ስደተኛታት ብኣኽላባት እናተሃደኑ ናብ ኤውሮጳ ዝሰግርሉ ጽዑቕ ጫካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዳዊት - ትኽክለኛ ስሙ ኣይኰነን - ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ መንእሰይ እዩ።
ሓፋርን ልዝብ ዝበሉ ቃላት ዝዛረብ ስደተኛ'ዩ።
ካብ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ሃዲሙ ከም ዝወጽአ ይዛረብ።
ነቶም ብሩስያን ቤላሩስን ኣቢሉ ናብ ፖላንድ ንክኣቱ ዝሓገዙዎ ኣሰጋገርቲ ሰባት ኣስታት 7,000 ዶላር ከፊለ ይብል።
ንሱ ሓደ ካብቶም ኣብ 2021 ዶብ ቤላሩስን ፖላንድን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝሰገሩ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት እዩ።
ዳዊት ኣብ ፖላንድ ክጸንሕ እኳ እንተደለየ፡ ብዙሓት ካብቶም ካልኦት ኣብ ጉዕዞኡ ዝረኸቦም ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኸዱ ከም ዝደልዩ ይዛረብ።
ኣብ ጥቓ እቲ ዶብ ሓደ ካብቲ ናይ መወዳእታ ተረፍ ናይቲ ኣብ ሓደ እዋን ንኤውሮጳ ዝሽፍን ዝነበረ ሰፊሕ ጫካ እዩ ዘሎ።
ጫካ ቢያሎቪየዛ ይብሃል።
እዚ ኣብ ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ] ዝሰፈረ ሓድጊ ብምዃኑ፡ ፍሉይ ሓለዋ ይግበረሉ።
ስደተኛታት ግን፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ዝጥቀምሉ መገዲ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ጫካ ልዕሊ 193 ኪሎ ሜትር ዝዝርጋሕ ሓጹር ኣሎ። መንግስቲ ፖላንድ ብ2022 ሓለዋ ዶባቱ ከምኡ'ዉን ዶብ ኤውሮጳ ንምድልዳል ዝሃነጾ ሓጹር'ዩ።
ኣብ 2024 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ጥራይ ካብ ቤላሩስ ናብ ፖላንድ ዶብ ንምስጋር ኣስታት 30 ሽሕ ፈተነታት ተኻይዱ።
ሓለውቲ ዶብ ፖላንድ ቀትርን ለይትን ብእግሪን ድሩዓት ወተሃደራዊ መካይንን ተዓጢቘም ጥቡቕ ሓለዋ ይገብሩ።
ብተወሳኺ፡ ልዑል ቴክኖሎጂ ዘለወን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተጠቒሞም ንሰማያት እታ ሃገር ይከታተሉ።
ሚካል ቡራ ዝተባህለ ሓላፊ ሓይሊ ዶብ፡ ኣብ ጐኒ እቲ ልዕሊ ሓሙሽተ ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ልዕል ዝበለ ሓጹር ረኺብናዮ።
"ካብቶም ኣሰጋገርቲ ሓደ ስጕሚ ክንቕድም ኣለና። ካብ ጸላእትና ሓደ ስጕሚ ክንቅድም ኣለና፡" ይብል።
ቡራ፡ ንቤላሩሳውያን ማዕረ እቶም ጸላእቲ ዝብሎም'ዩ ዝገልጾም።
"ብወገን (ቤላሩስ) ዘለዉ ሓለውቲ ምስ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ይሰርሑ ኣለዉ። ነዚ ዶብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ክሰግሩሉ ዝኽእሉ ቦታ የመልክቱ። ከም መሳልልን መቝረጺ ሽቦን ዝኣመሰሉ ኣድለይቲ መሳርሒታት'ዉን ይህብዎም" ክብል ይኸስስ።
ሰበስልጣን ፖላንድ ግን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘይሕጋዊ ተግባር ብምፍጻም እውን ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ታሕሳስ 2024 ዝወጽአ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ሰበስልጣን ፖላንድ "ብዘይሕጋዊ መገዲ፡ ሓሓሊፉ ድማ ብዓመጽ፡ ነቶም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዝፍትኑ ሰባት፡ እቶም ስደተኛታት ዘድልዮም ሓለዋ ኣብ ግምት ከየእተዉ ናብ ቤላሩስ ክምለሱ የገድድዎም" ከም ዘለዉ ኣረጋጊጹ።
