መልሓስ ኣጥቃዒኣ ብምንካስ ዝተኸሰሰት ጓለንስተይቲ ድሕሪ 61 ዓመት ናጻ ተባሂላ

ጕዳይ ቾይ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝርከቡ መጽሓፍቲ ትምህርቲ ሕጊ ሰፊሩ፡ ቤት ፍርዲ ብኸመይ ኣብ እዋን ጾታዊ ዓመጽ ንዝፍጸም ነብሰ ምክልኻል ኣፍልጦ ከም ዘይሃበ ዘርኢ ኣብነት ኰይኑ ተጠቒሱ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, News1

መግለጺ ስእሊ, ጕዳይ ቾይ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝርከቡ መጽሓፍቲ ትምህርቲ ሕጊ ሰፊሩ፡ ቤት ፍርዲ ብኸመይ ኣብ እዋን ጾታዊ ዓመጽ ንዝፍጸም ነብሰ ምክልኻል ኣፍልጦ ከም ዘይሃበ ዘርኢ ኣብነት ኰይኑ ተጠቒሱ ኣሎ

ቅድሚ ብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት'ዩ፡ ሓንቲ ደቡብ ኮርያዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ንዝተባህለ ሓደ ወዲ ተባዕታይ መልሓሱ ብምንካስ ተኸሲሳ።

ቾይ ማል-ጃ ትብሃል፤ ኣብቲ እዋን ብኸቢድ ኣካላዊ ጕድኣት ተፈሪዳ ን10 ኣዋርሕ ክትእሰር እንከላ ጓል 18 ዓመት እያ ነይራ። እቲ ወዲ 21 ዓመት ዘጥቅዓ ውልቀሰብ ድማ፡ ፈኵስ - ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

እንተ ቾይ ግን፡ ስማ ካብዚ ክሲ ንምጽራይ ንዓመታት ዝወሰደ ወፍሪ ከተካይድ ድሕሪ ምጽናሓ፡ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቡሳን ኣብ ሓምለ ዳግማይ መስርሕ ፍርዲ ተጀሚሩ።

ኣብ ቀዳማይ መስርሕ ፍርዲ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ይቕሬታ ​​ሓቲቶም፤ ብዘይተለምደ ስጕምቲ ድማ ቤት ፍርዲ ነቲ ቅድሚ 61 ዓመት ዝተዋህበ ፍርዲ ክስርዞ ሓቲቶም።

ቾይ ናጻ ምስ ተባህለት፡ "እዚ ጕዳይ መዕለቢ ከይረኸበ ክገድፎ ኣይከኣልኩን... ንኻልኦት ከም ናተይ ዕጫ ዘጋጠሞም ግዳያት ደው ክብል እየ [ደልየ]፡" ኢላ።

ኣብቲ ግዜ እቲ መንእሰይ እንከላ፡ እቲ ክስተት፡ "[ንዓይ] ካብ ግዳይ ናብ ተኸሳሲት ብምቕያር፡" ዕጫኣ ቀይሩዎ እዩ።

"ኣብ ጥቓይ ዝነበሩ ሰባት፡ ዳርጋ እንቋቑሖ ናብ ከውሒ ከም ምድርባይ እዩ ብምባል ኣጠንቂቘምኒ ነይሮም፡" ብምባል እቲ ጕዳይ ዳግም ብቤት ፍርዲ ክርአ ምግባር ዝብል ሓሳባ ክትገድፎ ከም ዝነገሩዋ ትዛረብ።

ቾይ፡ ሕጂ ጓል 79 ዓመት እያ።

ንደገፍታ ኣመስጊና፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ድማ "ስልጣኖም ብዘይግቡእ ብምጥቃም ንሕጊ ዘታለሉ'ዮም፡" ብምባል ትነቅፍ።

ጕዳይ ቾይ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝርከቡ መጽሓፍቲ ትምህርቲ ሕጊ ሰፊሩ፡ ቤት ፍርዲ ብኸመይ ኣብ እዋን ጾታዊ ዓመጽ ንዝፍጸም ነብሰ ምክልኻል ኣፍልጦ ከም ዘይሃበ ዘርኢ ኣብነት ኰይኑ ተጠቒሱ ኣሎ።

ብመሰረት መዛግብቲ ቤት ፍርዲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ፡ ንቾይ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ጊምሄ ናብ መሬት ኣውዲቑ ጸቒጡዋ ነይሩ። ንሳ ድማ፡ ኣስታት 1.5 ሴንቲ ሜትር መልሓሱ ብምንካስ ንነብሳ ሓራ ከተውጽእ ክኢላ።

ድሕሪኡ፡ እቲ ውልቀሰብ ብቐጻሊ በቲ ዝወረዶ መጕዳእቲ ካሕሳ ይሓትት ከም ዝነበረን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ መንበሪ ገዛ ቾይ ብካራ ሰይሩ ከም ዝነበረን ማዕከናት ዜና ደቡብ ኮርያ ሓቢረን።

ንሱ፡ ብምኽንያት ምጥሓስን ምፍርራሕን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክእሰር - ንኽልተ ዓመት ግን ዝዀነ ዓይነት ገበን ከይፍጽም ትእዛዝ ተዋሂቡ - ተፈሪድዎ። ብፈተነ ዓመጽ ግን ተኸሲሱ ኣይፈልጥን።

