ዶ/ር ዮሃና፡ ካብ ሶማልያ ክሳብ ሩዋንዳ ንሞያኣ ዝተወፈየት ሓኪም

ምንጪ ስእሊ, Dr Yohana Gebreyohannes
ኣብ ህይወት ዶክተር ዮሃና ገብረዮሃንስ ብዙሕ መቐይሮታት ኣጋጢሙ ክኸውን ይኽእል።
ካብቲ ንሳ ብፍሉይ ስምዒት እትዝክሮም ሓደ ግን ሕጽይቲ ወይ ተልመዴን ሓኪም እንከላ ዘጋጠማ እዩ።
እታ ህሞት፡ "ሓንቲ ካብቶም ንህይወተይ ዘጕልሑ" ነይራ ክትብል እታ ሓኪም ሕርሲን ማህጸንን ተዘክሮኣ ንቢቢሲ ኣካፊላ።
ብደረጃ ዓለም ክርአ እንከሎ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ብፍላይ ኣብ ሕክምና ሕርሲን ማህጸንን ዓቢ ውክልና ኣለወን።
ኣብ ኢትዮጵያ ግን ኣገልግሎት ጥዕና፡ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተዓብለለ ምዃኑ'ዩ ዝንገር።
ጾታ ብዘየገድስ ድማ እታ ሃገር ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ምስ ሕጽረት ሓካይም ሕርሲን ማህጸንን ክትቃለስ ጸኒሓ'ያ።
እታ ሃገር ብሓፈሻ ኣስታት 700 ሓካይም ሕርሲን ማህጸንን ከምዘለዉዋ ግምታት ይሕብሩ።
መርበብ ሓበሬታ ማሕበር ሓካይም ሕርሲን ማህጸንን ኢትዮጵያ ድማ፡ ካብ 641 ኣባላቱ ኣስታት 12 ሚእታዊት ጥራይ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝዀና የመልክት።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር፡ ምርጫአን ጓል ኣንስተይቲ ሓኪም ሕርሲን ማህጸንን እዩ።
"ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብጓል ኣንስተይቲ ሓኪም እንተተሓከማ እዩ ዝያዳ ምቾት ዝስምዐን" ትብል ዶክተር ዮሃና።
ንሳ ባዕላ ምስ ማህጸን ወይ ጽንሲ ዝተኣሳሰር ጸገም እንተጋጢምዋ፡ ምርጫኣ ጓል ኣንስተይቲ ሓኪም ከምዝዀነ ትዛረብ።
መሰረት ትብዓት
ዶክተር ዮሃና ከምእትብሎ፡ ዕውት ሞያን ህይወትን ንኽትመርሕ መሰረት ዘትሓዙዋ ብፍላይ ኣቦኣ ኣቶ ገብረዮሃንስ ገብረማርያም እዮም።
ኣቶ ገብረዮሃንስ፡ ኣብ እዋን ንእስነቶም ኣጸጋሚ ግዜ ከምዘሕለፉ እያ እታ ዶክተር ትዛረብ።
ዕቱብ ድሌት ትምህርቲ'ኳ እንተነበሮም፡ ኣብ ከባቢኦም ክረኽብዎ ስለዘይከኣሉ፡ ካብ ኣክሱም ናብ ጎንደር ግዒዞም ቅኔ ተማሂሮም።
ብድሕሪ'ዚ ድማ ንገዛእ ርእሶም ዘመናዊ ትምህርቲ ምሂሮም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሩስያ ዕድል ትምህርቲ ብምርካቦም ብስነ-ሃይማኖት ብዲግሪን ብማስተርስን ተመሪቘም።
መጻሕፍቲ እውን ደሪሶም፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ጽልዋ ዘሕድሩ ሰባት ክዀኑ ክኢሎም።
"ስለዚ ትምህርቲ ዘለዎ ዋጋ ዝፈልጥ ሰብ እዩ። ብዙሕ ብድሆታት ስለዝሓለፈ፡ ንሕና እውን ብድሆታት ብኸመይ ክንቃለሶም ከምዘለና ይመኽረና ነይሩ" ትብል ዶክተር ዮሃና።
ከም ውጽኢቱ ድማ ንሳን ክልተ ኣሕዋታን ኣብ ትምህርቶም ዕውታት ክዀኑ ክኢሎም እዮም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየት ዮሃና፡ ብጽቡቕ ውጽኢት ሓሊፋ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ን7 ዓመታት ሕክምና ተማሂራ፤ ኣብኡ'ውን ተቘጺራ።
ነጥበ-መቐይሮ