ፖላንድ፡ ኣብ ዶባት ዘሎ ህላወ ወተሃደራት ኣዕቢያቶ እያ።

ምንጪ ስእሊ, Jack Garland, BBC News
ኤውሮጳ፡ ድሕሪ'ቲ ብሰፊሑ ቅቡልነት ዝስኣነ ኣብ 2020 ዝተኻየደ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ዝተዓወተሉ መረጻ ኣብ ልዕሊ ቤላሩስ ጥንኵር እገዳታት ገይሩ።
ነዚ ስዒቡ ስደተኛታት - መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝመጽኡ - ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ዶብ ፖላንድ ገጾም እንተተጸጊዖም ጣልቃ ከም ዘይኣቱ ገሊጹ።
ሉካሼንኮ ኣብ 2021 ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንስደተኛታት ኣብ ዶብ ኣይኣስሮምን፡ ኣብ ዶብ ኣይሕዞምን፡ ምምጻእ ደው እንተዘይኣቢሎም'ዉን ኣይዓግቶምን እየ ኢለዮም'ዮም (ንሕብረት ኤውሮጳ)፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ቤላሩስ ስደተኛታት ነዚ መስመር ናብ ኤውሮጳ መሰጋገሪ ንክጥቀሙሉ ኰነ ኢላ ተባብዕ ኣላ ዝብል ክሲታት ይቐርበላ እዩ።
ኣብ 2021 ብመንግስቲ ሉካሸንኮ ዝመሓደር ኤጀንሲ ጕዕዞ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ዶብ ብምምችቻው ብሕብረት ኤውሮጳ እገዳ ተገይሩሉ።
እዚ ኤጀንሲ -ትሰንትርኩሮርት - ኣብ 2021 ንብርክት ዝበሉ ዒራቓውያን - ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ሓዊሱ - ቪዛ ቱሪዝም ንምሃብ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቤላሩስ ከም ዘመልከተ ቢቢሲ መርትዖታት ርእዩ።
እቲ ቪዛ፡ እቶም ሰባት ኣብቲ ኣብ ቤላሩስ ዝርከብ ሕዙእ ከባቢታት ጫካ ቢያሎቪየዛ ክኣትው ሕጋዊ ፍቓድ ዝህቦም'ዩ፤ እዚ ድማ ንዶብ ፖላንድ ኣዝዩ ቀረባ እዩ።
በዓል መዚ ዶባት ቤላሩስ፡ ስደተኛታት ዶብ ክሰግሩ ይሕግዞም'ዩ ንዝብል ክሲ ይነጽጐ።
"ቅልውላው ስደት ካብ ዝጋደድ ንደሓር፡ ኮሚቴ ዶብ ሃገራት ብተደጋጋሚ እቲ ጕዳይ ሕብረት ኤውሮጳ ጠመተ ክገብረሉ፡ ሃናጺ ዘተን 'ምፍታሕ' ናይቶም ምስ ምቅላስ ዘይሕጋዊ ስደት ዝተኣሳሰሩ ስግረ-ዶባዊ ፕሮጀክትታት ምትሕግጋዝ ንክግበርን ሓቲቱ እዩ።
"እቲ ዘሕዝን ግን ጐረባብቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ክንዲ ኣብ ሃናጺ ዘተ ዝዋፈራ፡ ዶባት ወተሃደራዊ ምግባር፡ ምርጻምን ንጕዳያት ምትሕብባር ዶባት ዘይምግዳስን መሪጸን። ሎሚ፡ ነቲ ዝቕልቀል ዘሎ ጸገም ስደት ንምፍታሕ ሱር በተኻዊ ኣገባባት ይጥቀማ ኣለዋ፡" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።
ዋሕዚ ስደተኛታት እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ኣብ መንጐ እቶም ብኽልቲኡ ወገን ዶብ ንምምሕዳር ሓላፍነት ዝተዋህቦም ሰባት ዝነበረ ርክብ ኣዝዩ ተቐይሩ እዩ።
"ክሳብ ቅድሚ ገለ ዓመታት... ነዕልሎም፡ ብሓባር ሽጋራ ንስሕብ ነይርና። ሕጂ ንሓድሕድና ጥራይ ኢና ንተሓላሎ። ምስኦም ዝዀነ ርክብ የብልናን" ይብል ቡራ።
ዋላ'ኳ ካብ ፖላንድ ዝግበር ጻዕርታት እንተወሰኸ፡ ኣብ 2024 ኣስታት 30 ሽሕ ፈተነታት ዶብ ምስጋር ተኻይዱ - እዚ ድማ እቲ ቅልውላው ኣብ 2021 ካብ ዝጅምር ንደሓር ዝተመዝገበ ዝለዓለ ቁጽሪ እዩ።
ብዙሓት ካብኣቶም ድማ፡ ዕድል ገይሮም ክሰግሩ እንተኽኢሎም ኣብ ሕማቕ ኵነታት እዮም ዝወድቍ።
'እንተጐዪኻ፡ ከልቢ'ዮም ዝሰዱልካ'
እቲ ጫካ ጽዑቕን ይምሕረት ዘይብሉን እዩ።
እቲ 5.5 ሜትሮ ዝቑመቱ ብዕሾኽ ዝተሰርሐ ሓጹር፡ እቲ ዝበጽሐካ መጕዳእቲ ዘስካሕክሕ ክኸዉን ይገብሮ።
