ግሪንፈል፡ 'ኣይትውጽኡ' ተባሂሎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝሞቱሉ ባርዕ

እቲ ባርዕ ዘጋጠሞ ህንጻ ግረንዲል ታወር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓላፊ ብርጌድ መጥፋእቲ ሓዊ ለንደን ኣንዲ ሮ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ ነበርቲ ናይቲ ኣብ 2017 ብባርዕ ዝዓነወ ኣብ ለንደን ዝርከብ 'ግሪንፈል ታወር' ዝተበሃለ ህንጻ፡ እቲ ባርዕ ምስ ተላዕለ፡ ነበርቲ ሓገዝ ኣብ ዝሓተትሉ “ደሓን ኣብ ዘለኽሞ ጽንሑ” ከምዝተበሃሉ ገሊጹ።

ኣብቲ ብ14 ሰነ 2017 ዘጋጠመ ባርዕ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ብሓፈሻ 72 ሰባት በቲ ባርዕ ከምዝሞቱ ዝዝከር’ዩ።

ብሰንኪ እቲ ባርዕ ኣርባዕተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ፡ መሓመርኑር ትኩእ፡ ኣማል ኣሕመዲን፡ ኣማያ ትኩእ፡ ኣምና መሓመድ እድሪስ፡ ከምኡ'ውን ብርኽቲ ሃብቶም ምስ ወዲ 12 ዓመት ወዳ ብሩኽ ዝርከቡዎም ካልኦት ሓያሎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዜጋታት ዝሞቱ ዝዝከር እዩ።

ኣንዲ ሮ ኣብቲ ዘካየዶ ቃለመሕተት “እቶም ኣብቲ ህንጻ ዝነበሩ ሰባት ኣብቲ ዘለኽሞ ጽንሑ እንተዘይበሃሉ ነይሮም ሓያለ ሰባት ክድሕኑ” ምኽኣሉ ነይሮም ይብል።

ነቲ ኣብ ምዕራብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ዓቢ ህንጻ ዘጋጠመ ባርዕ ዝምርምር ኣካል ካብ መስከረም 2017 ጀሚሩ ካብቲ ባርዕ ብህይወት ዝተረፉ ሰባትን ካብ ካልኦትን ሓበሬታ ብምእካብ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ደምዳሚ ጸብጻቡ ከቕርብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብታ መዓልቲ ቅድሚ ሰዓት ሓደ ኣብ ክሽነ ራብዓይ ደርቢ ናይቲ 23 ደርብታት ዘለዎ ህንጻ ግረንፊል ባርዕ ምስ ጀመረ፡ ናብ ብርጌድ ኣጥፈእቲ ሓዊ ናይ ርድኡና ጻውዒት ከምዝተደወለ ይግለጽ።

እንተዀነ ነቶም ካብቲ ህንጻ ኮይኖም ዝድውሉ ዝነበሩ ሰባት ሓገዝ ክሳብ ዝመጽኦም ኣብ ዘለውዎ ክጸንሑ ከምዝተነገሮም ኣንዲ ሮ ይገልጽ።

እቲ ባርዕ ግን ግዜ ከይሃበ ናብ መላእ እቲ ህንጻ ክልሕም ክኢሉ።

ኣንዲ ሮ

ምንጪ ስእሊ, LFP

እቲ ህንጻ ብሰንኪ ኣብ ኣሰራርሕኡ ዝተገበረ ጌጋ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ደቓይቕ፡ እቲ ባርዕ ናብ 19 ደርብታት እቲ ህንጻ ብምልሓም ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝነበሩ ነበርቲ ክወጽእሉ ናብ ዘይክእሉ ሓደጋ ኣቓሊዕዎም።

እቲ ነቲ ባርዕ ዝምርምር ዘሎ ኣካል፡ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ነቶም ነበርቲ ብቕጽበት ቅድሚ ሓደ ሰዓት ካብቲ ህንጻ ክወጽኡ ሓቢረሞም እንተዝነብሩ ብዙሕ ህይወት ምደሓነ ዝብል መደምደምታ ሂቦም’ዮም።

