'ጾታዊ ርክብ ክገብር ምስጀመርኩ ምስቲ ብቪድዮ ዝርእዮ ዝነበርኩ ተደናጊሩኒ'

ሓንሳብ ምስጀመረቶ ክተቋርጾ ዓቕሚ ዝስኣነት ኮርትኒ

ሻውን ፍሎረስ ንመጀመርታ ግዜ ፖርኖግራፊ [ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ] ክርኢ ክጅምር እንከሎ ወዲ 11 ዓመት እዩ ነይሩ። ዓርኩ ድማ እዩ ከምኡታት ክርኢ ዝዓደሞ።

"ዳርጋ ብኡ ንብኡ ተዋሒጠ" ይብል እዚ ሕጂ ወዲ 30 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ሻውን።

"መጀመርታ ዝረኣኹሉ መዓልቲ ተገሪመ ‘እዚ’ኸ እንታይ’ዩ? እንታይ’ዮም ዝገብሩ ዘለዉ?’ ኢለ ብተምሳጥ እየ ርእየዮ” ዝበለ ሻውን ድሒረ ግን ደው ከብሎ ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ ከምዝተሰጋገረ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ንግሆ፡ ቀትሪን ለይትን ፖርኖግራፊ ምርኣይ "ከምዚ ኣስናንካ ምብራሽ ልሙድ" ከምዝኾኖ ይገልጽ።

ሻውን ዛንታኡ ንቢቢሲ ኣካፊሉ’ሎ።

"ዝዀነ ነገር ክገብር ዓቕሚ ኣብ ዘይነበረኒ እዋን ዝዀነ ጉዳይ ከምዘሎ ተረዲኡኒ" ይብል። "ኩዕሶ ምጽዋት ሓዲገ ኮይኑኒ ምውዓለይን ምሕዳረይን ኣብ ውሻጠ ኰይኑ" ክብል ተመኵሮኡ ከዘንቱ ይጅምር።

እንተዀነ ጐድኒ ጐድኒ ሓውሲ ስምዒት ጣዕሳን ሕፍረትን ክስምዖ’ኳ ጀሚሩ እንተነበረ ከቋርጾ እንተበለ ግን ሓያል ወልፊ ኰይንዎ ከቋርጾ ኣይከኣለን።

ሻዉን "ሽዑ'የ ገለ ነገር ከምዘሎ ዝተረድኣኹ” ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እንተዀነ ናይ ጾታዊ ርክባት ቪድዮ ብምርኣይ ወልፊ ዝተትሓዘ ሻውን በይኑ ከምዘይኮነ ኣብቲ ዓውዲ ዝተገበሩ መጽናዕቲ የመልክቱ።

ጸብጻብ ኦፍኮም ኦንላይን ኔሽን 2024 ከም ዝሕብሮ፡ ካብ ጠቕላላ ዓበይቲ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ እቶም 29 ሚእታዊት ኣብ ግንቦት 2024 ብኢንተርነት ፖርኖግራፊ ከም ዝረኣዩ ይሕብር።

ብተወሳኺ፡ ሓድሽ መጽናዕቲ [UKAT] ከም ዝሕብሮ፡ ብሚልዮን ዝቝጸሩ እንግሊዝውያን መዓልታዊ ኣብ ኢንተርነት ዝተጽዓኑ ናይ ጾታዊ ርክባት ቪድዮ ከምዝርእዩ ይገልጽ።

ብመሰረት እቲ ትካል ዘካየዶ መጽናዕቲ 1.8 ሚልዮን ኢንግሊዛውያን መዓልታዊ ገለ ገሊኦም ብተደጋጋሚ ናይ ጾታዊ ርክባት ቪድዮ ዝተጻዕነሎም መርበባት ከፊቶም ከምዝርእዩ ኣመልኪቱ።

ቪድዮታት ጾታዊ ርክባት ብምርኣይ ዝተወለፉ ሰባት ስነልቦናዊ ሓገዝ ይጠልቡ ከምዘለዉ ወሃብቲ ኣገልግሎት ሕክምና ገሊጾም።

ኣብ ለንደን ሕኪም ጾታዊን ርክባትን ስነ-ኣእምሮን ፓውላ ሆል፡ ብወልፊ ጾታዊ ርክብን ወልፊ ፖርኖግራፍን ዝተሃስዩ ሰባት ኣብ ምሕጋዝ እትነጥፍ ክኢላ እያ።

