'ሓኪም ኰይነ ድኽነት እየ ከሲበ' - ሕቶን መረረን ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ

ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ ናይ መሃያ ይወሰኸና ሕቶታት ኣልዒሎም

ምንጪ ስእሊ, SM

ሕቶ መሃያን ጠቕምታትን ዘልዓሉ ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ንሕቶኦም ምላሽ እንተዘይሂቡ ስራሕ ክሳዕ ምቍራጽ ዝበጽሕ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ገሊጾም።

እቶም ሰብ ሞያ ሕቶታቶም ናብ መንግስቲ ከምዘቕረቡ ብምግላጽ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት መልሲ ክወሃቦም ናይ ግዜ ገደብ ካብ ዝህቡ ሰሙናት ሓሊፎም ኣለዉ።

እቶም ክኢላታት ጥዕና "ክንነብር ኣይከኣልናን" ብምባል፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ድምጾም ኣብ ምስማዕ ይርከቡ።

ዶክተር ይማም እንድሪስ ዝተባህለ ሓፈሻዊ ሓኪም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዶክተር ንምዃን 23 ዓመታት ከምዝተምሃረ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኵነታት መነባብሮኦም ዘርኢ ልቢ ዝትንክፍ መልእኽቲ ኣካፊሉ ነይሩ።

"ስድራይ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዝረክብ'ዮም ዝሓስቡ፤ ውላዶም ሓኪም ስለዝዀንኩ ሕቡናት'ዮም" ዝበለ እቲ ዶ/ር፡ ኣብ ጸገም ስድራኡ ክረድኦም ብዘይምኽኣሉ ግን ልቡ ከምዝተሰበረ ይዛረብ።

ዶ/ር ይማም ኣስዒቡ፡ "23 ዓመታት ምሉእ መስዋእቲ ንዝኸፈለትለይ ስድራቤት ኣብ ወርሒ ሓደ ኪሎ ቡን ክገዝእ ዓቕሚ ዘይብሉ ዶክተር ኮይነ፣ ኣዝዩ እዩ ዝስመዓኒ" ይብል።

ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ካልእ ሓኪም ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ብወገኑ፡ "ክንበልዕ ኣይከኣልናን፡ ደቅና ከነምህር ኣይከኣልናን፡ ክራይ ገዛ ክንከፍል ኣይከኣልናን" ብምባል፡ ጠለባቶም ከምዘይተማልአ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"እቲ በዓል ሞያ ንኻልእ ሰብ ቅድሚ ምሕካሙ ፈለማ ንገዛእ ርእሱ ጥዑይ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ሕጂ ዘሎ በዓል ሞያ ግን ከምኡ [ጥዑይ] ኣይኮነን" ይብል ዶክተር ይማም።

"መብዛሕትኦም ሓካይም ብህይወቶም ሕጕሳት ኣይኮኑን። የማርሩ፤ ድሕሪ ቁርሲ፡ ምሳሕ እንታይ ከምዝበልዑ ይሓስቡ" ይብል።

"ኣነ እየ ንስድራይ ክኸውን ዘይከኣልኩ። . . ዶክተር ብምዃነይ ድኻ ኰይነ፤ ሰባት ሰሪሖም ክቕየሩ ርኢና ኢና። ጽባሕ ዝሓሸት መዓልቲ ክትከውን እያ ብዝብል ተስፋ ኢና ጸኒሕና " ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

በዚ ምኽንያት ሰብ ሞያ ጥዕና ነቲ ሞያ ሓዲጎም ይስደዱ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ስፔሻሊስት ዶክተር ማህሌት ጉዑሽ ብግደኣ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሞያ ጥዕና ዘለዎ ኣጠማምታን ኣተሓሕዛን ናብ ካልኦት ሃገራት ተሰዲዶም ንኽሰርሑ ከም ዝደፍኦም ተዛሪባ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ሶማሊላንድ ዝሓሸ መሃያን ተኸፊልዋ ትሰርሕ ከምዝነበረት እትገልጽ ዶክተር ማህሌት "ክንነብር ዘኽእለና መሃያ ይከፈለና" ኢላ።

"ናይ ኣእምሮ ምርግጋእ የብልናን" ዝበለት እታ ሓኪም፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ተረጋጊኦም ክሰርሑ ምእንቲ እቲ መንገዲ ክጽረግ ከምዝግባእ ሓቲታ።

"መንግስቲ 'ብውልቅኺ ከምድላይኪ ትሰርሒ ስለዘለኺ ቅሩብ'የ ዝኸፍለኪ' ይብለና፤ ግን ድማ ተገዲደ እየ ዝሰርሕ ዘለኹ እምበር ደልየዮ ኣይኮንኩን" ዝበለት ዶክተር ማህሌት፡ ሰብ ሞያ ጥዕና'ውን ናይ ብሕቲ ህይወት ከም ዘለዎም ብምጥቃስ፡ "ኣይትመርዓዉ፣ ኣይትወልዱ ክንብሃል ኣይግብኣን" ኢላ።

እቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ተመሳሳሊ ሕቶ ዝሓተቱ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ እቲ ሕጂ ዘልዕልዎ ዘለዉ ጉዳይ እናዓበየ ዝመጽአን ብሰንኪ ክብሪ ዕዳጋ ዝተፈጠረ ናይ ህልዉና ጉዳይ ከምዝዀነ ተዛሪቦም።

ሓደ ካብ ኣተሓባበርቲ እቲ ምንቅስቓስ ዝዀነ ሓኪም፡ "መድሕን ጥዕና የብልናን። እንተሓሚምና ሕክምና ክንረክብ ኣይንኽእልን። ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ኴንና ኢና ንሰርሕ ዘለና፤ በቲ ዘለና ናይ ተቓላዕነት ደረጃ ዝምጥን ክፍሊት ስለዘይንረክብ ሕቶታትና ምላሽ ክረኽቡ ኢና ምንቅስቓስ ነካይድ ዘለና" ኢሉ።

እቲ ብሰብ ሞያ ጥዕና ዝተልዓለ ሕቶ "ቅኑዕን ኣገዳስን" እዩ ዝበለ ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ በዓል ሞያ ጥዕና ዝተረጋግአ ናብራ ክህልዎ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ።

ምክትል ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ኣቶ መለስ ባእታ ብወገኑ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ውድብ ጥዕና ዓለም ብዘውጽኦ ደረጃ ክኽፈሉ ከም ዘለዎም ድሕሪ ምግላጽ፡ "ሓኪም ብዛዕባ ዝበልዖን ዝኽደኖን እናተጨነቐ ንሕብረተሰብ ብዛዕባ ኣመጋግባን ኣለባብሳን ክምህር ከቢድ'ዩ" ኢሉ።

ኣቶ መለስ "እንዳሞትካ ከመይ ጌርካ ንኻልእ ሰብ ከተድሕን ትኽእል? ብቕንዕናን ብተኣማንነትን ንኽተገልግል እኮ እንተወሓደ መሰረታዊ ድሌታት ክማላኣልካ ኣለዎ" ይብል።

ድምጾም ዘስምዑ ዘለዉ ሓካይም፡ ማእሰርቲ ሓዊሱ ጸቕጢ ይግበረሎም ከም ዘሎ ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቲ ማሕበር ነቲ ስጕምቲ፡ "ሕቶታት ንምዕፋን ዝግበር ፈተነ"ን "ዘየድሊ"ን ኢሉዎ።

ኣተሓባባሪ እቲ ምንቅስቓስ "መራሕቲ መንግስቲ ንጠለባትና ፖለቲካዊ ስም ይህብዎ ኣለዉ" ይብል።

"ፖለቲካዊ ዕላማ የብልናን፤ ድልየትና በሊዕና ክንሓድር ኢሉ'ውን ነቲ ዘምሃረና ሕብረተሰብ ምግልጋልን እዩ" ኢሉ።

ሰብ-ሞያ ጥዕናን ኣተሓባበርቲ እቲ ምንቅስቓሳትን መንግስቲ ንሕቶኦም ግቡእ መልሲ እንተዘይሂቡ ስራሕ ክሳዕ ምቁራጽ ዝበጽሕ ኣድማ ክንገብር ኢና ኢሎም።

እቶም ሓካይም ክሳብ ሕጂ ካብ መንግስቲ ተስፋ ዝህብ ምላሽ ከምዘይረኸቡ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ስራሕ ናይ ምቁራጽ ኣድማ ክካየድ ሒደት መዓልታት ዝተረፎ ኰይኑ ኣብ እዋን ኣድማ ኣብ ሕሙማትን ሕብረተሰብን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘይህሉ ከረጋግጹ ምዃኖም ኣመልኪቶም።

ቢቢሲ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ እኳ እንተዘይተዓወተ፡ ሓላፊ ርክባት ህዝብን ጉዳያት ኮሙኒኬሽንን እቲ ሚኒስትሪ ዶክተር ተገኔ ረጋሳ ንጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ነቶም ሕቶታት "ግቡእ" ክብል መሊሱ'ሎ።

መንግስቲ ንሕቶታት እቶም ሓካይም ንምምላስ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝጸደቐ ኣዋጅ ምሕደራን ቍጽጽርን ኣገልግሎት ጥዕና ብዙሓት ጸገማት ከምዝፈትሕ ኣመልኪቱ።