'ሓገዝ የድልየኒ ኣሎ' - ምሕጽንታ ኣብ ሚያንማር ዝተትሓዘ ኢትዮጵያዊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ንባዕሉ ማይክ እናበለ ዝፅውዕ ኢትዮጵያዊ፡ ኣብ ሚያንማር ምስ ካልኦት 450 ሰባት እታ ሃገር ምስ ታይላንድ ኣብ ዘዋስና ዶብ ኣብ ዝርከብ ሓደ ህንጻ ተዳጒኑ ይርከብ።
ካብቲ ዘለወሉ ኵነታት ንክወጽእ፡ "ብሽም ኣምላኽ፡ በጃዅም ሓግዙኒ፡" ክብል ይምሕጸን።
እዚአም፡ ካብቶም ንዓመታት ኣብ ዶብ ዝሰስኑ ዕሉላት መታለልቲ ጉጅለታት ሓራ ዝኾኑ ኣሽሓት ሰባት ኮይኖም፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ከባቢ ዶብ ታይላንድን-ሚያንማርን ካብ ዝተወስደ ስጉምቲታት እቲ ዝኸበደ እዩ።
መብዛሕትኦም ካብቶም ኣሽሓት ካብ ማእከላት ምትላላት [ስካም] ናጻ ዝወጽኡ ኰይኖመ፡ ግን ድማ ሕጂ ኣብ ሚያንማር ኣብ ግዝያዊ መዓስከራት ተዓጽዮም እዮም ዝርከቡ።
እዞም ውልቀሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ኣዝዮም ግኑናት ማእከላት ምትላል ክሰርሑ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ኣብዚ እዋን መንግስታት እተን ሃገራት ኣብ ልዕሊ እቶም ጉጅለታት ስጕምቲ ይወስዳ ከም ዘለዋ ይግለጽ።
ናይዚ ምኽንያት፡ መስርሕ ገምጋምን ምድላዉ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ በረራታትን ኣዝዩ ስለ ዝተደናጐየ ምዃኑ ይግለጽ።
እቶም ሒዞሙዎም ዘለዉ ዕጡቓት ጕጅለታት ምልሻ፡ ነቶም ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ዝዀኑ ሰባት ናይ ምድጋፍ ዓቕሞም ኣዝዩ ድሩት እዩ።
ሓደ ካብኣቶም፡ እቶም ካብቶም ማእከላት ዘውጽኡዎም ሰባት ብቕልጡፍ ናብ ታይላንድ ይግዕዙ ስለ ዘየለዉ፡ ሰባት ካብቲ ቀጽሪታት ሓራ ምውጻእ ከም ዘቋረጹ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ኣብተን መዓስከራት ዘሎ ኵነታት ጽሬት ዘይብሉ፡ መግቢ ዳርጋ እኹል ከም ዘይኰነን ብዙሓት ካብቶም ከም ማይክ ዝኣመሰሉ ነጻ ዝወጽኡ ሰራሕተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለዉን ክርዳእ ክኢሉ'ዩ።
ማይክ፡ ንሓደ ዓመት ኣብ ሓደ ብቐጻሊ ግዳይ ማህረምቲ ዝዀነሉ ዝነበረ ማእከል ምትላል ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ብስንባደ [panic attacks] ይሳቐ እዩ ዘሎ።
ኣብ መዓልቲ ክልተ መሰረታዊ መግቢ ከም ዝረኽቡ ነጊሩና፣ ን450 ሰባት ዝኸውን ክልተ ሽቓቕ ጥራይ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ሕጂ ኣብ ዝረኸቡዎ ይናጽሁ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ማይክ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ነቲ ኣብ ታይላንድ ጽቡቕ ስራሕ'ዩ ተባሂሉ ቃል ዝተኣተወሉ ስራሕ ተቐቢሉ ጀሚሩ ነይሩ።
ነዚ ዘድሊ ረቛሒ ጽቡእ ክእለት ቋንቋ እንግሊዘኛን ምጽሓፍን ጥራይ ከም ዝዀነ ተነጊሩዎ።
ልክዕ ከም ማይክ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ መርበብ ጕጅለታት ገበን ሚያንማር ኣትዮም ግዳያት ኰይኖም'ዮም።
እዞም ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ ዝወደቝ ደለይቲ ስራሕቲ፡ ነቲ ብቻይናውያን ኣብ ዝእዘዝ ብኢንተርነት ዝፍጸም ምትላል [ስካም] ንምስላጥ መዓልታዊ ንነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ዝተገደዱ'ዮም።