"መጀመርያ ሕክምና ክመሃር እንከለኹ ክኢላ መጥባሕቲ ክኸውን እዩ ነይሩ ድሌተይ። ብሕክምና መጥባሕቲ ስፔሻላይዝ ክገብር ሓሳብ ነይሩኒ" ትብል እታ ሓኪም ሕርሲን ማህጸንን።
ገና ሕጽይቲ ሓኪም እንከላ ግን ሓሳባ ዘቐይር ነገር ኣጋጢምዋ።
ከም ሕጽይቲ ሓኪም ኣብ ሆስፒታል ዓይደር እናሰርሐት እንከላ፡ ንሓንቲ ኣደ ከተሕርስ ዕድል ኣጋጢምዋ።
"ድሕሪ ሕርሲ፡ እታ ኣደ ቃንዛኣ ምሉእ ብምሉእ ረሲዓ። እቲ ኵነታት ፍጹም ካልእ ዛንታ ኰይኑ፡" ብምባል እቲ ቃንዛ ብሓጎስ ዝተዓብለሉ ህሞት ትዝክር።
"ኣካል ናይዚ ምዃን፡ ዕሸል እተዋልድ ምዃን፡ ድሕሪ ሕርሲ ድማ ነታ ኣደ ብውሑስ መንገዲ ምምሕዳር፡ ካብቶም ንህይወተይ ዘጕልሑ ነገራት እዮም።"
ብድሕሪ'ዚ እያ ሕክምና መጥባሕቲ ገዲፋ ብሕክምና ሕርሲን ማህጸንን ስፔሻላይዝ ክትገብር ወሲና።
ሓኪም ሕርሲን ማህጸንን ምዃን፡ "ብሓቂ ርህሩህን ኣኽባርን ምዃንን ይሓትት። ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ተቓላዕቲ ኣብ ዝዀናሉ እዋን እየን ናባና ዝመጻ" ትብል።
"ኣብ እዋን ሕርሲ ይዅን ክትትል ኣብ ዝገብራሉ እዋን፡ ብጣዕሚ ተቓላዕቲ ኰይነን እየን ዝመጻ። ናይ ሞትን ህይወትን ጉዳይ እዩ። [ከም ሓኪም ሕርሲን ማህጸንን] ህላወኻ ሚእቲ ሚእታዊት ለውጢ ይህልዎ። ብፍላይ ዝተሓላለኸ ሕርሲ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ክተሕርስ እንከለኻ ዘሎ ስምዒት ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ።"
ኰይኑ ድማ ነቲ ሞያ ዝያዳ ክትፈትዎ ክኢላ።
"ደቂ ኣንስትዮ ቀዳምነት ዝወሃበን ኣካል ሕብረተሰብ ኣይኰናን። ስለዚ፡ ነዘን ደቂ ኣንስትዮ ምግልጋል ክብሪ ኰይኑ ተሰሚዑኒ።"
ብተወሳኺ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብባህሪአን ኣንስተይቲ ሓኪም ክትሕክመን እንከላ እየን ዝያዳ ምቾት ዝስምዐን።
"ኣነ ባዕለይ ምስ ማህጸን ወይ ጥንሲ ዝተኣሳሰር ጸገም እንተኣጋጢሙኒ፡ ኣብ ክንዲ ምስ ወዲ ተባዕታይ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ሓኪም ማህጸን እየ ብናጽነት ዝዛረብ። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ሓካይም ማህጸን ድማ የብልናን። ስለዚ፡ እዚ ዕድል ንህዝበይ ክህቦ ደልየ። እዚ ኵነታት እዩ ብቐንዱ ናብቲ ሞያ ስሒቡኒ" ትብል።
ግዜኡ ምስ በጽሐ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ማህጸንን ጥንስን ስፔሻሊቲ ተማሂራ።
"ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ናብ መቐለ ተመሊሰ ክስርሕ ድሌት ነይሩኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኲናት [ትግራይ] ስለዝነበረ ክኸይድ ኣይከኣልኩን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ኵነታት እውን ኣብታ ከተማ ንምስራሕ ብዙሕ ዘተባብዕ ኣይነበረን፣ ክሰርሕ ኣይከኣልኩን፡" ትብል ብዛዕባ እቲ ፈታኒ እዋን ክትዝክር እንከላ።
ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ፡ ኣብ ሶማልያ ናይ ስራሕ ዕድል ረኺባ። ኣብኡ ንክልተ ዓመት ኣገልጊላ።
