋ ሃገራት ግን ጉዳየን ብፍሉይ ዝርአ ክኸውን እዩ።

እታ ገደብ ስደተኛታት ክግበር ኣበርቲዓ ትደፍእ ዘላ ኢጣልያ፡ ካብ 2015 ኣትሒዛ ዓቢይ ዋሕዚ ስደት ክትርኢ ከላ፡ ጀርመን ዝርከብአን ሃገራት ከኣ ነዚ ዋሕዚ ንምግዳብ ኣብ ዶባተን ምቍጽጻር ኣኽሪረን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኢጣልያ ድሮ ካብተን ውሑሳት ሃገራት ኢለን ዝመደባ ሓያሎ ሃገራት እኳ እንተዀነት፡ እቲ ሓባራዊ ውጥን ሕብረት ኤውሮጳ ምህላው ግን እቶም ሓተትቲ ዕቝባ ናብተን ፍዅስ ዝበለ ሕግታት ዘለወን ሃገራት ካብ ምኻድ ደው ከብሎም ከም ዝኽእል ይእመነሉ።

ሞሮኮ፡ ቱኒዝያን ግብጽን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓያሎ ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕረን ነቒሎም ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ተመልኪተን እየን።

ብጆርጅያ ሜሎኒ ዝምራሕ የማናዊ መንግስቲ ኢጣልያ ነቲ ዝርዝር ብሓጐስ ተቐቢሉዎ ኣሎ። ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ማትዮ ፒያንተዶሲ ንሮማ ዕዉት ምዃኑ ብምንኣድ፡ ባንግላድሽ፡ ግብጽን ቱኒዝያን ኣብቲ ዝርዝር ምክታተን ጽቡቕ እዩ ኢሉ።

ደያኑ ኢጣልያ፡ ነቲ ሜሎኒ ካብ ግብጽን ባንግላድሽን ዝመጽኡ ስደተኛታት ናብ መዳጐኒ ማእከላት ኣልባንያ ንምልኣኽ ዝሓንጸጸቶ መደብ ደው ኣቢሎምዎ። መንግስቲ ሮማ እዘን ሃገራት ውሑሳት መሲሉዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ቤትፍርዲ ኤውሮጳ ግን ኣብተን ሃገራት ዝርከቡ ከባቢታት ከም ውሑሳት ክቝጸሩ ከም ዘይክእሉ ገሊጹ።

እቶም ሓደስቲ እማመታት ብኽልተኡ ፓርላማ ኤውሮጳን ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ምጽዳቕ ከድልዮም እዩ። ገለ ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ብዛዕባ'ቲ ውጥናት ስክፍታኦም ገሊጾም ኣለዉ።

ዩሮሜድ ራይትስ - መርበብ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት - ነተን ሸውዓተ ሃገራት ውሑሳት እየን ኢልካ ምጽዋዕ ምድንጋርን ሓደገኛን ምዃኑ ኣጠንቂቑ፣ ምኽንያቱ፡ "ንገዛእ-ዜጋታተንን ስደተኛታትን ዝተሰነደ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘካይዳን ውሱን ከለላ ዘለወንን ሃገራት እየን፡" ይብል።

ወሃቢ ቃል ኮምሽን ማርከስ ላመርት፡ "መሰረታውን ሰብኣውን መሰላት ኣይነጕድልን ኢና፡" ኢሉ። "ብመሰረት ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣባል ሃገራት ንነፍሲ-ወከፍ ሕቶ ዕቝባ ብጥንቃቐ ክምርምራ ኣለወን፡" ኢሉ።