ኬንያ፡ ኣብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ቈልዑ ንዝነጥፋ 'ማዳምስ' ዘቃልዐ ምስጢራዊ ሰነዳት

ንያምቡራን (ጸጋም)ን ቸፕቱ (የማን)ን፡ ኣብ ማዪ ማሂዩ ንህጻናት ብኸመይ ንንግዲ ጾታዊ ርክብ ተቓላዕቲ ይገብራ ከም ዘለዋ ንመርመርቲ ቢቢሲ ሓቢረን
መግለጺ ስእሊ, ንያምቡራን (ጸ) ቸፕቱን (የ)፡ ኣብ ማዪ ማሂዩ ንህጻናት ብኸመይ ንንግዲ ጾታዊ ርክብ የቃልዓ ከም ዘለዋ ንመርመርቲ ቢቢሲ ሓቢረን

"ማዳምስ" ተባሂለን እየን ዝፍለጣ፤ ኣብ ኬንያ ንቘልዑ 13 ዓመት ሓዊሱ ኣብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ከም ዝዋፈራ ይገብራ።

ኣብ ሪፍት ቫሊ ኬንያ ኣብ እትርከብ መተሓላለፊት ከተማ ማዪ ማሂዩ፡ ቀትርን ለይትን ሓያሎ መካይን ጽዕነት እየን ዝርኣያ።

እዚአን፡ ካብ መላእ ሃገር ዝተኣከቡ ኣቑሑትን ሰባትን ናብ ዩጋንዳ፡ ሩዋንዳ፡ ደቡብ ሱዳንን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን የጓዕዛ።

እቲ ካብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ንምብራቕ 50 ኪሎ ሜትር ጥራይ ርሒቑ ዝርከብ ቀንዲ ማእከል መጓዓዝያ፡ ብንግዲ ፋይቶት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ጾታዊ ዓመጽ ቈልዑ ብብዝሒ ዝፍጸመሉ'ውን እዩ።

ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ፡ ነዚ ጕዳይ ኣብ ዝምርምረሉ ዝነበረ እዋን፡ ክልተ ሕቡኣት መርመርቲ ብምስዳድ፡ 'ማዳም' ንምዃን ክመሃራ ዝደልያ ፋይቶት መሲለን ክቐርባ ገይሩ። ኣብቲ መርመራ ድማ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ንኣዋርሕ ኣብታ ከተማ ዘሎ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ብሕቡእ ተኸታቲሉ።

እቶም ብምስጢር ዝተስኣሉ ቪድዮታት፡ ክልተ ዝተፈላለያ ደቀንስትዮ ዘቃልዑ ኰይኖም፡ እቲ ዝገብርኦ ዘለዋ ነገር ዘይሕጋዊ ምዃኑ ከም ዝፈልጣ ይዛረባ።

እንተዀነ፡ ነተን ቢቢሲ ዝሰደደን መርመርቲ ኣብ ኢንዱስትሪ ጾታዊ ርክብ ምስ ዘዋፍርአን ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ኣላልየንአን።

ቢቢሲ ኣብ መጋቢት ኵሉ መርትዖታቱ ንፖሊስ ኬንያ ኣረኪቡ'ዩ። ቢቢሲ፡ እተን 'ማዳማት' ካብ ሽዑ ጀሚረን ናብ ካልእ ቦታ ከም ዝገዓዛ ይኣምን።

ፖሊስ፡ እተን ምስለን ዝተቐድሓ ደቂ ኣንስትዮን ጋዜጠኛታቱ ዝረኸብአን ንኣሽቱ ኣዋልድን ክረኽበን ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ። ክሳብ ሎሚ ድማ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የለን።

ኣብ ኬንያ በዞም ጕዳያት ዝምስረት ክሲ ሳሕቲ እዩ ዝርአ።

ንዕዉት ክስታት ፖሊስ ካብ ህጻናት ምስክርነት የድልዮም።መብዛሕትኡ ግዜ ተቓላዕቲ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ኸኣ ንኽምስክሩ ኣዝዮም ይፈርሑ።

