እስራኤል-ቓዛ፡ ‘ኣደይ ኣበይ ኣላ? ዓባየይ ከ? ናበይ እየን ከይደን?’

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU
“ብዛዕባ ስድራኡ ኣብ ዝሓተሉ ክምልሰሉ ኣይክእልን። ብኣንጻሩ፡ ነዊሕ የስተንፍስ እሞ ልክዕ ከም ቈልዓ ኣረሳሲዐ ነቲ ኣርእስቲ ይቕይሮ።”
ሞይን ኣቡ ረዛቕ፡ ካብ ኣዝማድ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ኦማር፡ እንኮ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ እዩ። እቲ ህጻን ንባዕሉ ኣብ ማእከላይ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሰማእታት ኣል-ኣቕሳ ኣብ ጽኑዕ ኵነታት እዩ ዘሎ።
ኦማር የማነይቲ ኢዱ ብሕክምና ተቘሪጹ፣ ኣብ የማናይ እግሩ ብሰፊሕ ቈሲሉ፣ ኣብ ገጹን ደረቱን ንኣሽቱ ውቃዓት ኣለዎ፤ ምንጋጋኡ እውን ተሰይሩ።
እቲ መጉዳእቲ ኣብቲ፡ ኣደኡ፡ ኣቦኡን እነሓጐኡን ሓዊሱ 35 ኣባላት ቤተሰሱ ዝተቐተልሉ ደብዳብ እስራኤል ከምዘጋጠሞ ኣኮኡ ሞይን ይዛረብ።
ብውሑድ ክሳብ ዕድል ረኺቡ ንሕክምና ካብ ቓዛ ዝወጽእ፡ ኵነታት ጥዕናኡ ከይጋደድ ብዛዕባ ሞት ስድራኡ ከይነግሮ ወሲኑ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ማሕበር ቀይሕ ወርሕን ዝተጎድኡ ሰባት ብግብጺ ኣቢሎም ብምውሳድ ከሐከምዎም ይጽዕሩ ኣለዉ።
“ናብ ስንባደ ከይኣቱ ወይ ካብ ቍጽጽረይ ወጻእ ከይከውን፡ እቲ ኵነታት ብዝተነጸረ መንገዲ እየ ክንገሮ ዘለኒ” ኢሉ ኣኮኡ ሞይን፡ ምስ ቢቢሲ ዓረብኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት።
“ዋላ ንሓዲአን ከምዘይረኣየን ይፈልጥ እዩ። ግን ድማ ክሓትት ከምዘለዎ ይስመዖ። ‘ኣደይ ኣበይ ኣላ? እነሓጎይ ኣበይ ኣላ? ናበይ እየን ከይደን?”
እንተዀነ ብሰንኪ እቲ ኣብ ማእከላይ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ኲናትን ደብዳብ እስራኤልን፡ ኣምቡላንስ ንኦማር ክትወስዶ ብዛዕባ ምዃና መረጋገጺ የለን።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣጋር ሰራዊት እስራኤል ንከተማ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ብምኽባብ ነታ ወሽመጥ ኣብ ክልተ ከፊሎምዋ ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን ድማ ታንክታትን ወተሃደራትን ናብ ማእከል ደቡባዊት ከተማ ክሃን ዮኒስ ይደፍኡ ኣለዉ።
ካብ ዴር ኣል-በላሕ ዝወስድ ቀንዲ መንገዲ “ዓውደ ኲናት” ምዃኑ ስለዝተኣወጀ፡ ብገማግም ማእከላይ ባሕሪ ኣቢሉ ዝወስድ መንገዲ ጥራይ እዩ ንግዚኡ ውሑስ ዘሎ።
ነበርቲ ሰሜናዊ ቓዛ፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ሰራዊት እስራኤል ናብ ደቡባዊ ክፋል ክግዕዙ ስለዝተኣዘዞም፡ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ቓዛ እዮም ተዓቚቦም።
እቲ ትእዛዝ ዕጡቓት ሓማስ ናብ እስራኤል ሰሊኾም ብምእታው ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ምስቀተሉን 240 ሰባት ጅሆ ሒዞም ምስወሰዱን እዩ ተዋሂቡ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ልዕሊ 18 ሽሕን 200 ን ሰባት ከምዝተቐተሉ እዩ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ዝገልጽ። ኦማር ካብቶም ጉድኣት ከምዝወረዶም ዝተገለጸ ልዕሊ 49 ሽሕ ሰባት ሓደ እዩ።