"ኣብ ዘ ሎረል ሴንተር ቍጽሪ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝደልዩ ብቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ዝተወለፉ ሰባት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዕጽፊ ወሲኹ'ሎ። ከምኡ'ውን ካብ ሰብ ሞያ ጥዕና ተወሳኺ ስልጠና ንኽወሃበና ሓቲትና ኣለና” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ዶክተር ሆል፡ ቍጽሪ ሓገዝ ዝደልዩ መንእሰያት’ውን እናወሰኸ ከምዝኸደ ተዛሪባ።

"ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት መብዛሕትኦም ዓማዊልና ኣብ 40ታትን 50ታትን ዕድመ ዝርከቡ ሰብ ሓዳር ደቂ ተባዕትዮ’ዮም ነይሮም” ትብል።

ዶ/ር ሆል ኣስዒባ “ኣብዚ እዋን ግና ዓማዊልና ኣብ 20ታትን 30ታትን ዕድመ ዝርከቡ ኰይኖም፡ብዙሓት ካብኣቶም ሓዳር ዘይገበሩ ኰይኖም፡ ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ብምርኣይ ስለዝተጸመዱ ኣብ ህይወቶም ኣሉታዊ ሳዕቤናት እናመጽአሎም ዝተጸገሙ’ዮም” ኢላ።

ንነብሱ ክሳዕ ዝጸልእ ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ክርኢ ዝተገደደ ሻውን

'ሓንሳብ ምስ ጀመርካ ደው ከተብሎ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ’

ኣብ ጕጅለ [ዩኬቲ] መሪሕ ቴራፒስት ሊ ፈርናንደስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቍጽሪ ናይቶም ፖርኖግራፊ ብምርኣይ ንጸገም ዝተቓልዑ ሰባት "ብዓቢኡ" ከምዝወሰኸ'ውን ይዛረብ።

ቅድሚ 2020 ኣብ ሰሙን ሓደ ወይ ክልተ ሰባት ጥራይ ሓገዝ ደልዮም ይመጽኡ ከምዝነበሩ ዝገልጽ ፈርናንደስ፡ ኣብ ቴክኖሎጂ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ስዒቡ ዝመጽእ ቀሊል ተበጻሕነት ፖርኖግራፊን፡ ኣብ ኵሉ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ጾታዊ ትሕዝቶታት ብኢንተርነት ብቐሊሉ ክረኽቡ ይገብሮም ከምዘሎ ይትንትን።

እቲ ዶ/ር ኣስዒቡ "ሓደ ሰብ ሞባይሉ ኣውጺኡ፡ ናብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ኣትዩ ወዲ 12 ዓመት ይዅን ወዲ 60 ዓመት፡ ፖርኖግራፊ ክርኢ ብዙሕ ከቢድ ኣይኰነን" ይብል።

ሰባት ብኢንተርነት ፖርኖግራፊ ዝከታተሉሉ ምኽንያት፡ ሓድሽ ነገር ክትፈልጥ ምድላይ፡ ትህኺት፡ ጭንቀትን ኣብ መጻምድኻ ጾታዊ ዕግበት ዘይምህላውን ይርከብዎም።

ዋላ’ኳ እዞም ምኽንያታት ሰባት ቪድዮ ጾታዊ ርክባት ክርእዩ መንቀሊ እንተኾኑ "ሓንሳብ ምስ ጀመርካ ደው ከተብሎ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ” ይብል ዶ/ር ፈርናንደስ።

ኮርትኒ

ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ኣብ ዓበይቲ መርበባት ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን'

ኮሚሽነር ህጻናት ዓዲ እንግሊዝ መሰላት ህጻናት የስፋሕፍሕን ይከላኸልን እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቤት ጽሕፈቶም ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ 2023፡ 10 ሚእታዊት ህጻናት ኣብ ትሽዓተ ዓመት ዕድመኦም ፖርኖግራፊ ርእዮም፡ 27 ሚእታዊት ድማ ኣብ 11 ዓመት ዕድመኦም ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ርእዮም።

“ሰገናት ቈልዑ ናይ ጾታዊ ርክብ ቪድዮታት ከምዝርእዩን ንቡርን ምዃኑ ይነግሩኒ። ህጻናት ንመጀመርታ ግዜ ፖርኖግራፊ ዝረኣዩሉ ማእከላይ ዕድመ 13 ዓመት'ዩ" ትብል ዳም ራቸል ደ ሶዛ፡ ናይ ሕጂ ኮሚሽነር ህጻናት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ።

