ስነስርዓት ቀብሪ ኣብ ቤተክርስቲያን ምንጃር ሸንኮራ ብዘጋጠመ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ተፈጺሙ

ስድራ ግዳያት ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Ifa / BBC

ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ምንጃር ሸንኮራ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ኣረርቲ ማርያም ብዝወረደ ሓደጋ ዝሞቱ 36 ሰባት ስነስርዓት ቀብሮም ትማሊ ሓሙስ ተፈጺሙ።

ወዲ 22 ዓመት ፍቅሬ ጥላሁን ኣደኡ በቲ ሓደጋ ከም ዝሞተት ተዛሪቡ።

"ኣደኻ ምስኣን ከቢድ እዩ፤ ብጣዕሚ ከቢድ፡" ዝበለ ፍቅሬ፡ ናብ ካልእ ቦታ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ምፍራስ ርብራብ ዕንጸይቲ እቲ ቤተክርስቲያን ከም ዝሰምዐ ሓቢሩ።

ኣደኡ፡ መዓልታዊ ናብቲ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ጸሎት ከም እተብጽሕ ብምግላጽ "ንሓደ መዓልቲ'ውን ኣይተብኵርን፡" ኢሉ።

እቲ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ፡ ወረዳ ምንጃር ሸንኮራ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣመንቲ ዓመታዊ በዓል ማርያም ንምጽንባል ኣብቲ ኣብ ህንጸት ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝርእይሉ ዝነበረ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ሓደጋ ብ21 መስከረም 2018 [ግ] ንግሆ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ እቲ መሰጋገሪ ህንጻ ቤተክርስትያን ብምፍራሱ ብውሑድ 36 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 200 ሰባት ቈሲሎም ከም ዘለዉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እቲ ወረዳ ኢንስፔክተር ኣሕመድ ገበየሁ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ ሓደጋ ብርክት ዝበሉ ኣመንቲ ነቲ ኣብ ናሕሲ እቲ ቤተክርስትያን ዘሎ ስእሊ ንምርኣይ በቲ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ መደያይቦ ደይቦም ብምንባሮም ዘንቀሎ ከም ዝዀነ ይገልጹ።

ፍቅሬ፡ ኣደኡ፡ ዓመታዊ ክብረ በዓል ማርያም ኣብ ዝኽበረሉ ዝነበረ ዕለት ድማ "ጸበል ቅዳሴ ከምጽእ፡" ኢላ ከም ዝኸደት ብምግላጽ፡ ንሱ ንበይኑ ስለ ዝነብር እቲ ሓደጋ ቅድሚ ምግጣሙ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ከም ዝረኸበን ተዛሪቡ።

ብረቡዕ ንግሆ ምስ ሓው ናብቲ ዝነብራሉ ገዛ ኣብ ዝኸደሉ ናብ ቤተክርስቲያን ከም ዝኸደት ተነጊሩዎ።

"ናብ ሆስፒታል ምስ ከድኩ፡ ሬሳ ኣደይ ኣብኡ ረኺበዮ፡" ይብል።

ኣደ ፍቅሬ፡ ሓንቲ ካብቶም ብምፍራስ ናይቲ መሰጋገሪ ቤተክርስቲያን ተባሂሉ ዝተረብረበ ዕንጸይቲ ኰይና፡ ዝተፈላለየ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ኣብ ትካላት ሕክምና ዝርከቡ ሰባት ስለ ዘለው፡ ቍጽሪ መወትቲ ክውስኽ ከም ዝኽእል ሰራሕተኛታት ህጹጽ እዋን ሓደጋ ይዛረቡ።

በቲ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ ሰባት፡ ሸቃሎ፡ መምህራንን ፈለስትን ከም ዝርከቡዎም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ኢንስፔክተር ኣሕመድ ገበየሁ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብሰንኩ 200 ሰባት መጕዳእቲ ከጋጥሞም እንከሎ፡ ብኸቢድ ዝተጐድኡ ሰባት ዝሓሸ ሕክምናዊ ክትትል ንምርካብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተላኢኾም ኣለው።

ኣካያዲ ስራሕ ሃገረ ስብከት ሰሜን ሸዋ መጋቤ ሃዲስ ነቃጥበብ ኣባቡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣመና ዘሕዝን፡ ልብኻ ዝሰብር ክስተት እዩ። ዓብይ መርድእ እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ፡" ኢሎም።

ነቲ ሓደጋ ስዒቡ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሞትን መቝሰልትን ብዙሓት ሰባት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ።

"ንስድራ ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም፤ ነቶም ሕክምና ዝግበረሎም ድማ ብቕልጡፍ ክሓውዩ ንምነየሎም" ኢሉ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እቲ ወረዳ ኢንስፔክተር ኣሕመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ዝሞቱ ዕድመኦም ካብ 25 ክሳብ 80 ዓመት ዝበጽሑ እዮም ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ እዋን ህንጸት ክግበሩ ዝግብኦም መሰረታዊ ጥንቃቐታት ብግቡእ ግብራዊ ብዘይምዃኖም፡ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሓደጋ ሞትን መጕዳእትን ከጋጥም ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ህንጸት ዝርከብ ቤተክርስቲያን

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Ifa / BBC