ንጕጅለ ሓማስ ንምጥፋእ ይቃለስ ከምዘሎ ዝገልጽ ሰራዊት እስራኤል፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ልዕሊ 22 ሽሕ ዒላማታት እቲ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ከምዝደብደበ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, MOEIN ABU REZK
ሰራዊት እስራኤል መጠንቀቕታ ከይሃበ ደብዳብ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን፡ ኦማርን ቤተሰቡን ኣብ መዓስከር ኑስራት ኣብ ዝርከብ ገዛ እንዳ ዓባዩ ነይሮም ይብል ሞይን።
“ቅድሚኡ ከምኡ ዓይነት ሚሳይል ርእይን ሰሚዐን ኣይንፈልጥን። እቲ ሚሳይል ወዲቑ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ መንበሪ ገዛውቲ ብምሉኡ ኣዕንይዎ” ክብል ይዝክር።
“ከም ዕድል ኦማር በቲ ዝተፈጠረ ፍራስ ንደገ ጸዲፉ። ኰይኑ ግና ጸጋመይቲ ኢዱ ብከቢድ ስለዝተጐደአት፡ ብቕልጡፍ ኣብ ሕክምና ክትቍረጽ ነይሩዋ።
“(ብቀዳም) ሰለስተ ኣሃዱ ደም ጐዲልዎ ነይሩ፤ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደሙ እውን ካብ 9.5 ናብ 7.4 ጐዲሉ። ስለዚ ምስግጋር ደም ክግበረሉ ናብ ክፍሊ መጥባሕቲ ተወሲዱ።”
እቲ ሆስፒታል ኣዝዩ ስለዝተጨናነቐ ሓካይም መደቀሲ ክረኽቡሉ ከምዘይከኣሉ ዝገልጽ ሞይን፡ ኣብ መተሓላለፊ እቲ ሆስፒታል ኮይኖም ክሕክምዎ ከምዝተገደዱ ይዛረብ።
“ኣብቲ ሆስፒታል ጸረ ቓንዛ ስለዘየለ እናቐለድና ክነስሕቖን ክነረጋገዖን ንፍትን ኔርና።”
እዚ ግን ኵሉ ሻብ ውጽኢታዊ ከምዘይኰነ ብምጥቃስ “ካልእ ኣማራጺ የብልናን” ይብል።
ኦማር፡ ኣብ ዝመጽእ ሓሙስ ምስ ግብጺ ብዘራኽብ ራፋ ኣቢሉ ሕክምና ናብ ዝረኽበሉ ክውሰድ ተስፋ ይገብር።

ምንጪ ስእሊ, NURPHOTO
ሌና ሻኮራ፡ ሰብኣያን ሰለስተ ተባዕትዮ ደቃን ዛጊድ ካብ ደብዳባት እስራኤል ብህይወት እኳ እንተተረፉ፡ ህይወቶም ግን “ስቓይ” ከምዝዀነ ትዛረብ።
ኣብ ከተማ ቓዛ ካብ ዝነበረ ገዛኦም ሃዲሞም ኣብ ዴር ኣል-በላሕ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ ምስ ኣዝማዶም ተዓቚቦም ኣለዉ።
“መዓልታዊ ኣብ ኲናት ከምዘለናን ሰባት ይጠምዩ ከምዘለዉን እናዘከርኩ እየ ዝነቅሕ። ካብ ገዛኻ ተፈናቒልካ ምግቢ ምስኣን ስቓይ እዩ” ትብል ሌና ንቢቢሲ ዓረብኛ ኣብ ዝሃበቶ ቃል።
“ኣነን ቤተሰበይን ምስ ካልኦት 40 ሰባት ኣብ ሓንቲ ገዛ ኮፍ ኢልና ኣለና. . . ኣዝዩ እዩ ዝቘርር፤ ሰባት ርእሶም ኣድኒኖም እዮም ዘለዉ።”
ድኳናት ስለዝተዓጸዉን ሰብኣዊ ሓገዝ ስለዘየለን ተረፍ መረፍ ምግቢ ክበልዑ ከምዝተገደዱ እውን ትዛረብ።
“ተስፋና ሕሩጭ ክንረክብ እሞ ክንስንክት እዩ፤ ወላ ብዕንጸይቲ ክንስንክት ንኽእል ኢና።”
ሕቡራት ሃገራት ብሰንበት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ ዝሓየለ ግጭትን ገደብ ምንቅስቓስን ኣብ ከባቢ ደቡባዊት ከተማ ራፋ ሰብኣዊ ሓገዝ ክዕድል ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