ውዕላ ምስ ተዛዘመ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሳ፡ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብዘይ ስራሕ ኰፍ ክትብል ተገዲዳ።
ኣብ መወዳእታ ግን፡ ኣብ ርዋንዳ ከተማ ኪጋሊ ዝርከብ ሆስፒታል ኪንግ ፈይሰል ስራሕ ረኺባ። ንዝሓለፉ ሰለስተን ፈረቓን ዓመታታት ድማ ኣብ ተሰርሕ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, Dr Yohana Gebreyohannes
'ሓዳር ግበሪ'
ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብሕብረተሰብ ትጽቢት ዝግበረለን ብዙሕ ንጥፈታት ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ትምህርተን ይዅን ኣብ ስርሐን ልዑል ጸቕጢ ከምዘሕድር ኣየካትዕን።
"ስድራቤተይ ብጣዕሚ ይድግፉኒ ነይሮም። ብፍላይ ኣቦይ ክንምሃር ትኹረትና ኣብ ትምህርቲ ክንገብር ብጣዕሚ የተባብዓና ነይሩ፡" ትብል ዶክተር ዮሃና።
"ማሕበረሰብና ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ናይ ገዛ ስራሕ ክሰርሓ፡ ኣብ ትምህርቲ ትኹረት ከይገብራ ዝገብር እዩ። ናተይ ግን ከምኡ ኣይነበረን። ብዙሕ ጸቕጢ ኣይነበረንን። ስድራቤት ዝህልዎም ርድኢትን ደገፍን ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ፡" ብምባል ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኵሉ ኵርናዕ ደገፍ ከምዘድልየን ተብርህ።
ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ግን ጸቕጢ ከምዘጋጥመን ኣይትኽሕድን። ብፍላይ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትምህርታ ክትውድእ እንከላ፡ ካብኣ ቀንዲ ትጽቢት ዝግበር ነገር ሓዳር ዝዀነሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ ከምዝዀነ ዶክተር ዮሃና ትዛረብ።
ኣብ ስራሕ ዓለም እንታይ ተዓዊትና ብዘየገድስ፡ ክሳብ ክንደይ ልዑል ደረጃ ምብጻሕና ብዘየገድስ፡ ሕብረተሰብ ዋጋ ዝህበና፡ ብምምርዓውና፡ ብምውላድና ወይ ዘይምውላድና ጥራይ እዩ። እቲ ቀንዲ ነገር ሓዳርን ምውላድን እዩ፣ ካልእ ኵሉ ተረፍ እዩ" ብምባል ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ኣተሓሳስባ ትገልጽ።
ኣብዚ ጉዳይ ንሳ ባዕላ'ውን ተጸልያ ከምዝነበረት ትዝክር።
"ካብ ሕብረተሰብ፡ ካብ ስድራቤት፡ ካብ ኵሉ 'ሓዳር ግበሪ' ዝብል፡ 'ውለዲ' ዝብል' ብድሆ ይመጽእ እዩ። ጽልዋኡ ከቢድ እዩ" ትብል።
"ብፍላይ ትምህርቲ ሕክምና ሸውዓተ ዓመት እዩ ዝወስድ። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት፡ ምናልባት ካልኦት ኣዕሩኽትና ተመርዕየን፡ ቈልዑ ወሊደን ክጸንሓ ይኽእላ እየን። ግናኸ ንሓጐስ ሕብረተሰብ ወይ ንሓጐስ ካልእ ሰብ ኢልካ ኣብ ሂወትካ ዘይከውን ነገር እውን ኣይትውስንን። ምኽንያቱ ኣብ መወዳእታ ኣነ እየ ህይወተይ ዝነብር ዘለኹ።"
ስለዝዀነ ድማ ሰብ ስለዝበለ ጥራይ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ሓዳር ክትኣቱ ከምዘይብላን ቅድሚኡ ክተሳኽዖም እንትደልዮም ነገራት ክትፍጽምን ዝሓሸ ዝብል እምነት ከምዘለዋ ትዛረብ።