ኣብቲ እዋን ባርዕ ምክትል ኮምሽነር ዝነበረ ኣንዲ ሮ ናብቲ ቦታ ሰዓት ክልተን ፈረቓን ምስ በጽሐ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ዘሰንብድ ኰይኑ ከምዝጸንሖ ይዝከር።

“ኣዝዩ ዘሰንብድ’ዩ ሰባት ፈቐድኡ የእውዩ ነይሮም” ድሕሪ ምባል “ናብቲ ህንጻ ገጸይ ምስ ጠመትኩ እቲ ህንጻ ብግዳምን ብውሽጥን’ዩ ክባራዕ ጸኒሑና፣ ሰባት ዓቕሎም ጸቢብዎም ብፍኒስትራታት ጠልጠል ኢሎም፡ ካብ ላዕሊ ዘሊሎም ኣብ መሬት ዝሞቱ’ውን ነይሮም’ዮም” ይበል።

ኣንዲ ብተወሳኺ፡ “ኣነ ክዳውንቲ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ’የ ገይረ ነይረ፡ ዓቕሎም ዝጸበቦም ሰባት ናባይ ቀሪቦም፡ ኣደይ፡ ሓወይ፡ ሓፍተይ ኣብ ውሽጢ ኣለዉ እንታይ’ዩ ዘጋጥም ዘሎ ይብሉኒ ነይሮም” ይብል።

ግራያት ባርዕ ግረንደል

ናይ ርድኡና ደውል ምስ ተደወለ ድሕሪ ሓደ ሰዓትን 53 ካልኢትን ለክዕ ሰዓት ክልተን 47 ደቂቕን ጀሚሩ እቲ ኣብ ውሽጢ ኴንኩም ብዓቕሊ ተጸበዩ ዝበል መምርሒ ተኣልዩ ንዝዀነ ዝደወለ ሰብ ካብቲ ህንጻ ውጽኡ ዝብል መምርሒ ክወሃብ ከምዝጀመረ ኣንዲ ሮ ይገልጽ።

“ኣነ ክብሎ ዝኽእል፡ እቶም ኣብቲ ህንጻ ዝነበሩ ሰባት [ርድኡና ኢሎም ምስ ደወሉ] ልዕሊ ግቡእ ካብቲ ህንጻ ክጸንሑ’ዩ ተነጊርዎም” ይብል።

ሙኒራ መሓመድ ነባሪት ግሪንፊል ኰይና እቲ ባርዕ ምስ ኣጋጠመ ጓላ ሒዛ ካብቲ ህንጻ ብምውጻእ ህይወታን ህይወት ጓላን ከተድሕን ክኢላ’ያ።

ሙኒራ ነታ ኣብ መበል 23 ደርቢ ምስ ክልተ ደቃ ትነብር ዝነበረት ራንያ ኢብራሂም ትበሃል መሓዝኣ ከባቢ ሰዓት 3 ንመወዳእታ ግዜ ከምዘዛረበታ ከኣ ትዝክር።

ራንያ ንኣጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ዝደወለትሉ “እቲ ዝሓሸን ዝደሓንን ኣብቲ ህንጻ እንተጸናሕኪ’ዩ” ከምዝብልዋ ንሙኒራ ሓቢራታ። ክትድሕን ግን ኣይከኣለትን።

ሙኒራ ንራንያ ክትወጽእ ደጋጊማ ተማሕጺናታ ነይራ’ያ፤ ራንያ ግን እናስዓለት እቲ ኣስካላታት ናይቲ ህንጻ ኵሉ ብትክን ብባርዕን ስለዝተዓብሎኸ ክትድሕነሉ ትኽእል ዕድል ከምዘየለ ንመሓዛአ ነጊራታ፤ ምስ ጓል 3 ዓመት ሃንያን ጓል 4 ዓመት ፋቲሃን ደቃ ከኣ ሳልሳይ ርእሳ በቲ ባርዕ ሞይታ።

ኣንዲ ኣብ መወዳእታ “ብውሕዱ እዚ ነገር እዚ ከምዝነበረ ዘይምእማን ነቶም ዝሞቱን ንስድራኦምን ግጋ’ዩ”ይብል።