ቢቢሲ ኣብ ጸልማት ኣብ ጽርግያ ዝቐድሖ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ሓንቲ ንርእሳ ንያምቡራ ኢላ እትጽውዕ ጓለንስተይቲ፡ "ገና ቈልዑ እየን፤ ስለዚ ገለ ምቁር ነገር ጥራይ ብምሃብ ክተታልለን ኣዝዩ ቀሊል'ዩ፡" ክትብል እናሰሓቐት ክትረዛብ እንከላ ዘርኢ'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንያምቡራ ኣብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ካብ እትዋፈር ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝገበረት ጓል 13 ዓመት ቈልዓ ከም ዘላታ [እተስርሓ] ትዛረብ።

"ፋይቶነት ኣብ ማዪ ማሂዩ ገንዘብ ዝርከቦ ስራሕ እዩ፤ ብመሰረቱ እቶም መራሕቲ መካይን ጽዕነት እዮም ዓማዊል። ብኸምኡ ድማ ኢና ገንዘብ ንረክብ፤ ኣብ ማዪ ማሂዩ ንቡር ኰይኑ'ዩ፡" ትብል።

ወሲኻ፡ "ምስ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ምስራሕ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ፤ ብቐሊሉ ናብ ከተማ ሒዝካየን ክትመጽእ ኣይትኽእልን። ኣነ ለይቲ ጥራይ እየ ብዓቢ ምስጢር ሓቢአ ዘውጽአን፡" ኢላ።

ብመሰረት ሃገራዊ ሕጊ ኬንያ፡ ፍቓደኛ ዝዀነት ብዕድመ ዝኣኸለት ሰብ ኣብ ስራሕ ፋይቶት ብቕሉዕ ክትዋፈር ከም ገበን ዝቝጸር እኳ እንተዘይኰነ፡ ብመተሓዳደሪ ደንቢታት ምምሕዳር ከተማታት እታ ሃገር ግን ክልኩል እዩ።

ኣብታ ኣብ ምምሕዳር ናኩሩ እትርከብ ከተማ ማዪ ማሂዩ ግን ኣይተኸልከለን።

ብመሰረት መቕጽዒ ሕጊ ገበን፡ ካብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ብዝርከብ ኣታዊ ወይ ከም ሰራሕተኛ ጾታዊ ርክብ ወይ እቶም ምርኻባት ዘመቻችእ ወይ መኽሰብ ሳልሳይ ወገን ኴንካ ኣታዊ ምግባር ዘይሕጋዊ እዩ።

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ወይ ምሻጥ ካብ ዓሰርተ ዓመት ክሳብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ የቕጽዕ።

ንያምቡራ፡ እቶም 'ዓማዊል' ኮንዶም ይጥቀሙ ድዮም ተባሂላ ምስ ተሓተተት፡ መብዛሕትኡ ግዜ መከላኸሊ ከም ዘለዎም ከም እተረጋግጽ፡ ገሊኦም ግን ከም ዘይጥቀሙ ገሊጻ።

"ገሊአን ቈልዑ ዝያዳ ኣታዊ ክረኽባ ይደልያ [ስለዚ ኣይጥቀማን]። ገሊአን [ንኸይጥቀማ] ይግደዳ፡" ትብል።

ኣብ ካልእ ቦታ ድማ፡ ነታ ሕብእቲ መርማሪት ናብ ሓደ ሰለስተ ንኣሽቱ ኣዋልድ ኣብ ሶፋ ኮፍ ኢለን ዝነበራሉ ክፍሊ መሪሓታ ኣትያ። ብድሕሪኡ ንያምቡራ እታ መርማሪት ምስተን ቈልዑ ንበይና ገዲፋታ ወጺኣ።

