'እስራኤል ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ትስእን ኣላ' - ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል ብሰንኪ እቲ ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ “ዒላማ ዘይነፀረ” ደብዳብ ዓለምለኻዊ ድጋፍ ምስኣን ከምዝጀመረት ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣመሪከ ሓገዝ ንምትእኽኻብ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ነቲ መግለጺ ዝሃበ ኰይኑ፡ ንመሪሕነት እስራኤል ድማ ዛጊት ዝበርተዐ ነቐፌታ ኣቕሪቡ።
ድሕሪ እቲ ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ ኣብ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ጆ ባይደን ነታ ሃገር ዘይተሓለለ ድጋፍ ክገብር ጸኒሑ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ መግለጺኡ ኣመሪካ ንእስራኤል እትህቦ ድጋፍ ከምእትቕጽል ዘረጋገጸ ኰይኑ፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር ግን ቀጥታዊ መጠንቀቕታ ኣስሚዑ።
ኣብ 2024 ካልኣይ ግዜ ንዝወዳደረሉ መረጻ ኣመሪካ ኣመልኪቱ ምስ ሓገዝቲ ኣካላት ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ እታ ሃገር ድጋፍ ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን መብዛሕትኡ ክፋል ዓለምን ከምዝነበራ ዝገለጸ እቲ ፕረዚደንት፡ “እንተዀነ ብሰንኪ እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ዕሙት ደብዳብ፡ ነቲ ድጋፍ ክስእንዎ ጀሚሮም ኣለዉ” ኢሉ።
እዚ እናዀነ “ሓማስ ናይ ምድምሳስ ድልየት ዘተሓትት ኣይኰነን” ከምኡ ድማ እስራኤል ነዚ ናይ ምፍጻም “ምሉእ መሰል ኣለዋ" ኢሉ።
መራሒ ኣመሪካ ካብ ኣባላት ውድቡ ዲሞክራት ዝርከብዎም፡ ኣብቲ እስራኤል እተካይዶ ዘላ ወፍሪ ቍጽጽሪ ክገብር ጸቕጢታት ይበጽሖ ኣሎ። እቲ ናይ ሕጂ መግለጺኡ ምስቲ ምምሕዳሩ፡ እስራኤል ንድሕነት ነበርቲ ቓዛ ቀዳምነት ክትህብን፡ ንጹሃን ዒላማ ከይትገብርን ዘቕረቦ ምሕጽንታ ዝቃዶ እዩ።
ላዕለዎት ሰብመዚ ኣመሪካ እውን በቲ ሰራዊት እስራኤል ዝህቦ ዘሎ ግብረመልሲ፡ ዘይዕጉብነት የርእዩ ኣለዉ።
ሓማስ ድሕሪ ብ 7 ጥቅምቲ ናብ እስራኤል ኣትዩ 1200 ሰባት ምቕታሉን ኣስታት 240 ጅሆ ሒዙ ምውሳዱን፡ እስራኤል ተካይዶ ብዘላ ወፍሪ ሕነ ምፍዳይ ልዕሊ 18 ሽሕን 400ን ሰባት ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቡ መግለጺ፡ ሃገሩ እተካይዶ ዘላ ወፍሪ ኣጋር፡ ሓማስ ናይ ምውጋድ ዕላማን፡ ሓራ ምውጻእ ጅሆ ዝተትሓዙን “ምሉእ ደገፍ” ኣመሪካ ከምዘለዎ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ኲናት ደው ክብል ዝግበር ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ዋሽንግተን ከምዝዓገተቶ እውን ሓቢሩ።
“እወ፡ ‘ድሕሪ ሓማስ ብዛዕባ ዘሎ’ እውን ዘይምስምማዕ ኣለና፤ ኣብዚ እውን ክንሰማማዕ ኢና ኢለ ተስፋ እገብር።”
ፕረዚደንት ባይደን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ዘይስኒት ዝተዛረበ ኰይኑ፡ ነታንያሁ፡ መንግስቱን ኣብቲ ኣመሪካ እትድግፎ ፍታሕ ክልተ ሃገር ዘለዎ መርገጺን ክቕይር ከምዘለዎ ሓቢሩ።
እቲ ፍታሕ ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝቐጸለ ግጭት ክፈትሖ ይኽእል እዩ ብዝብል ማሕበረሰብ ዓለም ዝድግፎ ኰይኑ፡ ኣብ ቓዛን ምራባዊ ገማግምን ናጻ ሃገረ ፍልስጤም ክትምስረት ዝጠልብ እዩ።
ባይደን፡ “እዚ መንግስቲ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ኣዝዩ ዓቃባዊ ዝበሃል እዩ” ኢሉ።
“መንግስቲ እስራኤል ንርእሱ እዩ ዘኽብድ ዘሎ። ነቲ ናይ ክልተ ሃገርነት ፍታሕ ኣይቕበሎን።”
መግለጺ እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ እቲ ኲናት ብዛዕባ ዝውሰድ ኣንፈት ፍልልያት ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ።
ነታንያሁ፡ ነቲ ኣመሪካ ድሕሪ ኲናት ንምዕራባዊ ገማግም ዘመሓድሩ ዘለዉ ሰብመዚ ፍልስጤም፡ ንቓዛ ክቈጻጸሩ ዘቕረበቶ ሓሳብ ከምዝቃወም ተዛሪቡ።
ባይደን ዘቕረቦ ወቐሳ ዛጊድ እቲ ዝሓየለ እኳ እንተዀነ፡ ካልኦት ሰብመዚ ኣመሪካ ግን ኣብ ወፍሪ እስራኤል ዘለዎም ቅሬታ እናዓበየ መጺኡ።
ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጐ'ቲ ሰብመዚ እስራኤል 'ንሰላማውያን ጥንቃቐን ንገብር ኣለና' ዝብልዎን፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን “ፍልልይ” ኣሎ ኢሉ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







