ኢትዮጵያ፡ 'ደቀንስትዮ ስረ ክኽደና የብለንን' ብዝብል ዘጋጠመ ጾታዊ ትንኰያ

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ካብ ባጃጅ ወሪዳ ክትኸይድ እንከላ ቈልዑ ደድሕሪኣ ስዒቦም ክተናኽፉዋን ስሪኣ ንምቕዳድ ክፍትኑን ይረኣዩ

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ካብ ባጃጅ ወሪዳ ክትከይድ እንከላ ቈልዑ ደድሕሪኣ ስዒቦም ክተናኽፉዋን ስረኣ ንምቕዳድ ክፍትኑን ይረኣዩ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ሲዳማ ኣብ እትርከብ ከተማ ወንዶ ገነት፡ ደቀንስትዮ 'ቀምሽ እምበር ስረ ክኽደና የብለንን' ብዝብል ኣብ ልዕሊአን ዝበጽሐ ጾታዊ ትንኰያ የዘራርብ ኣሎ።

ነዚ ዘርእዩ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርግሑ እንከለዉ፡ ሓላፊ ውዳበ ሰልፊ ብልጽግና እታ ከተማ ኣቶ እሸቱ ዳንኤል፡ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ሰብኣዊ መሰል ስለ ዝግሃሱ ክኽሰሱ'ዮም፡" ኢሉ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ ብ20 መስከረም 2018 [ኣ.ግ] ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ጫት፡ መንእሰያት "ብሰንኪ ብግጕይ ሓበሬታ፡ ስረ ደቀንስትዮ ንምሙላቝ" ብምፍታን ብዝፈጸሙዎ ጾታዊ ትንኰያ "ቀንዲ ተሓተትቲ" እዮም ዝበሎም ሰባት ተኣሲሮም ኣለው።

ብረቡዕ፡ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 11፡00 ኣጋ-ምሸት [5 ኣቈጻጽራ ምብራቕ ኣፍሪቃ]፡ "ስረ ዝተኸደነት ጓለንስተይቲ እንተረኺብኩም ኣምሉቝዎ ተባሂልና ኢና፡" ብዝብል ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ወሪዱ እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ምስልታት፡ ብኮተቴ ደቂ ተባዕትዮ ዝተኸበባ ደቀንስትዮ ክከላበታን ክዳነን ብበሊሕ ነገራት ክቕደድን ተራእዩ።

"እቲ ዕዳጋ ጫት፡ ከባቢ ሰዓት 11፡00 ስለ ዝዕምር፡ ብዋዒ ዕዳጋ ጫት ብዝመስል መልክዑ'ዩ ተላዒሉ። ሰብ እክብ ኢሉ እዩ ነይሩ፡" ይብል።

ኣቶ እሸቱ፡ "ምስሊ እታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተራእየት ጓለንስተይቲ ብምስዓብ ዝተኸደነቶ ስረ ከምሉቝን ክቐዱን ከም ዝጀመሩ፡" ብምግላጽ ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣስታት "ሽዱሽተ" ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዓበይቲ ዓዲ እቲ ኸባቢ፡ ንመርዓት ዝወሃብ ገዝሚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይውስኽ ምህላው ክዘራረቡ እንከለው፡ "ዋጋ ገዝሚ 15 ሽሕ ብር ይዅን፡" ብዝብል ከም ዝተሰማምዑን ጠቒሱ።

ኣብዚ ዘተ ድማ፡ "ብዛዕባ ኣከዳድና ደቀንስትዮ" ዝተላዕለ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፡ "ስረ እትኽደን ጓለንስተይቲ ስሪኣ ተቐዲዱ ዕርቃና ክትከይድ ኣለዋ ተባሂሉ'ዩ ብዝብል ወረ ዝጀመሩዎ'ዩ፡" ብምባል መንቀሊ እቲ ኣብ ልዕሊ እተን ደቀንስትዮ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ከም ዘይፍለጥ ይዛረብ።

ኣቶ ኣክሊሉ ዝተባህለ ነባሪ እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ ገጠራት ጓለንስተይቲ ስረ ክትክደን ንቡር ኣይኰነን፡" ዝብል ዝርርብ ተኻይዱ'ዩ ዝብል ወረ ከም ዝተወዝዐ ገሊጹ።

"ነዚ ዝሰምዑ ክኣ እቶም መንእሰያት ኣብ ወንዶ ገነት ጸገም ፈጢሮም እዮም፡" ብምባል ህዝቢ ነቲ ተግባር ከም ዝፈንፈኖ ሓቢሩ።

ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ምምሕዳር እታ ከተማን ክልልን ብቕልጡፍ ኣብ ልዕሊ ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ ውልቀሰባት ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስድ ኣለዎ ብምባል ነቲ ተግባር ክቃወሙ ተራእዮም።

ቢቢሲ ካብ ከንቲባ እታ ከተማ፡ ቤት ጽሕፈት ደቀንስትዮ፡ መናእሰይን ማሕበራዊ ጕዳይን መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።