መዓልታዊ፡ ተደጋጋሚ ጾታዊ ግህሰት ከም ዝበጽሐን ድማ ኣዕሊለንኣ።

"ሓሓሊፉ ምስ ብዙሓት ጾታዊ ርክብ ትገብር፣ እቶም 'ዓማዊል' ክትግምቶ ዘይትኽእል ነገራት ክትገብር የገድዱኻ፡" ትብል ሓንቲ ካብኣተን።

ማዪ ማሂዩ፡ ካብ መላእ ኵርናዓት ኬንያ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝኸዳ ብዙሓት ናይ ጽዕነት መካይን ዝሓልፋላ ከተማ እያ
መግለጺ ስእሊ, ማዪ ማሂዩ፡ ካብ መላእ ኬንያ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝኸዳ ብዙሓት መካይን ጽዕነት ዝሓልፋላ ከተማ እያ

ኣብ ኬንያ ኣብ ኢንዱስትሪ ጾታዊ ርክብ ክሰርሓ ዝተገደዳ ቈልዑ ብዝምልከት ኣብ ቀረባ ዝወጽአ ዝዀነ ስታቲስቲክስ የለን።

ኣብ 2012፡ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኣሰራርሓታት ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ኣድሂቡ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣስታት 30 ሽሕ ከም ዝግመት ጠቒሱ ነይሩ።

እዚ ኣሃዝ ካብ መንግስቲ ኬንያን ምጥፋእ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ቈልዑ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካልን ዝተረኽበ እዩ።

ካልኦት መጽናዕትታት ኣብ ፍሉይ ከባቢታት፡ ብፍላይ ብመዘናግዒ በጻሕቲ ኣብ ዝፍለጡ ከባቢታት ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ዘተኰሩ'ዮም።

ኣብ 2022 ዘመናዊ ባርነት ንምውጋድ ዝዓለመ ዘይመንግስታዊ ትካል ግሎባል ፈንድ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኪሊፊን ክዋለን ኣብ ዝተባህሉ ከባቢታት ኣስታት 2500 ቈልዑ ናብ ጾታዊ ስራሕ ከም ዝተገደዳ ኣረጋጊጹ።

ካልእ ሕብእቲ መርማሪት፡ ንነብሳ ቸፕቱ ኢላ ካብ እትጽውዕ ሰበይቲ እምነት ረኸበት።

መንእሰያት ኣዋልድ ምሻጥ ማለት፡ "መነባብሮኣ ምቹእ ክኸውን ኣታዊ እትረኽበሉ፡" ማለት'ዩ ኢላ።

"እዚ ዓይነት ንግዲ ዘይሕጋዊ ስለ ዝዀነ ብዓቢ ምስጢር ኢኻ ትዓዮ፡" ትብል።

"ንእሽቶ ጓል ደልየ ዝብል ሰብ እንተሃልዩ ክኸፍለኒ እሓቶ። ወትሩ ነተን ዝለመዱወን ደልዮም ዝምለሱ ስሩዓት ዓማዊል'ውን ኣለዉና።"

ቸፕቱ ነታ ሕብእቲ መርማሪት ናብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ወሲዳ ምስ ኣርባዕተ ኣዋልዳ ኣራኺባታ።

እታ ንእሽቶ ጓል 13 ዓመት ምዃና ገሊጻ። እተን ካልኦት ድማ 15 ዓመት ምዃነን ይዛረባ።

ቸፕቱ፡ በዚ መገዲ ብዛዕባ እትረኽቦ መኽሰብ'ውን ኣግሂዳ ተዛረበት። ካብ ነፍሲ ወከፍ 3000 ሽልን ኬንያ (23 ዶላር) እተን ኣዋልድ ዝረኽባኦ፡ ብጽሒታ 2500 ሽልን (19 ዶላር) ምዃኑ ገሊጻ።

