ስደተኛታት ናብ ኤርትራን ኣፍጋኒስታንን ክመልስ ዝደሊ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓባይ ብሪጣንያ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ሰልፊ ጽገና ዓባይ ብሪጣንያ ብንኣሽቱ ጀላቡ ተሳፊሮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝኣትዉ ሓተቲ ዕቝባ ብጅምላ ክጥረዙ ከም ዝገብር ቃል ኣትዩ።
መራሒ እቲ ሰልፊ - ኒጀል ፋራጅ ንዘ-ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሰፊሕ ቅልውላው ከም ዘሎን እዚ ድማ ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ህዝባዊ ዕግርግር ከስዕብ ከም ዝኽእልን ገሊጹ።
ፖለቲካዊ ውድብ ጽገና ኣርባዕተ ኣባላት ባይቶ ጥራሕ'ኳ እንተ'ለውዎ፡ ብሰንኪ እቲ ብንኣሽቱ ጀላቡ ተጠቒምካ ዝካየድ ዘሎ ስግረዶብ ዘስዓቦ ብስጭት ኣብ መረጻ ዝሓሸ ተሰማዕነት ይረክብ'ዩ ዘሎ።
ፋራጅ፡ "ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ውድብ ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ እንታይ ክገብር ይኽእል ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓሸ ሓሳብ ኣለና፡" ኢሉ። ሰልፊ ዕዮ ነቲ ውጥን ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ኢሉዎ ኣሎ። ዓቃባውያን ብወገኖም ብተግባር ዝሰርሕ ተኣማንነት ዘለዎ ውጥን ከም ዘቕርቡ ገሊጾም።
ፋራጅ ንጋዜጣ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰባት ክእሰሩን ክጥረዙን ምዃኖም እንተ ፈሊጦም ቀልጢፎም ካብ ምምጻእ ክቝጠቡ'ዮም ኢሉ።
ንሱ፡ ንብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኣውጺኡ፡ ነቶም ብንኣሽቱ ጀላቡ ተሳፊሮም ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ዕቝባ ከይሓቱ ክእግዶም ይደሊ።
ኣብ ስምምዕ እንተ ተበጺሑ፡ እቶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተኣሲሮም ናብ ከም ኣፍጋኒስታንን ኤርትራን ዝኣመሰላ ሃገራት ክምለሱ ይኽእሉ እዮም።
ብዙሓት ካብዞም ስጕምትታት ሕጋዊ ብድሆታት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ፣ እንተዀነ፡ ኣመራርሓ ሰልፊ ጽገና ሱርበተኻዊ ስጕምቲ ከም ዘድሊ ኣሚኑ ኣሎ።
ፋራጅ ንዘ-ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ዕላማ ናይዚ ሕጊ፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብጃምላ ምስጓግ'ዩ፡" ኢሉ።
"ኣብ ብሪጣንያ ሰፊሕ ቅልውላው ኣለና። ንሃገራዊ ድሕነት ስግኣት ጥራይ ዘይኰነስ ብግልጺ ካብ ስርዓት ኣልቦነት ብዙሕ ዘይርሕቕ ቍጥዐ ህዝቢ ይመርሕ ኣሎ።"
"ሰባት ናብ ብሪጣንያ ንኸይኣትዉ ደው ንምባል ሓደ መንገዲ ጥራይ ኣሎ፤ ንሱ ድማ ምእሳርን ምስጓግን'ዩ፡" ኢሉ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ኢምግረይሽን ጸቕጢ ዝገጥሞ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ክሳዕ ሰነ ጥራሕ 111,000 ሕቶታት ዕቝባ ከም ዝቐረበሉ ተፈሊጡ።
ኣብዚ ሰሙን ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዘውጽኦ ኣሃዛት ከም ዘመልክቶ፡ ዋላ'ኳ ቍጽሪ ሓደሽቲ ኣመልከቲ ዕቝባ እንተ ወሰኸ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዕቝባ ዝውዕል ወጻኢታት ብ12 ምኢታዊት ከም ዝነከየ ይሕብር።
ብንኣሽቱ ጀላቡ ተሳፊሮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ሰባት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ38 ምኢታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣዩን ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ኤርትራ፡ ኢራን፡ ሱዳንን ሶርያን ዝመጽኡ እዮም።
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ኢቨት ኩፐር፡ ሰልፊ ሌበር "እቲ ቅድሜኡ ዝጸንሐ መንግስቲ ዝሓደጎ ዝዓነወ ስርዓተ ኢምግረይሽንን ዕቝባን'ዩ ተረኪቡ፡" ኢላ።
እቲ ሓድሽ መንግስቲ ምቍጽጻር ኢምግረይሽን ከም ዘሐየለ፣ ምትግባርን ምምላስን፡ "ብዓቢኡ ከም ዝወሰኸ፡" ገሊጻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