ቾይ፡ ከቢድ ኣካላዊ ጕድኣት ብምውራዳ እያ እቲ ዝኸበደ ፍርዲ ተዋሂቡዋ ዝነበረ።

ኣብቲ እዋን እቲ ቤት ፍርዲ ተግባራ ካብቲ "ርትዓዊ ደረት" ርእሰ-ምክልኻል ዝሓለፈ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ እዋን መርመራ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተኣሲራ፤ ድሒራ ድማ ናይ 10 ኣዋርሕ ፍርዲ ተዋሂብዋ፡ ንኽልተ ዓመት ግን ዝዀነ ዓይነት ገበን ከይትፍጽም ትእዛዝ ተዋሂቡዋ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቾይ፡ ሽማ ንምጽራይ መስርሕ ንኽትጅምር ካብ ዝደረኹዋ ምኽንያታት፡ እቲ ኣብ 2018 ኣብ ደቡብ ኮርያ እውን ዝተራእየ ስፍሕ ዝበለ ዓለማዊ ምንቅስቓስ #MeToo እዩ።

ዳግማይ መስርሕ ፍርዲ ንኽጅመር ጥርዓን ቅድሚ ምቕራባ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት መርትዖታት ኣኪባ። ናብ ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ኢዳ ዘርጊሓ።

እቲ ናብ ነጻነት ዝወስድ መገዲ በዳሂ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ታሕተዎት ኣብያተ ፍርዲ፡ ነብሰ-ምክልኻል ዝብል ክሲ ዝድግፍ መርትዖ የለን ብምባል ነቲ ጥርዓና ነጺጐሞ።

ቾይ ካልኦት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ በቲ ንሳ ዝሓለፈቶ ክሓልፉ ክትሪኦም ከም ዘይትደሊ ብምግላጽ እቲ ጻዕሪ ቀጺላቶ።

"[ንሳቶም] ነቲ ቃንዛ በይኖም ክጻወሩዎ የብሎምን፡" ክትብል ኣቐዲማ ንዘ ኮርያ ሄራልድ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ መሕትት ገሊጻ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ታሕሳስ 2024፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ጕዳይ ዳግማይ ንኽኽፈት ዘቕረበቶ ሕቶ ተቐቢሉ።

ብረቡዕ 10 መስከረም 2025 ድማ እቲ ዝጠለበቶ ፍትሒ ረኺባ።

ጠበቓ ቾይ ኪም ሱ-ጁንግ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተፈርደ ፍርዲ "ብሰንኪ ጾታዊ ወገናውነትን ሕብረተሰባዊ ኣረኣእያን ዝተዋህበ ግጕይ ፍርዲ፡" ክትብል ገሊጻቶ።

"ሳላ ቾይ ማል-ጃ ተስፋ ከይቈረጸት ዝገበረቶ ዘይሕለል ቃልሲ፡ ዓቃቢ ሕግን ፍርድን ሎሚ ነቲ ጌጋ ንምእራም ዕድል ረኺቦም፡" ትብል ኪም።

ቾይ ካሕሳ ንምሕታት ኣብ ልዕሊ እቲ ግዝኣት ሲቪላዊ ክሲ ከተቕርብ መደብ ከም ዘለዋ ወሲኻ ገሊጻ።

ንቾይ ኣብ ጐስጓሳ ካብ ዝደገፉ ጕጅለታት ሓደ ዝዀነ 'ሆትላይን ደቀንስትዮ ኮርያ'፡ እቲ ፍርዲ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ መገዲ ፍትሒ ከም ዝኸፍት ይኣምን።

"ኣብ መጻኢ፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምክልኻል ተግባራት ሕጋዊ ምዃኑ ክንግንዘብ ኢና። እዚ ማለት ውሑዳት ደቀንስትዮ ዘይፍትሓዊ ስቓይ ከጋጥመን እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎኒ፡" ትብል መራሒት እታ ጕጅለ ሶንግ ራን-ሂ።

"ብውሑዱ ንግዳያት መልእኽቲ ዘሕልፍ ክኸውን'ዩ። እዚ ሕጂ ትሓልፍዮ ዘለኺ መስርሕ መሪርን ዘይፍትሓውን እንተዀነ'ውን፡ 'ድምጽኺ ኣገዳሲ'ዩ። ተዛረቢ፡" ትብል ሚስ ሶንግ።

ኣብ ደቡብ ኮርያ ብውሑዱ ካልኦት ክልተ ደቀንስትዮ መልሓስ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ዝነኸሳሉ ተርእዮታት ኣጋጢሙ'ሎ።

እቲ ሓደ ኣብ 1988 ኣብ ከተማ ኣንዶንግ፡ ካልእ ድማ ኣብ 2020 ኣብ ቡሳን ዘጋጠመ ክስተት እዩ።

ኣብ ክልቲኡ ጕዳያት፡ ኣብያተ ፍርዲ ነቲ እተን ደቀንስትዮ ዝገበርኦ ከም ሕጋዊ ተግባራት ርእሰ-ምክልኻል ኣፍልጦ ብምሃብ ንዕአን ዝድግፍ ውሳነ ኣሕሊፈን።