ኣብ ካልእ ቦታ፡ ኣብ ሓደ ገዛ ምስ ክልተ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ነታ መርማሪት ንበይና ገዲፋታ ትኸይድ።

እታ ሓንቲ፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ ምስ ሓሙሽተ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ከም እትፍጽም ኣውጊዓታ።

ብዘይ ኮንዶም ጾታዊ ርክብ ምፍጻም እንተኣብያ እንታይ ከም ዘጋጠመ ምስ ተሓተተት፡ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብላ ገሊጻ።

"ብዘይ ኮንዶም ጾታዊ ርክብ ክገብር ኣለኒ፣ እንተዘይኰይኑ ክስጐግ እየ። ሃዲመ ዝኸደሉ ቦታ ድማ የብለይን። ዘኽታም እየ።"

ኢንዱስትሪ ጾታዊ ርክብ ኬንያ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ምምችቻእ ምንዝርና ቈልዑ ዝነጥፉሉ ዝተሓላለኸን ዘሰክፍን ዓለም እዩ።

ኣብ ማዪ ማሂዩ ክንደይ ቈልዑ ብኣስገዳድ ናብ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ከም ዝኣትዋ ኣይፍለጥን።

ኣብታ ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ዝነብሩላ ንእሽቶ ከተማ ግን ክትረኽበን ቀሊል እዩ።

"Baby Girl" ተባሂላ እትፍለጥ ሰራሕተኛ ጾታዊ ርክብ ዝነበረት፡ ሕጂ ኣብታ ከተማ ካብ ጾታዊ ዓመጽ ዝሃደማ ኣዋልድ ዕቝባ ትህብ።

እታ ጓል 61 ዓመት ሰበይቲ፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ጾታዊ ርክብ ን40 ዓመታት ሰሪሓ።

ኣብ መጀመርታ ዕስራታት ዕድመኣ እያ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ጎደናታት ወጺኣ።

ሽዑ፡ ነፍሰጾር ብምንባራ፡ ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ ድማ ካብ በዓል ቤታ ሃዲማ ድሕሪ ምኻዳ፡ ሰለስተ ንኣሽቱ ደቃ ከተዕቢ ተገዲዳ።

ንሳ፡ ንቢቢሲ ምስ ኣርባዕተ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዘላለየት ኰይና፡ ኵለን ቈልዑ ከለዋ ብ'ማዳምስ' ኣብታ ከተማ ተገዲደን ናብ ስራሕ ጾታዊ ርክብ ዝኣተዋ እየን።

ነፍሲ ወከፍ ጓለንስተይቲ ተመሳሳሊ ዛንታ ናይ ዝተበታተኑ ስድራቤታት ወይ ኣብ ገዛ ዝፍጸም ግህሰት ኣለዋ፣ ብሰንኩ ድማ ሃዲመን ናብ ማዪ ማሂዩ መጺአን ዳግም ግዳያት ዓመጽ ኰይነን።

ሚሸል፡ ጓል 12 ዓመት ከላ፡ ወለዳ ብኤችኣይቪ ምስ ዝሰኣነት ናብ ጐደና ወጺኣ፤ ሽዑ ሓደ ክትነብረሉ እትኽእል ቦታ ምስ ዝሃባ ሰብኣይ ተራኺባ፣ ግን ክዕምጻ ጀሚሩ።

"ስለ ዘምሃረኒ ብዓይነት ክኸፍሎ ነይሩኒ። ምርር ኢሉኒ፤ ግን ዝዀነ ሰብ ከኣ ኣይነበረንን፡" ትብል።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ማዪ ማሂዩ ምስ ሓንቲ 'ማዳም' ተላልያ፤ ናብ ስራሕ ጾታዊ ርክብ ክትኣቱ ክኣ ኣገዲዳታ።

ሕጂ ጓል 19 ዓመት ዝዀነት ሊልያን እውን ኣብ ኣዝዩ ንእሽቶ ዕድመኣ ወለዳ ስኢና። እዚ ዕርቃንካ ኴንካ ብምስኣል ጾታዊ ርውየት ምርካብ ነዊሕ ከይጸንሐ ናብ ዓመጽ ተቐየረ።

