ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣብ ታወር ግረንፈል ባርዕ ከጋጥም ከምዝኽእል ዝተዘርበ ሰነድ ተረኺቡ

ታወር ግረንፈል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ንምኽንያትን ጠንቅን ባርዕ ግረንፈል ታወር ለንደን ንምጽራይ መጽናዕቲ ዘካይድ ዘሎ ኣካል እቲ ኣብቲ ህንጻ ዝተለጠፈ ክላዲንግ ዝተባህለ ደጋዊ ኣቕሓ "ካብ 60 ክሳብ 70" ሰባት ክቐትል ዝኽእል ሓደገኛ ባርዕ ከጋጥም ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ከምዝነበረ ዘረድእ ሰነድ ረኺቡ።

እቲ ብዛዕባ ባርዕ ግረንፈል ዝገልጽ ዘሕዝን ትንቢት፡ ሓደ ናይ ኣርኮኒክ ናይ ዕዳጋ (ማርኬቲንግ) ኣካያዲ ስራሕ ኣብ ዝተረኽበሉ ኣኼባ ኣብ ዝቐረበ መረዳእታ ስራሕ (ፕረዘንቴሽን) እዩ ቐሪቡ።

ጀራርድ ሶንታግ ፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ዘይተለምደ ተባራዒ ፍርያቱ ምሻጥ ከቋርጽ ዝሕብር ውሽጣዊ ሰነድ ልኢኹ ምንባሩ እቶም መርመርቲ እቲ ሓደጋ ሰሚዖም።

እቲ መሸጣ ግን ኣየቋረጸን፤ ኣብቲ ቅድሚ ዓሚ ዘጋጠመ ባርዕ ግረንፈል ከኣ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ደቂ ካልእ ዓሌት ስደተኛታት ዝርከቡዎም 72 ሰባት ሞይቶም።

ሓንቲ ኤርትራዊት ስድራ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ጓሎምን ዘመዶምን ራብዓይ ርእሶም ኣብቲ ህንጻ ብባርዕ ሓዊ ምማቶም ዝዝከር እዩ።

እቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምጽራይ ( ፓብሊክ ኢንኳየሪ) ነቶም መርትዖ ምሃብ ዝኣበዩ ሰለስተ ሰራሕተኛታት እቲ ኣርኮኖሚክ ዝተሰምየ ኩባንያ፡ ብዝነብርሉ ሕጊ ሃገረ ፈረንሳ ብምጥቃስ መርትዖታት ይሰምዕ ኣሎ ።

ላዕለዋይ ኣማኻሪ መስርሕ ምጽራይ እቲ ሓደጋ፡ ሪቻርድ ሚለት፡ ነቲ ብሓደ ሰራሕተኛ እቲ ትካል ኣብ 2007 ብዛዕባ ድሕንነትን ስግኣትን ባርዕ ሓዊ ዝቐረበ ውሽጣዊ ሰነዳት እቲ ኩባንያ ብምንባብ ፡ "ኣዝዩ ከም እተመሰጠ" ገሊጹ።

ፍሬድ-ሮደሪች ፖሃል ዝስሙ ኣማኻሪ፡ እቲ ዛሕሊ ንምክልኻል ኣብቲ ህንጻ ዝሰረገ ፕላስቲክ ማዕረ ሓንቲ 19,000 ሊትሮ ነዳዲ ዝሓዘት መኪና ሓደገኛ ባርዕ ከምዘኸትል ተዛሪቡ።

ሚስተር ሶንንታግ ብዛዕባ እቲ ሓላፊ ማርኬቲንግ ዝሃቦ መረዳእታ ሰነድ ፡ " ሓደ ፕላስቲክ እተለጠፎ ህንጻ ሓዊ እንተተባሪዑ ካብ 60 ክሳብ 70 ሰባት ክቐትል ከምዝኽእል ምጥንቃቑ ዘገርም እዩ። እዚ ሰነድ ብዛዕባ ኵነታት ባርዕ ግረንፈል ታወር ዝገልጽ ትንቢት እዩ ነይሩ ።

ሚስተር ሶንንታግ ኣብቲ ተዘክሮኡ፡ መሳርሕቱ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እንታይ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ሓተተ ።

እዚ ሕቶ’ዚ ፡ ነቶም ንመሸጣ ኣርኮኒክ ዝምርምሩ ዘለዉ ሓተትትን ፖሊስን ኣገዳሲ ሕቶ እዩ ።

ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ነቲ ኣብ መላገቢ ስርዓት ዘገልግል ጥረ ነገራት ከም ዝሰርሖን ነቲ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕለሉ መገዲ ብሓላፍነት ክሕዞ ከም ዘይክእልን ኣርኮኒክ ይገልጽ ።

ሚስተር ሶንታንትግ፡ እቲ ብ2007 ዝቐረበ ጽሑፍ፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ናይ ፕላስቲክ ኣቕሓ ኣብ ተኣፋፊ ነገራት ንኸይጥቀመሉ ዝተዋህበ ምሕጽንታ እዩ ነይሩ ።

እቶም ሰለስተ ኣገደስቲ ሰራሕተኛታት ኣርክቴክት ፈረንሳ ምስክርነት ስለዘይሃቡ፡ ገና ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታት ክህሉ ይኽእል እዩ።