ዓዲ እንግሊዝ፡ ንኽልተ ቈልዑ 'ክወልደልክን' ዝበለ ኢትዮጵያዊ ቤትፍርዲ ቀሪቡ

ብርሳስ ዝተሳእለ ምስሊ ክሱስ

ምንጪ ስእሊ, Julia Quenzler/BBC

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ማእከል ከተማ ፒዛ ንዝበልዓ ዝነበራ ክልተ ደቂ 14 ኣዋልድ፡ "ቈልዓ ክወልደለን ከም ዝደሊ" ከም ዝነገረንን ክስዕመን ከም ዝፈተነን ቤትፍርዲ ጥርዓን ሰሚዑ።

ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ ሓዱሽ ቅባቱ፡ ብ7 ሓምለ ኣብ ኤፒንግ፡ ኤሰክስ እተን ቈልዑ መግቢ ድሕሪ ምሃበን፡ "ብዘይ ዝዀነ ዓዳሚ ኵነታት" ከምኡ ከም ዝበለን ተገሊጹ።

እዚ ክስታት ምስ ተሰምዐ፡ ኣብቲ ሓተትቲ ዕቝባ ዝሓድርሉ ሆቴል ዘ ቤል ኣንጻር ኢምግረይሽን ተቓውሞታትን ጸረ ተቓውሞታትን ኣስዒቡ።

ንሱ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዘይፈጸመ (ንጾታዊ ርክብ ከም ዘይዓደመ) ተዛሪቡ።

ኣቶ ሓዱሽ ብታሕሳስ 1986 ከም ዝተወልደ ንቤትፍርዲ ገሊጹ፣በዚ ድማ ዕድመኡ 38 ምዃኑ እዩ። መዛግብቲ ቤትፍርዲ ግን ዕድመኡ 41 ምዃኑ ይሕብሩ።

ዓቃቢ ሕጊ ስቱዋርት ኮወን፡ ኣቶ ሓዱሽ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝኣተወን ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ ድማ ኣቓልቦ ከም ዝሰሓበን ገሊጹ።

ሚስተር ኮወን ነቲ ፍርዲ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን፡ ተኸሳሲ ናብተን ኮፍ ኢለን ፒዛ እናበልዓ ዝነበራ ኣዋልድ ከም ዝቐረበን "ዘይግቡእ ርእይቶታት" ከም ዝሃበን ገሊጹ።

ካብ ክልተአን ቈልዓ ክወልድ ከም ዝደሊ ከም ዝነገረንን ክስዕመን ከም ዝፈተነን ዝገለጸ ሚስተር ኮወን፡ "ናብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምእታዉ ኣብ ዘዕቍበሉ ዝነበረ ሆቴል ንኽመጽአኦ ዓዲሙወን፡" ይብል።

እተን ኣዋልድ ንዕድመኡ ነጺገን ደቂ 14 ዓመት ምዃነን ምስ ነገረኦ፡ "ዕድመ ኣገዳሲ ኣይኰነን" ከም ዝበለን ቤትፍርዲ ሰሚዑ።

እተን ኣዋልድ ካብቲ ዝነበራኦ ቦታ ወጺአን፣ እቲ ሓታቲ ዕቝባ ንጽባሒቱ'ውን ደድሕሪአን ተኸቲሉወን።

ኣብዚ ኣጋጣሚ፡ሓንቲ ካብተን ቈልዑ ዩኒፎርም ቤት ትምህርታ ተኸዲና ከም ዝነበረት ተገሊጹ።

ሚስተር ኮወን፡ ምቾት ከም ዘይተሰምዓን - ሓደ ወዲ ተባዕታይ ዓርካ ጣልቃ ምስ ኣተወ - ኣቶ ሓዱሽ ድሒሩ ኢዱ ኣብ ምዕጕርታ ቅድሚ ምንባሩ ክትስዕሞ ከም ዝሓተታን ገሊጹ።

"ተኸሳሲ ከምዚ ተግባራት ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ስምዒቱ ተለዓዒሉዎ ዝነበረ ይመስል ብምባል ንቤትፍርዲ ቃል ክትህብ እያ፡" ክብል እቲ ዓቃቢ-ሕጊ ይገልጽ።

ምስ ፖሊስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ ቤትፍርዲ'ውን ዝሰምዖ፡ ሓንቲ ካብተን ቈልዑ፡ ኣቶ ሓዱሽ፡ "ከንፈሩ እናኣጸግዐን እናኣሞጥሞጠን፡" ከም ዝነበረ፣ ከምኡ'ውን "ንኽስዕማ ሃንቀውታ ከም ዝነበሮ፡" ገሊጻ።

"ምሳይ ናብ ሆቴል እንተ ኬድክን ቈልዑ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና፡" ከም ዝበለን ከሲሳ።

እታ ጓል ከመይ ከም ዝስምዓ ምስ ተሓተተት፡ "ብሓቂ ክንቀሳቐስ ኣይከኣልኩን፣ ሰንቢደ። እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈለጥኩን። ኣእምሮይ ደው ኢሉ፡" ኢላ።

"ዝሓመምኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ሓደ እኹል ሰብኣይ ከምኡ ክገብር ጽቡቕ ኰይኑ ይስምዖ እዩ ኢለ ኣይሓስብን ነይረ።"

ኣባላት ፖሊስ ተጸዊዖም ምስ መጽኡ ንኣቶ ሓድሽ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞ።

እቲ ሓታቲ ዕቝባ ንዅሉ ዝቐረበሉ ክስታት እኳ እንተ ነጸጎ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ማእከል ከተማ ከም ዝነበረ ግን ከም ዝተኣመነ ጠበቓ ሞሊ ድያስ ገሊጻ።

ብ19 ነሓሰ፡ ቤትምኽሪ ኤፒንግ ፎረስት፡ እቲ ቦታ ንግዜኡ ሓተትቲ ዕቝባ ከይሰፍሩዎ ንዝሃቦ ውሳነ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ደጊፉዎ።

እቲ ረቡዕ 27 ነሓሰ ክውዳእ ትጽቢት ዝግበረሉ መስርሕ ፍርዲ ይቕጽል ኣሎ።