እታ ኮምሽነር ብተወሳኺ “ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ካብ ደጊም ኣብ ፍሉጣት ዓበይቲ መርበባት ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ህጻናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣስገዳዲ፡ ዘዋርድ ወይ ቃንዛ ዝፈጥር ጾታዊ ተግባራት ዝገልጽ ዓመጽ ዝመልኦ ትሕዝቶ ክርእዩ ከምዝኽእሉ ይነግሩኒ" ኢላ።

"ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ ምርኣይ ዘስዕቦ ጸገም ሰፊሕ'ዩ። መጽናዕተይ ከም ዘመልክቶ፡ ብተደጋጋሚ ናይ ጾታዊ ርክብ ትሕዝቶታት ዝርእዩ ሰባት ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝገብርሉ ግዜ ኣመና ተራገጽቲ [ኣግሬሲቭ] ናይ ምዃን ተኽእሎኦም ዝለዓለ'ዩ"

ደ ሱዛ ወሲኻ፡ መንእሰያት ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ዘይክውንነታዊ ምዃኑ ንኽርድኡ ንምሕጋዝ፡ ልዑል ጽሬት ዘለዎ ናይ ዝምድናን ጾታዊ ትምህርትን ምስ ካልኦት ትምህርትታት ኣሳኒኻ ምሃቡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ትዛረብ።

ሲልቫ ኔቨስ ዝተባህለ ኣብ ሕክምና ጾታዊ ባህርያት ዝነጥፍ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመ ፖርኖግራፊ ምርኣይ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይሰማማዕ።

ንሱ፡ ንመንእሰያት ጽሬት ዘለዎ ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ዘይምህላዉ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ሓበሬታ ክደልዩ ከም ዝገብሮም የስምረሉ።

እቶም ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ኣብቲ ሃሰስ ኢሎም ዝርእይዎ ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ "ጸጉሪ ዘይብሎም ብልዕቲ ክርእዩ’ዮም" ዝበለ እቲ ክኢላ ስነ ኣእምሮ፡ "ን30 ደቓይቕ ዝጸንሕን ሓይሊ ዝመልኦን ጾታዊ ርክብ ክርእዩ'ዮም፡ ካብኡ ንደሓር ‘ኣሃ ለካ ጾታዊ ርክብ ማለት ከምዚ’ዩ’ ኢሎም ንኽሓስቡ ክገብሮም’ዩ” ኢሉ።

ጓል 26 ዓመት ኮርትኒ ዳኒኤላ ቦኣቴንግ፡ ንመጀመርታ ግዜ ፖርኖግራፊ ክትከታተል ዝጀመረት፡ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ እንከላ እዩ ነይሩ።

ግቡእ ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ብዘይምርካባ ምኽንያት ጾታዊ ርክብ ዝጽዓኑ መርበብ ክትእልሽ ከምዝደረኻ እያ እትገልጽ።

ዝተምሃረትሉ ቤት ትምህርቲ ኣብ ተመኵሮ ጾታዊ ርክብ ዘይኮነስ፡ ኣብ ስነ-ህይወት ምፍራይ ዘተኮረ ምንባሩ ድማ ተዘኻኽር።

እቲ ኣብ ዙርያኣ ዝነበረ ክልከላ ዝመስል ኣብያታት ብዛዕባኡ ክትፈልጥን ክትርዳእን ዝያዳ መሳጢ ከም ዝገብሮ ትዛረብ።

"ኣብ መወዳእታ ናብ ኣለሻ ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ኣትየ" ዝበለት ኮርትኒ ዳኒኤላ፡ “ከምዚ ናብ ሓድሽ ዓለም ዝኣተኹ’ዩ ዝመሰለኒ” ክትብል ነቲ ንፈለማ ግዜ ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ዝረኣየትሉ ኵነታት ትዝክር።

ሻውን

‘ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት ፈጢሩለይ ነይሩ'

ሓድሓደ ግዜ ኣብ ሰሙን ወይ ሓሓሊፉ ቅድሚ ትምህርቲ ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ክትከታተል ከምዝጀመረት እተዘንቱ ኮርትኒ ዳኒኤላ ድሕሪኡ ግን ዳርጋ ናብ መዓልታዊ ከም ዝተቐየረ ትዛረብ።

"እዚ ኣብ ልዕለይ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ክግንዘብ ዝጀመርኩ ሽዑ'የ፡ ምኽንያቱ ብዙሕ ግዜ ከምኡ ክገብር ይግደስ ስለዘለኹ" ትብል።