"እታ ዝኸፍአት መዓልተይ እያ ነይራ። ሽዑ ጓል 12 ዓመት እየ ነይረ።"

ካብኡ ኣምለጠት፣ መሊሳ ብሓደ ናብ ማዪ ማሂዩ ብዝወሰዳ መራሒ መኪና ተዓሚጻ። ኣብታ ከተማ እዩ እምበኣር ብሓይሊ ናብ ስራሕ ጾታዊ ርክብ ዘእተወታ።

ጓል 19 ዓመት ሊሊያን፡ ኣብዚ እዋን ካብቲ ዝበጽሓ ግህሰት እናሐወየት ስእሊ ትመሃር ኣላ
መግለጺ ስእሊ, ጓል 19 ዓመት ሊሊያን፡ ኣብዚ እዋን ካብቲ ዝበጽሓ ግህሰት እናሐወየት ስእሊ ትመሃር ኣላ

እዘን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝነብራኦ ዕድመ ብዓመጽ፡ ግህሰትን ተነጽሎን ዝተወጽዐ እዩ።

ከምዚአን ዝበላ ግዳያት፡ ሕጂ ኣብ ማእከል "Baby Girl" ተዓቚበን ሓድሽ ክእለት ይመሃራ ኣለዋ፣ ክልተ ኣብ ስቱድዮ ስእሊ፡ ክልተ ድማ ኣብ ሳሎን ጽባቐ። ኣብቲ ማሕበረሰብ ኣብ እትገብሮ ስርሓት እውን ይሕግዝኣ።

ምምሕዳር ናኩሩ ኣብ ኬንያ ካብተን ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ኤችኣይቪ ዘለዎም ከባቢታት ኰይኑ፡ ብናይ ኣመሪካ ትካል ረድኤት (USAID) እትድገፍ "Baby Girl" ድማ ብዛዕባ ሓደጋታት ፍኑው ጾታዊ ርክብ ኣብ ምምሃር ትሰርሕ ኣላ።

ኣብ ጥቓ ቀላይ ናይቫሻ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ካራጊታ ቤት ጽሕፈት ኣለዋ፣ ኣብኡ ድማ ኮንዶምን ምኽርን ብምሃብ ትሰርሕ።

ይዅን እምበር፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምወላ ዩኤስኤይድ ንምስሓብ ብዝወሰዶ ውሳነ መደባታ ተጸልዩ ይርከብ።

ብዛዕባ እተን ኣብኣ ዝምርኰሳ መንእሰያት ደቀንስትዮን ኣዋልድን ክሳብ ክንደይ ከም ዝተሻቐለት ብምግላጽ፡ "ካብ መስከረም ጀሚሩ ስራሕ ኣልቦ ክንከውን ኢና፡" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"እዘን ቈልዑ ተቓላዕቲ እየን፤ በይነን ከመይ ገይረን እየን ክሓልፍኦ? ገና ሕጂ'የን እኮ ሕውየት ዝጅምራ ዘለዋ፡" ትብል።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብዚ ጸብጻብ ንዝተላዕለ ክህሉ ዝኽእል ጽልዋ ምጕዳል ዝህቦ ምወላ ገንዘብ መልሲ ኣይሃበን። ምወላ ዩኤስኤይድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብወግዒ ተዓጽዩ'ዩ።

ሊልያን ኣብ ምምሃር ስእሊን ኣብ ሕውየትን ኣተኲራ ተሰርሕ ኣላ።

"ድሕሪ ሕጂ ኣይፈርሕን እየ፣ ምኽንያቱ ቤቢ ገርል ኣላትኒ፤ ነቲ ዝሓለፈ ክንቀብሮ ትሕግዘና ኣላ።"