"ኣብ ህይወተይ ዝኸፍአ ተሞክሮ'ዩ፤ መውቃዕቲ በጺሑኒ'ዩ። ግን ኣብ ካልኦት ሰባት ብዙሕ ዝኸፍአ ክግበር ርእየ እየ፡" ይብል ማይክ።
ማይክ ሓደ ካብቶም ኣብ ዶብ ታይላንድን ሚያንማርን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምትላል ስርሒታት ክሰርሑ ዝተታሕዙ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ብቻይናውያን ሰራሕተኛታት ምትላልን ቁማርን ዝመሓደሩ እዮም።
ኣብዚ ንሳቶም ዝንቀሳቐስሉ ከባቢ ዘሎ ስርዓት-ኣልቦነት ሚያንማር ድማ ነዚ ከስፋሕፍሑ ዕድል ሂቡዎም።
ብዙሓት ካብቶም ግዳያት ዝመጹላ ቻይና፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ዶብ ምስ ሚያንማር ንዝካየድ ናይ ምትላል ስርሒታት ንምዕጻው ስጉምቲ ክትወስድ ተራእያ እያ።
ክሳብ ሎሚ ዓመት ግን፡ ቻይና ትኹን ታይላንድ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ'ቲ ከባቢ ዝረአ ዘሎ ገበናት ምትላል ዝረብሕ ስራሕቲ ኣይሰርሓን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣርያን ዝተባህለ ካብ ባንግላድሽ ዝመጽአ መንእሰይ፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ ኣብኡ ዘለዉ 17 ኣዕሩኽቱ ንምሕጋዝ ናብ ታይላንድ ተመሊሱ።
ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ሓደ ካብቶም ዕሉላት ማእከላት ምትላል ድሕሪ ምህዳሙ፡ ነዚ ክገብር ንነብሱ ቃል ከም ዝኣተወ ገሊጹ።
ነቲ ገና ኣብ ርሑቕን ጫካ ዝበዝሖን ጐልጎል ኣብ ህንጸት ዝርከብ ቀጽሪ ዝምልከት ሓጺር ቪድዮ እናተንቀጥቀጠ ከርእየና እንከሎ፡ ኣብኡ ንሱን መሓዙቱን ብኢድ ቻይናዊ ሓላፊኦም ዘጋጠሞም ዘስካሕክሕ ኣተሓሕዛ ይዝክር።
"ሰሙናዊ ከተዐውቱዎ ኣለኵም ዝብሉዎ ሸቶ 5000 ዶላር ክነእቱ ይእዝዙና። እንተዘይኰይኑ ክልተ ጊዜ ብኤሌክትሪክ የሳቕዩና፡ ወይ ድማ መሳዅቲ ኣብ ዘይብሉ ጸልማት ክፍሊ ይዓጽዉና። ብዙሕ ገንዘብ እንተረኺብና ግን ኣዝዮም ይሕጐሱ ነይሮም።"
ኣርያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ዒላማ ብምግባር ገንዘቦም ምናባዊ ናብ ዝዀነ ወፍሪ ከፍስሱዎ የእምን ነይሩ።
እቶም መታለልቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ [AI] ብምጥቃም፡ ኣዝያ ማራኺት ጓለንስተይቲ መንእሰይ ኰይኖም ብምቕራብ'ዮም ነቶም ምትላላት ዝፍጽሙ ነይሮም።
ኣርያን፡ ነዚ ክገብር እንከሎ ኣዝዩ ይጸልኦ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, BBC/ Lulu Luo
ኣብታ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኤስያ እትርከብ ግዝኣት ካረን፡ ብርክት ዝበሉ ምትላላት ሳይበር ዝፍጽሙ ማእከላት ኣለዉ።
እቶም ሰራሕተኛታት፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ'ዮም ካብቶም ዝተትሓዙሎም ማእከላት ናጻ ክወጽኡ ጀሚሮም።
መንግስቲ ታይላንድ፡ ናብ ዶብ እታ ሃገር ዝኣቱ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ነዳዲን ደው ኣቢሉ፡እቶም ማእከላት ምትላል ታይላንድ ከም መተሓላለፊት ሰራሕተኛታትን ገንዘብን ንከይጥቀሙላ ድማ ሕግታት ባንክን ቪዛን ኣትሪሩ።
ገለ ተቓወምቲ ኣባላት ባይቶ ኣብ ታይላንድ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ነዚ ዓይነት ስጕምቲ ክውሰድ ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።
ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት፡ ጽቡቕ ደሞዝ ወይ ድማ ኣብ ሚያንማር ዘይኰነስ ኣብ ታይላንድ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ንክሰርሑ መብጽዓ ተኣትዩሎምን ተስፋ ገይሮምን'ዮም ናብዘን ናይ ምትላል ማእከላት ዝኣትዉ።
እቲ ሕጂ ማይክ ዝርከበሉ መዓስከር ደሞክራቲክ ካረን ቤነቮለንት ኣርሚ [DKBA] ብዝተባህሉ ዕጡቓት ዓሌት ካረን እዩ ዝሕሎ ዘሎ።
እዚ ጕጅለ፡ ክሳብ ቀረባ እዋን ነቶም ኣብታ ግዝኣት ዝተደኰኑ ብዙሓት ናይ ምትላል ማእከላት ይሕሉ ነይሩ።
ታይላንድ ነቶም ሰራሕተኛታት ምትላል ዝነበሩ ናብ ዝመጽእሉ ሃገር ንምምላስ ጻዕሪ ትገብር ከም ዘላ እያ ትገልጽ።
260 ናጻ ዝወጽኡ ሰራሕተኛታት ዝሓቘፈ ጕጅለ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ብጃልባ ክወጽኡ ተገይሩ'ዩ።
ከምኡ'ውን ኣስታት 621 ዜጋታት ቻይና ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
ይኹን'ምበር፡ እቶም ሰራሕተኛታት ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብምዃኖም፡ እቲ ስራሕቲ ምግዓዝ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነን ንዜጋታተን ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ክሕግዛ ዝደልያ ሃገራት ውሑድ ምዃኑን ይግለጽ።
ካብቶም ቀዳሞት 260 ናጻ ዝወጽኡ ሰባት እቶም ኣስታት 130 ኢትዮጵያውያን'ዮም።
ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ባንኮክ ኤምባሲ የብላን።
ገለ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፡ ንመምለሲኦም ዝኸፍል ሰብ ምስ ዝርከብ ጥራይ ናብ ዓዶም ክመልሳኦም ከም ዝኽእላ ገሊጸን።
መብዛሕትኦም ሓራ ዝወጽኡ ሰራሕተኛታት ግን ዋላ ሓደ ነገር የብሎምን፤ ፓስፖርቶም ከይተረፈ በቶም ሓለፍቲ እቶም ዝሰርሑሎም ዝነበሩ ማእከላት እዩ ተታሒዙ።
ታይላንድ ድማ፡ በዚ ምኽንያት ንዘይተፈልጠ እዋን ነዞም ሰራሕተኛታት ናይ ምሕጋዝ ጾር ኣብ ልዕሊኣ ከም ዝወደቐ ትገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ኣየኖት ሓቀኛ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ምዃኖምን ኣየኖት ገበናዊ ተግባራት ፈጺሞም ክዀኑ ከም ዝኽእሉን ንምፍላጥ ክትምርምር ትደሊ።
ሰራዊት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሚኒስትሪታትን ትካላትን ድማ ነዚ ጸገም ኣብ ምምሕዳር ይሳተፉ ስለ ዘለዉ፡ መን እንታይ ይገብር ክሰማምዑ ኣለዎም።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ታይላንድ ፓቶንግታርን ሺናዋትራ "እዚ ጕዳይ ክሳብ ዝፍታሕ፡ እንገብሮ ጻዕሪ ኣይክቋረጽን'ዩ - ብዕቱብ ክንሰርሕ ኣለና፡" ኢላ።
እንተዀነ፡ ንሳ ብዛዕባ እቲ ዝዓቢ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘይኰነ፡ ነቲ ሰፊሕ ንግዲ ምትላላት ኣመልኪታ እያ ነዚ ቃል ሂባ።
ማይክን ካልኦት ብዙሓት ምስኡ ዘለዉን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ታይላንድ ክሰግሩ እንተዘይተፈቒዱሎም፡ DKBA ናብቶም ሓለፍቲ ምትላል ከረክቦም ይኽእል እዩ።
ኣብኡ ድማ፡ ክሃድሙ ብምፍታኖም ከቢድ መቕጻዕቲ ክበጽሖም ከምዝ ኽእል ይሰግኡ።
"ናብ ገዛይ ክኸይድ ጥራይ እየ ዝደሊ፤ ናብ ሃገረይ ክምለስ ጥራይ እየ ዝደሊ። እዚ ጥራይ'የ ዝሓትት ዘለኹ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