ኮርትኒ ጓል 18 ዓመት ከላ እያ ድንግልናኣ ስኢና። ድንግልናኣ ዝሰኣነትሉ ህሞት ክትገልጾ እንከላ ድማ "ዘስካሕክሕ" ኢላ እያ እትገልጾ።

ንሳ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ኣብ ዝጀመረትሉ ግዜ ምስ እቲ ኣብ ወብሳይታት እትርእዮ ዝነበረት ናይ ጾታዊ ርክብ ትሕዝቶታትን ፈጺሙ ዘይራኸብ ከምዝዀነ ተረዲኣ።

ኮርትኒ ኣብ መወዳእታ ኣብ ፖርኖግራፊ ጥዕና ዘይብሉ ጽግዕተኛነት ከም ዘለዋ ተረድአት።

ንሳ ኣስዒባ “ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ምርኣይ ደው ከብል ይኽእል ድየ ወይስ ሓይሊ ኣልቦ ገይሩ ኮፍ ከብለኒ’ዩ እንዳበልኩ ምስ ውሽጠይ ክቃለስ ጀሚረ” ትብል።

ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድመኣ ፖርኖግራፊ ምርኣይ ከምዘቋረጸት እተዘንቱ ኮርትኒ፡ ምስ ሕጹያ ኮይኖም ድሕሪ መርዓኦም’ውን እንተኾነ ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ንዘይምርኣይ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ሻውን፡ እቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ናይ ምርኣይ ወልፉ ባዕሉ ምስ ባዕሉ ብዝገብሮ ጾታዊ ፍስሃ [ግብረ ሕቡእ] ክዳኸም ከምዝገበሮ ገሊጹ።

ይዅን እምበር፡ ንብዙሓት ሰባት፡ ምስ ፖርኖግራፊ ጥዑይ ዝምድና ክህልወካ ከም ዝከኣል ምፍላጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ። ንገሊኦም፡ ጥቕሚ እውን ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ንኣብነት፡ ብደረጃ ብሪጣንያ ቦርድ ፊልም (BBFC) ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ፖርኖግራፊ ብዛዕባ ጾታዊ ርክባቶም ርግጸኛታት ዘይኮኑ መንእሰያት ንነብሶም ብዝበለጸ ንኽርድኡ መንገዲ ከም ዝህብ ይሕብር።

‘’ምስ ፖርኖግራፊ ዘይጥዑይ ዝምድና ዝፍጠር እቲ ውልቀሰብ ናይ ምምራጽ ሓይሊ ምስ ዝስእን ጥራይ ምዃኑ ክንዝክር ኣሎና፤ ፖርኖግራፊ ከይረኣዩ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ብንቡር ክሰርሑ ኣይክእሉን እዮም" ይብል ፈርናንደስ።

ንሱ ብተወሳኺ "ኣብዚ ምድብ ዘሎ ሰብ ሞያዊ ሓገዝ ክሓትት ኢና እነማኽሮ"

"ብዙሕ በሰላታት ገዲፉለይ'ዩ" ትብል ኮርትኒ ብወገና "ክውንነታዊ ጾታዊ ርክብ እንታይ ምዃኑ ክመሃር ተገዲደ'የ” ኢላ።

እታ ገና ተምሃሪት መባእታ እንከላ ኣትሒዛ ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ምርኣይ ዝጀመረት ኮርትኒ "ኣካላተይ ከፍቅር ከምዘለንን ምስ ኣካላት ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ከወዳድር ከምዘይብለይን ክምሃር ተገዲደ'የ" ትብል።

ኣብ መወዳእታ "ነታ ሰዓት ንድሕሪት ክመልሳ ዝኽእል እንተዝኸውን ነይረ ኣይምጀመርክዋን" ክትብል በሰላኡ ከቢድ ከምዝኾነ ኣስሚራትሉ።

ሻውን ብወገኑ ተስፋ ምቝራጽ ሓደ ካብቶም ዝወሰዶም ዝበለጹ ውሳነታት’ዩ ነይሩ።

"እቲ ወልፊ ምስ ሰባት ዝነበረኒ ዝምድና ከም ዝስእን ገይሩኒ፡ ሕጂ ድማ ምስቶም ብሓፈሻ ዝፈትዎምን ብሓቂ ዝግደሰሎምን ሰባት ዝምድና ክህልወኒ ይፍትን ኣለኹ" ይብል።