ብመሰረት ሓበሬታ ጉጅለ ምክትታል - 'We Are Monitoring group'- 89 ሰባት ዶብ እናሰገሩ ሞይቶም።
ስደተኛታት ንምስጋር ዝሕግዞም መሳርሒታት እኳ እንተተዋህቦም፡ ሓለውቲ ሰባት ካብ ግዝኣቶም ወጺኦም ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ክደፍኡ ስለ ዝገብሩዎ፡ ብኣኽላባት ሓይሊ ዶብ ቤላሩስ ክህደኑ ልሙድ ምዃኑ ይዛረቡ።
እዚ ብፍላይ ኣብቲ ዞባ ልዑል ዛሕልን በረድን ኣብ ዝህልወሉ ወቕቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ይኸዉን።
"እንተጐዪኻ፡ ብድሕሬኻ ከልቢ እዮም ዝሰዱ። ሰባት ኣብ ክሳዶም ከምኡ'ውን ኣብ እግሮም ክንከሱ ርእየ'የ" ይብል ዳዊት።
ኦልጋ፡ ኣብ ሓደ ናብ ጫካ ብምኻድ ሓደስቲ መጻእቲ ሓገዝ ክረኽቡ ዝገብር ገባሪ ሰናይ ትካል ትሰርሕ።
እቶም እትረኽቦም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ዝፈርሑን ሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ትዛረብ።
"ብሰንኪ ብልሒ ዘለዎ ሓጹር ሽቦ ብዙሕ መጕዳእቲ ኣለዎም። ሓሓሊፉ ካብ ሓጹር ስለ ዝዘሉ ቅልጽሞም፡ እግሮም ይስበር" ትብል።
መብዛሕትኦም ስደተኛታት ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝዀኑ እትገልጽ ኦልጋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን ግን ኣስታት ፍርቂ ዝኣተው ስደተኛታት ደቀንስትዮ ከም ዝዀና ሓቢራ።
እቲ ገባሪ ሰናይ ነቶም ፍቓደኛታት ዝዀኑ ናይ ዑቕባ ምኽሪ ይህብ።

ምንጪ ስእሊ, Jack Garland, BBC News
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብሰንኪ እቶም ስደተኛታት ደርብዮምዎ ዝሓልፉ ጐሓፍ ባርዕ ጫካታት ከጋጥምን ባህርያት እንስሳታት ጫካ ቢያሎቪየዛ ይቕየርን ኣሎ።
ጨና ደቂ ሰባት ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ሓለውቲ ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዕሽሽ ኢሎምዎ ዝነበሩ ክፋላት እቲ ጫካ ይግዕዙ ኣለዉ።
ኣብቲ ጫካ እግሪ ሰባት ብምብዝሑ ድማ፡ ክኢላታት ከወግዱዎም ክኢሎም ዝነበሩ ባዕዳውያን ዓይነታት እንስሳታት ይምለሱ ኣለዉ።
ማቴውስ ስዚሙራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ከም ሓላዊ ኣግራብ ዝሰርሐ ኰይኑ፡ ምሉእ ህይወቱ ኣብ ቢያሎቪየዛ እዩ ኣሕሊፉዎ።
ኣብቲ ጽዑቕ ጫካታት፡ ብዙሕ ግዜ ስደተኛታት ከም ዝርኢን ካብ ቤላሩስ ዝመጽእ ስጕምቲ ዘይምህላዉ ከም ዘተሓሳስቦን ይዛረብ።
"ንሳቶም (ቤላሩስ) ኣብቲ ብጥብቂ ዝተሓለወ ከባቢታት ሰባት ክህልዉ ምስ ዝፈቕዱ ጥራይ'ዩ፡ ኣብ ጫካ ቢያሎዊዛ ዘጋጥም ጸገማት ክውስኽ ዝኽእል፡" ይብል።
ብፍላይ ኣብ ክረምቲ ዝረአ ኩነታት ኣረሜናዊ ክኸውን ስለ ዝኽእል ብዙሓት ስደተኛታት ብሃይፖተርሚያ - ኣዝዩ ውሑድ ሙቐት ሰብነት - ይሳቐዩ።
ይኹን እምበር ንብዙሓት እዚ ኣብ ጉዕዞ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝገብርዎ ጕድጓድ ጥራይ እዩ።
ዘይሕጋዊ ስደት ቤላሩስ ከም ፖለቲካዊ ካርድ ክሳብ ዝተጠቐመትሉ ድማ፡ እዚ ቅልውላው'ዚ ኣብ ዶባት ኤውሮጳ ጽልዋ ከሕድር ክቕጽል እዩ።
ዳዊት፡ ካልኦት ብዙሓት ኣብ ጉዕዞኡ ዝረኸቦም ሰባት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምብጻሕ ከም ዝሕልኑ ገሊጹ።
ንሱ ግና ኣብ ፖላንድ ዑቕባ ሓቲቱ ኣሎ።
"ውሑስ ክኸውን ጥራይ እየ ዝደሊ። ንዕኡ እየ ኣብዚ ዝጸንሕ ዘለኹ"።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