"ምስ በዓል ቤተይ ካብ እንምርዖ ክልተ ዓመት ጥራይ ጌርና ኣለና። ንሱ'ውን ሓኪም (ክኢላ መደንዘዚ) እዩ። ክልቴና ተማኺርና ከይተዳለና እንተ ተመርዓና ንዓና ይዅን ንስድራቤትና ኣይክጠቅምን ኢልና ስለ ዝወሰንና፡ ኣብ ግዜና፡ ትምህርትና ምስ ወዳእና፡ ድሉዋት ከምዝዀንና ምስ ተሰምዓና ኢና ተመርዒና" ክትብል ካብ ሕብረተሰብ ዝመጽእ ዝነበረ ጸቕጢ ከምዝበድሀት ተዘንቱ።
ኣብዚ እዋን ዶክተር ዮሃና ቈልዓ ወሊዳ ሓዳራን ስርሓን እናመሓደረት ትርከብ።
ኣብ ቀጻሊ ንሳን በዓልቤታ ትምህርቶም ክቕጸሉ ተዘራሪቦም ኣለዉ።
"ቅሩብ ክሰርሕን ንስድራይ ግዜ ክህብን እደሊ'የ። ብዓልቤተይ እውን ድሌት ኣለዎ" ብምባል ኢንዶክሪኖሎጂ ስነ-ተዋልዶን መኻንነትን ክትመሃር መደብ ከምዘለዋ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Dr Yohana Gebreyohannes
ኲናት ትግራይ
ኣብ 2020 ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ከምዝቐዘፈን ሚልዮናት ድማ ከምዘመዛበለን ይንገር።
ዶክተር ዮሃና ዕብየታን ናብራኣን ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ኳ እንተዀነ፡ ንሳን ስድራኣን ግን በቲ ኲናት ካብ ዝተጸለዉ እዮም።
ብኢኮኖሚክስ ተመሪቓ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትሰርሕ ዝነበረት ዓባይ ሓፍታ፡ ነቲ ኲናት ስዒቡ ከምዝተሰደደትን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣመሪካ ከምዘላን ዶክተር ዮሃና ትጠቅስ። ምንኣስ ሓዋ እውን ብትምህርቲ ዕድል ናብ ኣመሪካ ግዒዙ እዩ።
ንሳ ባዕላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ማህጸንን ጥንስን ስፔሻሊቲ ተማሂራ ምስ ወድአት፡ ናብ ስርሓ ናብ ትግራይ ክትምለስ ኣይከኣለትን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ካልእ ስራሕ ክትረክብ ተጸጊማ ነይራ።
ድሌታ ናብ ትግራይ ተመሊሳ ምስራሕ እዩ ነይሩ።
"እቲ ዝያዳ ዕግበት ዝህበካ ነገር ንማሕበረሰብካ ምግልጋል እዩ፡" ትብል።
"እቲ ኵነታት ፈቒዱ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ትልመይ ናብ መቐለ ተመሊሰ ክሰርሕ እዩ ነይሩ። ግን ብሰንኪ'ቲ ዝነበረ ኵነታት ክኸውን ኣይከኣለን።"
"ዓድና ኬድና ክንሰርሕ ንደሊ ኢና፡ ሰላምን ውሕስነት ክህሉ ተስፋ ንገብር" ብምባል ኣብ ቀጻሊ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላም እንተሰፊኑ ተመሊሳ ሕብረተሰባ ክተገልግል ድሌት ኣለዋ።
ኣብ ርዋንዳ ምስ ዘይመንግስታዊ ትካላት እተካይዶ ናይ ማህጸን ምምላቝ ወፍሪ ነይሩ።
"ኣብ ትግራይ ምስ ዘለዉ መሳርሕተይ ነበርን ምስቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩን ዘይመንግስታዊ ትካል ኴንና ወፍሪ ክነካይድ መደብ ሒዝና ኣለና" ብምባል ኣብ ርዋንዳ ኰይና'ውን ብዝተኸኣላ ንህዝባ ኣበርክቶ ክትገብር ትጽዕር ከምዘላ ዶክተር ዮሃና ትጠቅስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







