ዓዲ እንግሊዝ፡ ብጾታዊ ምትንኻፍ ዝተኸሰሰ ኢትዮጵያዊ ገበነኛ ተባሂሉ

ሓዱሽ ቅብኣቱ

ምንጪ ስእሊ, Essex Police

ሓዱሽ ቅብኣቱ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዝፈጸሞ ጾታዊ ግህሰት ኣብ ከባቢ እቲ ስደተኛታት ዘዕቈቡሉ ሆቴላት ሰፊሕ ምልዕዓል ከምዝፈጠረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ሕጂ ድማ ተግባሩ ገበን ምዃኑ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

እቲ ፍጻመ ኣብ ዝሓለፈ 7ን 8ን ሓምለ ኣብ ግዝኣት ኢሰክስ ከተማ ኢፒን ኣብ ልዕሊ ጓል 14 ዓመት ጐርዞን ካልኣይታን ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ሓዱሽ ነታ ንእሽቶ ከምዝተንከፋን "ቈልዓ ክወልደላ ከምዝደሊ" ከምዝተዛረባን ተገሊጹ ነይሩ።

በቲ ዝፈጸሞ ተግባር ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው፡ ኣብቲ ከም ሓታቲ ዕቝባ ዝነብረሉ ዝነበረ ከባቢ 'በል ሆቴል' ሰፊሕ ተቛውሞታት ኣልዒሉ እዩ።

ዳኛ ቤት ፍርዲ ቸልምስፎርድ ሓዱሽ ቅብኣቱ ነታ ጓል ብምግፋዕ፡ ኣብ ጾታዊ ንጥፈታት ከእትዋ ክሓባብላ ብምፍታን፣ ብፈተነ ጾታዊ ግህሰትን ገበነኛ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ፍርዲ ማእሰርቲ ክጸበዮ ከምዘኽእል ኣጠንቂቑ።

ቤት ፍርዲ፡ ሓዱሽ ነታ ጐርዞ ጓል ክስዕማ ፈቲኑ፣ ኢዱ ኣብ ምዕጉርታ ኣንቢሩ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ቅድሚኡ ንኻልእ ቈልዓ ክትስዕም ከም ዝሓተታን ሰሚዑ።

ካልኣይታ ጓለንስተይቲ ጣልቃ ምስ ኣተወት እውን ብኢዱ ምዕጉርታ ብምትንካፍ፡ "ስንባደን ዘይምቹእነትን" ከም ዝፈጠረላ ደሓር ናብ ፖሊስ ከም ዝደወለት ገሊጻ።

ሓዱሽ ቅብኣቱ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምብጻሕ ብሱዳን፡ ሊብያ፡ ኢጣልያን ፈረንሳን ኣቢሉ ከምዝተጓዕዘ፡ ኣብኡ ድማ ቅድሚ ምእሳሩ ኣብ ሆቴል ዘ በል ንኣስታት ሓደ ሰሙን ከምዝተቐመጠ ቃል ሂቡ።

ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልታት መስርሕ ፍርዲ "ኣነ ኣራዊት መዓስ ኰይነ" ኢሉ ብትሪ ብምክርኻር፡ "እዚ ዓይነት ተግባራት ክገብር ኣይክእልን እየ፣ እዚ ጸረ-ክርስትና'ዩ - እዚአን ቈልዑ እየን፣ በቃ ንጹሃን ቈልዑ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ዳኛ እቲ ግዝኣት ክሪስቶፈር ዊልያምስ ግን፡ ቅብኣቱ ምስክርነት ምስ ሰምዐ ዝመሃዞ መከላኸሊ እምበር ቅኑዕ እዩ ኢሉ ከምዘይኣምን ገሊጹ።

ኣብ እዋን ፍርዲ ዝተሰምዐ ምስክርነት፡ ቅብኣቱ ብ 7 ሓምለ ነተን ኣዋልድ፡ "ናብ ኣፍሪቃ እንተትኸዳ ኣብኡ ንፉዓት ኣንስቲ ምዀንክን" ከም ዝበለን ተገሊጹ።

ኣብ ማእከል ከተማ ኤፒን ፒዛ ዝበልዓ ዝነበራ እተን ኣዋልድ፡ ተኸሳሲ ሓዱሽ ቅብኣቱ፡ ናብቲ ዝነብረሉ ሆቴል ክመጻኦ እውን ዓዲሙወን እዩ።

"ካብ ቦዶ ተላዒሉ፡ 'ካባኺ ሓደ ህጻን፡ ካብ መሓዛኺ ድማ ሓደ ክወልድ' ኢሉኒ" ከምዝበለን እታ ጓል ንፖሊስ ተዛሪባ።

ኣብቲ ዝቐጸለ መዓልቲ ተኸሳሲ፡ ጽብቕቲ ምዃና ክነግራን ንጽባሒቱ ክስዕማ ክፍትንን ኢዱ ኣብ ምዕጉርታ ክትንክፍን ተራእዩ።

ኣብ ከባቢ'ቲ 138 ስደተኛታት ሓተትቲ ዕቝባ ዝነብሩሉ ሆቴል ዘ በል ሓያል ወጥሪ ሰፊኑ ጸኒሑ እዩ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከባቢ'ቲ 138 ስደተኛታት ሓተትቲ ዕቝባ ዝነብሩሉ ሆቴል ዘ በል ሓያል ወጥሪ ሰፊኑ ጸኒሑ እዩ

ኣብ ከምዚ ኵነታት "ቀዚዘ ተሪፈ" ክትብል ዝሓበረት እታ ጐርዞ፡ "ኣይፋልን፡ ኣነ ጓል 14 ዓመት እየ" ከምዝበለቶን፡ እንተዀነ "ዕድመ ኣገዳሲ ኣይኰነን" ዝብል ምላሽ ከምዝሃባን ገሊጻ።

"ሽዑ ካብ ውሽጢ ከብደይ ቃንዛ ተሰሚዑኒ። ሓደ እዅል ሰብ ከመይ ኢሉ ከምዚ ዝበለ ተግባር ከም ቀሊል ይቘጽሮ?" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

"ሰንቢደን ዘይምቹእነት ተሰሚዑኒን።"

ቅብኣቱ ነተን ኣዋልድ ካብ ኣፍሪቃ ከምዝመጸን፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብጃልባ ንኽሰግር 2500 ዩሮ ከምዝኸፈለን ክነግረን ከምዝተሰምዐ እቲ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ።

ኣብቲ ፍርዲ፡ ዕለተ ልደቱ ታሕሳስ 1986 ብምባል ወዲ 38 ዓመት ከም ዝዀነ'ኳ እንተገለጸ፡ መዛግብቲ ቤት ፍርዲ ግን ወዲ 41 ዓመት ምዃኑ ይሕብሩ።

ቅብኣቱ ኣብ ዓዱ "መምህር ስፖርት" ከምዝነበረ ንዳኛ ብምግላጽ፡ ህጻናት "መጻኢ ጽባሕ፡ ሓድሽ ወለዶ" ምዃኖም ገሊጹ።

እንተዀነ፡ እቲ ዳኛ፡ እቲ ተኸሳሲ፡ ነታ ጓል ብ8 ሓምለ ኣብ ቅድሚኡ ካልእ ቈልዓ ክትስዕም ምሕታቱ "ርኡይ [ጾታዊ] ምልዕዓል እዩ ክብል ገሊጹ።

ሓዱሽ ቅብኣቱ ዝመጽእ 23 መስከረም ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ኰይኑ፡ "ብኡ ንብኡ ፍርዲ ማእሰርቲ" ክጽበዮ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ'ሎ።